bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 49
Jeremiah 49
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ኣሞን ዝበሎ እዙይ እዩ፦ “ንእስራኤልዶ ውሉድ የብሉን እዩ? ወረስቲኸ የብሉን ድዩ? ስለ ምንታይ ድኣ እቲ ሚልኮም ንጉሶም ንጋድ ዝወረሳ? ህዝቡ ኸዓ ኣብ ከተማታቱ ንምንታይ ተቐመጡ? ይብል እግዚኣብሄር።”
2
ግና ኣብ ረባት ከተማ ደቂ ኣሞን ድምፂ ውግእ ዘስምዐሉ ጊዜ ይመፅእ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሳ ኽትዓኑ እያ፤ እተን ኣዋልዳ ብሓዊ ኽቓፀላ እየን። ሽዑ እስራኤል ነቶም ወሪሶምዋ ዝነበሩ ኽትወርሶም እያ።
3
ኣቲ ሓሴቦን፥ ጋይ ፈሪሳ እያ እሞ፥ ኣእውዪ። ኣትን ኣዋልድ ረባት፥ ከሊ ተዓጠቓ፥ ዋይ ዋይ በላ። ሚልኮም ምስ ካህናቱን ኣሕሉቑን ሓቢሩ ኽማረኽ እዩ እሞ፥ ኣብቲ መካበብያ እናዞርክን ኣልቅሳ።
4
ኣቲ መንዩ ዝመፀኒ ኢልኪ፥ ብመዝገብኪ ዝተኣመንኪ ጠላሚት ጓል፥ ስለ ምንታይ ብማይ ብዝፀገቡ ልሙዕ ለሰታትኪ ትምክሒ ኣለኺ?
5
እንሆ፥ ካብ ኵሉ ኸባቢኺ ፍርሓት ክሰደልኪ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ነቶም ዝሃደሙ ድማ ዝእክቦም የለን። ነፍሲ ወከፍ ህይወቱ ኸድሕን ክሃድም እዩ።
6
“ድሕሪዙይ ግና ንምርኮ ደቂ ኣሞን ክመልሶ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
7
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኤዶምያስ ከምዙይ ይብል፦ “ጥበብዶ ኻብ ቴማን ጠፊኡ እዩ? ምኽሪዶ ኻብቶም ሰብ ኣእምሮ ርሒቑ እዩ? ጥበቦምከ ኸንቱ ኾይኑ ድዩ?
8
ኣነ ንደቂ ኤሳው ዝቐፅዐሉ ጊዜ ስለ ዝበፅሐ፥ ጥፍኣት ከውርደሉ እየ እሞ፥ ኣቱም ኣብ ዴዳን እትነብሩ ህዝቢ፥ ንድሕሪት ተመሊስኩም ህደሙ። ኣብ ዓሚቍውን ተሓብኡ።
9
ኣከብቲ ወይኒ እንተ መፁኻ ቐሪምዶ ኣይሓድጉን? ሰረቕቲኸ ብለይቲ እንተ መፁ ዝደለይዎ ወሲዶም ኣይሓደጉልካንዶ?
10
ኣነ ግና ንኤሳው ቀላዕኽዎ፤ ንመሕብኢኡ ድማ ገለፅክዎ፤ ክሕባእ ከዓ ኣይኽእልን እዩ። ዘርኡን ኣሕዋቱን ጐረባብቱን ክጠፍኡ እዮም፤ ንሱውን ድሕሪዙይ ኣይህሉን እዩ።
11
ንደኽታማትካ ሕደጎም፤ ኣነ ብህይወት ከንብሮም እየ፤ መበለታትካውን ኣባይ ይተኣመና።”
12
እንሆ እምበኣር “እቶም ነታ ፅዋዕ መቕፃዕቲ ኽሰትዩዋ ዘይግብኦም ሰትዮምዋ እዮም። ብሓቂዶ እንተይተቐፃዕኻ እትተርፍ ይመስለካ? እንተይተቐፃዕኻ ኣይትተርፍን ኢኻ። ብርግፅ ክትሰቲ ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
13
ባሶራ መገረምን መፃረፍን መራገምን ከም እትኸውን፥ ኵለን ከተማታታ ንዘለኣለም ከም ዝባድማ፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
14
“ካብ እግዚኣብሄር መልእኽቲ ሰሚዐ ኣለኹ። ‘ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ተኣከቡ፤ ኣብ ልዕሊኣውን ንዑ ንውግእ ድማ ተልዓሉ!’ ዝብል ልኡኽ ተልኢኹ እዩ።
15
እንሆ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ዝተሓትካ፥ ብሰባትውን ዝተንዓቕካ ገይረካ ኣለኹ።
16
ኣታ ኣብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕ እትነብር፥ ርእሲ እምባውን እትሕዝ፥ ድፍረትካን ኵርዓትካን ኵርዓት ልብኻን ኣታሊሉካ፤ ቤትካ ኸም ንስሪ ኣብ ልዑል ቦታ እንተ ሰራሕኻ እኳ፥ ካብኡ ናብ ታሕቲ ኸፅድፈካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
17
“ኤዶምያስ መገረሚት ክትከውን እያ፤ ነፍሲ ወከፍ ብኣኣ ዝሓልፍ ድማ ኽግረም እዩ፤ ስለ እቲ ዅሉ ዝወረዳ መቕሰፍቲ እውን ክስክሐላን ክፋፅየላን እዩ።
18
ከምቲ ሰዶምን ገሞራን ኣብ ጥቓአን ዝነበራ ኸተማታትን ዝተገልበጣ፥ ከምኡ ኣብኣ ሰብ ኣይነብርን፤ ወዲ ሰብውን ሓደ እኳ ኣይሰፍርን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
19
እንሆ፥ ካብኣ ብህፁፅ ከባርሮም እየሞ፥ ኣብ ልዕሊ ፅኑዕ እምባ፥ ኣብ ውሽጢ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ከም ኣንበሳ ኽድይብ እዩ። ነቲ ዝተሓርየ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ምሳይ ክመዓራረ ዝኽእል መን እዩ? ጊዜ ዝውስነለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ጓሳኸ መን እዩ?
20
ስለዙይ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስ ዝመኸሮ ምኽርን፥ ነቶም ኣብ ቴማን ዝነበሩ ሰባት፥ ዝሓሰቦ ሓሳብን ስምዑ። ኣናእሽቱ መጓሰታቶምውን እንተይተረፈ ተጐቲቶም ክውሰዱ እዮም፤ ብርግፅ ንሰፈሮም ዑና ኽገብሮ እዩ።
21
ካብ ድምፂ ኣወዳድቓኣቶም ዝተልዓለ ምድሪ ተናወፀት፤ ድምፂ ኣውያቶም ድማ ኽሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ተሰምዐ።
22
እንሆ፥ ከም ንስሪ ኽነፍር፥ ኣኽናፉውን ኣብ ልዕሊ ባሶራ ኽዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ጀጋኑ ኤዶምያስ፥ ከም ልቢ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።”
23
ብዛዕባ ደማስቆ፥ “ክፉእ ወረ ስለ ዝሰምዓ ሃማትን ኣርፋድን ሓፈራ፤ መኸኻውን፤ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እውን ሓዘን ኣሎ፤ ክሃድኣውን ኣይከኣላን።
24
ደማስቆ ዛሕተለት፤ ክትሃድም ድማ ዘወር በለት፤ ከም እትወልድ ሰበይቲ እውን ጭንቕን ፃዕርን ሓዛ።
25
እታ ንእድቲ ኸተማ፥ እታ ናይ ሓጐሰይ ከተማ፥ ብኸመይ እያ ዘይተሓድገት?
26
ስለዙይ ኣጓብዛ ኣብ ኣደባባያታ ኽወድቑ እዮም፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ጀጋኑኣውን ክጠፍኡ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
27
ኣብ መካበብያ ደማስቆ ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ንሱውን ንኣዳራሻት ወዲ ኣዴር ከባርዖ እዩ።”
28
ብዛዕባ ቄዳርን ብዛዕባ እቶም ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዓሮም መንግስታት ኣሶርን እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተስኡ ናብ ቄዳርውን ደይቡ፤ ነቶም ደቂ ምብራቕውን ኣጥፍእዎም።
29
ንድንኳናቶምን መጓሰታቶምን ክወስድዎ እዮም፤ ንመጋረጃኦምን ንዅሉ ኣቑሑኦምን ነግማሎምን ክዘምቱ እዮም፤ ነቶም ህዝቢ እውን ‘እንሆ፥ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ራዕዲ ኣርከበኩም’ ኢልኩም ንገርዎም።
30
“ኣቱም ኣብ ኣሶር እትነብሩ፥ ንጉስ ባቢሎን ክፉእ ምኽሪ መኺሩልኩምን ሃቂኑልኩምን ኣሎ እሞ፥ ህደሙ፤ ቀልጢፍኩም ረሓቑ፤ ኣብ ዓሚቝ ተሓብኡ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ከምዙይ ከዓ ይብል ኣሎ፦
31
‘ተስኡ ነዞም መቺይዎምን ሃዲኦምን፥ ደገን መዓፁን መሸጐርን ኣብ ዘይብሎም፥ በይኖምውን ኣብ ዝነብሩ ህዝቢ ውፁ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
32
“ኣግማሎም ክዝመቱ፥ ኵለን መጓሰኦም ክማረኻ እየን። ንዅሎም እቶም ወሰና ወሰን ፀጕሮም ዝላፅዩ ሰባት፥ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ምድሪ ኽብትኖም እየ። ብዅሉ ወገን ድማ መዓት ክሰደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
33
ኣሶር ድማ ሰፈር ወኻሩ ኽሳዕ እትኸውን ንዘለኣለም ከባድማ እየ። ኣብኣ ሰብ ኣይነብርን እዩ። ወዲ ሰብ ሓደ እኳ ኣብኣ ኣይነብርን እዩ።”
34
ብንጉስ ይሁዳ ብሴዴቅያስ ዘመነ መንግስቲ መጀመርታ ብዛዕባ ዔላም ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።
35
“እንሆ ናይ ሓይሎም መሰረት ንዝኾነ ቐስቲ ዔላም ክሰብር እየ።
36
ንዔላም፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ፥ ንፋስ ክሰደላ እየ፤ ንህዝባ ኸዓ ናብ ኵሉ መኣዝናት ምድሪ ኽብትኖም እየ። ካብ ዔላም ዝተሰደዱ ሰባት ዘይብላ ሃገር ድማ ኣይትህሉን እያ።
37
ንህዝቢ ዔላም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምን ኣብ ቅድሚ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን፥ ከም ዝርዕዱ ኽገብሮም እየ፤ መዓት ጓህሪ ቝጥዓይ ከውርደሎም፥ ክሳዕ ዘጥፍኦም ከዓ ድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
38
ዙፋነይ ከዓ ኣብ ዔላም ክተክል እየ፤ ንነገስታቶምን ንኣሕሉቖምውን ከጥፍኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
39
ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንህዝቢ ዔላም ካብ ምርኮ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
← Chapter 48
Chapter 50 →