bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 48
Jeremiah 48
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ ሞኣብ ከምዙይ ይብል፦ ናባው ጠፊኣ እያ እሞ፥ ወይለኣ! ቅርያታይም ነወረት፤ ተትሓዘትውን፤ ሚስጋብ ሓፈረት፤ ደንገፀትውን።
2
ድሕሪ ሕዚ ትምክሕቲ ኣይህሉን፤ ሰባት ልዕሊ ሓሴቦን ንዑ፥ ህዝቢ ኸይትኸውን ነጥፍኣያ፥ ኢሎም ተንኰል ይፍሕሱላ ኣለዉ። ኣቲ መድሜን፥ ንስኺ ድማ ኽትጠፍኢ ኢኺ፤ ሰይፊ እውን ክስዕበኪ እዩ።
3
ካብ ሖሮናይም፥ ናይ ምድምሳስን፥ ድምፂ ዓብዪ ጥፍኣትን፥ ዝብል ኣውያት ይስማዕ ኣሎ!
4
ሞኣብ ጠፊኣ እያ። ደቃውን ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።
5
ብዓቐበት ሉሂት ብርቱዕ ብኽያት እናበኸዩ ይድይቡ፤ ኣብ ቍልቍለት ሖሮናይም፥ ድምፂ ጥፍኣትን መሪር ኣውያትን ሰምዑ።
6
ህደሙ፤ ህይወትኩምውን ኣድሕኑ፤ ኣብ ምድረ በዳ ኸም ዘሎ ቘጥቋጥ ኩኑ።
7
ሞኣብ ብግብርኽን ብሃብትኽን ስለ እትተኣማመኒ፥ ንስኺውን ክትተሓዚ ኢኺ፤ ካሞሽውን ምስ ካህናቱን ኣሕሉቑን፥ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።
8
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ከተማ፥ መጥፍኢ ኽመፅእ እዩ፤ ሓንቲ ኸተማ እኳ ኣይተምልጥን እያ፤ እቲ ለሰ ኽጠፍእ፥ እቲ ጐልጐልውን ክበርስ እዩ።
9
ነፊራ ኽተምልጥ፥ ንሞኣብ ክንፊ ሃብዋ፤ ከተማታታ ዝነብረን ዘይብለን ኮይነን፥ ክባድማ እየን።
10
እቲ ንስራሕ እግዚኣብሄር፥ ብምሉእ ልቡ ዘይፍፅም ርጉም ይኹን፤ ንሰይፉ ድማ ኻብ ደም ዝኽልክል፥ ዝተረገመ ይኹን።
11
“ሞኣብ ካብ ንእስነታ ጀሚራ ሕንቅቕቲ ነበረት፤ ካብ ሳርማ ናብ ሳርማ ኸም ዘይተገላበጠ ወይኒ ድማ ዝግ ዝበለት ነበረት፤ ኣብ ልዕሊ ሓተላኣውን ዓረፈት፤ ናብ ምርኮ ድማ ኣይከደትን፤ ስለዙይ ጣዕማ ኣየጥፍአትን። መዓዛኣውን ኣይተለወጠን።
12
እንሆ፥ ኣነ ዘጋላብጥዋ ዝልእኸሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ሳራሙኣ ኸዕርቑ፥ ንሳቶምውን ከገላብጥዋ፥ ኣጋንኣ ጥራሑ ኽገብሩ፥ መዕረቒታታ ኽሰባብሩ እዮም።
13
ሽዑ ኸምቲ ህዝቢ እስራኤል፥ ይእመንዎ ብዝነበሩ ቤቴል ከም ዝሓፈሩ፥ ሞኣባውያን ከዓ ኸምኡ ብካሞሽ ክሓፍሩ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
14
“ኣቱም ሰብ ሞኣብ ‘ኣብ ውግእ ጀጋኑን ተዋጋእትን ኢና’ እትብሉስ ከመይ ኢልኩም ኢኹም?
15
ሞኣብን ከተማታታን ዓንየን እየን፤ እቶም ሕሩያት ኣጕባዛ ናብ ማሕረዲ ወረዱ፤ ይብል ስሙ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነ ንጉስ።
16
ውድቀት ሞኣብ ይቐርብ ኣሎ፤ መከራኣ ኸዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።
17
ኵልኻትኩም ኣብ ከባቢኣ ዘለኹም ብኸዩላ፤ ኵልኻትኩም ስማ እትፈልጡ፥ እቲ ድልዱል በትሪ፥ እቲ ኽቡር ዘንጊኸ ኸመይ ኢሉ ተሰበረ? ኢልኩም ብኸዩላ።
18
ንሞኣብ ዝድምስስ፥ ንዕርድታታ ኸዓ ዘዕኑ፥ እንሆ፥ መፂኡ እዩ እሞ፥ ኣቲ ጓል ዲቦን፥ ካብቲ ኽቡር ስፍራኺ ወሪድኪ ኣብ ፅምኣት ተቐመጢ።
19
ኣቲ ኣብ ኣሮኤር እትነብሪ፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ዄንኪ ተመልከቲ፤ ነቲ ዝሃድም ሰብኣይ፥ ነታ እተምልጥ ሰበይቲ፥ እንታይ ወሪዱ እዩ ኢልኪ ጠይቒ።
20
‘ሞኣብ ፈሪሳ እያሞ፥ ሓፈረት፤ ዋይ በሉ፤ ኣእውዩ፤ ሞኣብ ኣብ ሩባ ኣርኖን፥ ተስዒራ እያሞ ነወረት’ ኢልኩም ንገሩ፤ ሞኣብ ከም ዝፈረሰት ኣብ ኣርኖን ኣውርዩ።”
21
“እተን ኣብ ደጕዓ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ልዕሊ ሆሎን፥ ኣብ በያሳ፥ ኣብ ሜፍዓት፥
22
ኣብ ዲቦን፥ ኣብ ናባው፥ ኣብ ልዕሊ ቤት ዲብላታይም፥
23
ኣብ ቂርያታይም፥ ኣብ ቤት ጋሙል፥ ኣብ ቤት ምዖን፥
24
ኣብ ቂርዮት፥ ኣብ ባሶራ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኣብ ዝረሓቓን ዝቐረባን ኵላተን ከተማታት ሞኣብ መቕፃዕቲ መፂኡ እዩ።
25
ቀርኒ ሞኣብ ተቘሪፁ እዩ፤ ኢዳውን ተሰቢሩ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
26
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ “ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኰሪዑ እዩሞ፥ ኣስክርዎ። ኣብ ትፍአቱውን ይንከባለል፤ መስሓቒውን ይኹን።
27
ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤልዶ ተባጩ ኣይነበርካን? ብዛዕባኡ ኽትዛረብ እንተለኻ ርእስኻ እትንቕንቕስ፥ ኣብ ማእኸል ሰረቕቲዶ ተረኺቡ እዩ?
28
ኣቱም ኣብ ሞኣብ እትነብሩ፥ ካብተን ከተማታት ውፁ፤ ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ስፈሩ። ከምታ ኣብ ቀልቀል ፀድፊ ቤታ እትሰርሕ ርግቢ ድማ ኹኑ።
29
ሞኣብ ዕቡይ፥ ምኩሕ፥ ፍኽኑን፥ ኵሩዕ፥ ደፋር፥ ሕቡን ምዃኑ ሰሚዕና ኣለና።
30
ቍጥዓኡ እንታይ ከም ዝኾነ ኣነ ፈሊጠዮ ኣለኹ፤ ዛህራኡውን ከንቱ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ፈኸራኡ ኸንቱ እዩ።
31
ስለዙይ ንህዝቢ ሞኣብን ንሰብ ቂርሄሬስን አልቅሰሎምን እበኽየሎምን ኣለኹ።
32
ኦ ወይኒ ሴባማ! ኻብ ንኢያዜር ዝበኸኹሎም ኣብሊፀ ንኣኺ ኽበኽየልኪ እየ። ጨናፍርኪ ባሕሪ ተሳጊሩ፥ ክሳዕ ባሕሪ ኢያዜር በፅሐ። እቲ መጥፍኢ ኣብ እቶት ፍረ ሓጋይክን ቀውዒ ወይንኽን መፀ።
33
ካብቲ ፈራዪ ገራሁን ካብ ሃገር ሞኣብን፥ ፍስሃን ደስታን ጠፍአ። ወይኒ ኻብ መሐምተሊኡ ኸም ዘይወርድ ገበርክዎ። ደጊም ወይኒ ብዕልልታ ኣይፅመቝን እዩ፤ እቲ ዕልልታኦምውን ዕልልታ ኣይኮነን።
34
ማይ ኔሞሬም ከዓ ምድሪ ኣፃምእ ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣውያት ህዝቢ ሓሴቦንን ኤልያሊና ኽሳዕ ያሃፅ፥ ካብ ዞኣር ክሳዕ ሖሮናይም፥ ክሳዕ ዔግላት ሺልሺያ ኽስማዕ እዩ።
35
ኣነ ኻብ ሞኣብ ኣብ ኰረብታ ንዝሰግዱን፥ ንኣማልኽቶም ንዝዓጥኑን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
36
“ስለዙይ ልበይ ንሞኣብን ንሰባት ቂርሄሬስን፥ ከም እምብልታ ይቝዝም። ዘዋህለልዎ ንብረት ጠፊኡ እዩሞ።
37
ስለዙይ ርእሲ ዅሉ ተላፅዩ፥ ኵሉ ጭሕሚ ተቘሪፁ፥ ኵላተን ኣእዳው ብጡሓት እየን፤ ኣብ ሕቘታት ድማ ኸሊ ኣሎ።
38
ንሞኣብ፥ ደስ ከም ዘየብል ኣቕሓ ገይረ፥ ሰባቢረያ እየ እሞ፥ ኣብ ኵሉ ናሕስታት ሞኣብን ኣብ ዕዳጋታትን ብኽያት ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
39
ኣየ ሞኣብ ከመይ ኢላ ተስዓረት? ኢሎም የልቅሱ ኣለዉ፤ ከመይ ኢላኸ ሞኣብ ነዊራ ዝባና መለሰት? ሞኣብ ንዅሎም እቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ድማ፥ ንመላገፅን ንመሰክሕን ክትከውን እያ።”
40
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኸም ንስሪ ይነፍር፥ ኣብ ልዕሊ ሞኣብውን ኣኽናፉ ይዝርግሕ ኣሎ።
41
ከተማታት ክውረራ እየን፤ ዕርድታትውን ክተሓዝ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ልቢ እቶም ጀጋኑ ሞኣብ፥ ቅልውላው ሕርሲ ከም ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።
42
ሞኣብ ንእግዚኣብሄር ተዓቢዩሉ እዩሞ፥ ህዝቢ ኻብ ምኳን ክጠፍእ እዩ።
43
ኣቱም ኣብ ሞኣብ እትነብሩ ዘለኹም፥ እግዚኣብሄር ከም ዝበሎ፥ ፍርሓትን ጕድጓድን መፈንጠርን ኣብ ልዕሌኹም ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
44
እግዚኣብሄር ንሞኣብ ዝቐፅዐሉ ዓመት ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እቲ ኻብ ፍርሓት ዝሃድም ናብ ጕድጓድ ክወድቕ፥ እቲ ኻብ ጕድጓድ ዝወፅእ ከዓ ብመፈንጠር ክተሓዝ እዩ።
45
እቶም ሃደምቲ ደኺሞም ኣብ ፅላል ሓሴቦን፥ ቆይሞም ኣለዉ። ሓዊ ኻብ ሓሴቦን ሃልሃልታ ድማ ኻብ ማእኸል ሴዎን ክወፅእ እዩ እሞ፥ ነቲ ጎቦታት ሞኣብን፥ ነቲ ርእሲ ዋዕዋዕ ዝብሉ ደቅን ከቃፅል እዩ።
46
ኣታ ሞኣብ፥ ህዝቢ ካሞሽ ጠፊኡ እዩ፤ ኣወዳትካ ተማሪኾም፥ ኣዋልድካ ኸዓ ኣብ ምርኮ ኸይደን እየን እሞ ወይለኻ!
47
ኣብተን ዳሕረዎት ዘመናት ግና፥ ንሞኣብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ሞኣብ ዝወርድ ፍርዲ ኽሳዕ እዙይ እዩ።
← Chapter 47
Chapter 49 →