bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 50
Jeremiah 50
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኸተማ ባቢሎንን ብዛዕባ ሃገር ከለዳውያንን ብነቢይ ኤርሚያስ ገይሩ ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ፦
2
“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን፤ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፤ እንተይሓባእኹም ከዓ ‘ባቢሎን ተትሒዛ፥ ጣዖት ቤል ተዋረደ፤ ጣዖት ሜሮዳክ ተሰባቢሩ፤ ምስልታታ ተዋረዱ፤ ጣዖታታ ተሰባበሩ’ ኢልኩም ኣውጁ።
3
“ንባቢሎን ከጥፍእዋ ህዝቢ ብወገን ሰሜን ተልዒሎምዋ ኣለዉ እሞ፥ ነታ ሃገር ከባድማ እዩ። ሰብ ኮነ እንስሳ ካብኣ ሃዲሞም ክኸዱ እዮም እሞ፥ ኣብኣ ዝነብር ኣይህሉን እዩ።”
4
“በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ሓቢሮም ክመፁ እዮም፤ እናበኸዩ ክኸዱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ክደልዩ እዮም።
5
ናብ ፅዮን ዝወስድ መንገዲ ኽጥይቑ እዮም፤ ገፆም ናብኣ ኣቕኒዖም ከዓ ክኸዱ እዮም፤ ዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከዓ፥ ምስ እግዚኣብሄር ንእቶ ኽብሉ እዮም።
6
“ህዝበይ፥ ከም ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ኾኑ፤ ጓሶቶም ኣጋገይዎም፤ ንሳቶም ኣብ እምባታት ኰለል ከም ዝብሉ ገበርዎም። ካብ እምባ ናብ ኰረብታታት ከርተት በሉ፤ መሕደሪኦምውን ረስዑ።
7
ኵሎም ዝረኸብዎም በልዕዎም፤ ፀላእቶም ድማ፦ ንሳቶም ንመሕደሪ ፅድቂ እግዚኣብሄር፥ ንተስፋ ኣቦታቶም ኣብ እግዚኣብሄር በዲሎም እዮም እሞ፥ ንሕና ኣይበደልናን በሉ።
8
“ኦ ህዝቢ እስራኤል፥ ካብ ማእኸል ባቢሎን ህደሙ፤ ካብ ሃገር ከለዳውያንውን ውፁ፤ ከምቲ ዲበላታት ንመጓሰ ዝመርሕወን ቅድሚ ዅሉ ውፁ።
9
እንሆ፥ ኣነ ንባቢሎን ብወገን ሰሜን፥ ብዙሓት ብርቱዓት ህዝብታት ከተስአላ እየ፤ ንሳቶም ተሰሊፎም ክወግእዋ እዮም፤ ክስዕርዋ ኸዓ እዮም። ፍላፃታቶም ከምቲ ናይ ጅግና ተዋጋኢ ሓደ እኳ ኣይስሕትን።
10
ምድሪ ባቢሎን ንዘመተ ኽትውፈ እያ፤ ኵላቶም ዘመትታ ኸዓ ብዘመተ ኽፀግቡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
11
“ኣቱም ንርስተይ እትዘምቱ፥ ንስኻትኩም ከምተን ዓውዲ ዘኺዳ ኣርሕታት ስለ እተሰራሰርኩም፥ ከም ብርቱዓት ኣፍራስ እናሓምሐምኩም ስለ ዝተሓጐስኩምን ዝተፈሳሕኩምን፥
12
እኖኹም የመና ኽትሓፍር፥ ወላዲትኩምውን ክትዋረድ እያ፤ ካብ ኵሉ መንግስታት ዝሓመቐት ክትከውን እያ፤ በረኻን ምድሪ ኣፃምእን ምድረ በዳን ክትከውን እያ።
13
ካብ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ ዅላ ኽትባድም እያ እምበር፥ ድሕሪዙይ ኣብኣ ዝነብር የለን። ኵሉ ብባቢሎን ዝሓልፍ ከዓ በቲ ዝወረዳ መቕሰፍቲ ኽግረምን ከላግፀላን እዩ።
14
“ኣቱም ቀስቲ እትግትሩ ዅልኻትኩም፥ ንባቢሎን ክትወግእዋስ ኣብ ዙርያኣ ተሰለፉ። ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ገይራ እያ እሞ፥ ሓደ እንተየትረፍኩም ፍላፃታት ወርውሩላ።
15
ኣብ ዙርያኣ ዄንኩም ‘ኢዳ ሃበት፤ ዕርዳ ወደቐ፤ ቅፅራ ፈረሰ፤ እዙይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ሕነኣ ፍደይዋ፥ ኢዳ ሂባ፥ ግምብታት ወዲቖም፥ ቅፅርታት ፈሪሶም’ ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ።
16
ዘርኢ ዝዘርእ ኮነ፥ ዓፂድ ዝዓፅድ፥ ኣብ ምድሪ ባቢሎን ከም ዘይነብር ግበሩ። ኵሉ ኣብኣ ዝነብር ዝነበረ፥ ዘጥፍእ ሰይፊ ፈሪሑ፥ ናብ ህዝቡ ኽሃድም እዩ።”
17
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እስራኤል ኣናብስ ዘሳጐጕዋ፥ እተባረረት በጊዕ እያ። ቅድም ንጉስ ኣሶር ሰላሊዑ በልዓ፤ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣዕፅምታ ቘረጣጠመ።
18
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከምቲ ንንጉስ ኣሶር ዝቐፃዕኽዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንንጉስ ባቢሎንን ንሃገሩን ክቐፅዕ እየ።
19
ንእስራኤልውን ናብ መውፈሪኡ ኽመልሶ እየ፤ ኣብ እምባ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን፥ ክዋፈር እዩ፤ ሰብነቱውን ኣብ እምባ ኤፍሬምን፥ ኣብ ገለዓድን ክትፀግብ እያ።
20
ነቶም ዘትረፍክዎም ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፥ በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ በደል እስራኤልን ሓጢኣት ይሁዳን ክድለ እዩ፤ ግና ኣይርከብን።”
21
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ናብ ምድሪ ሞራታይምን፥ ናብቶም ኣብ ፋቁድ ዝነብሩን ውፃእ እሞ፥ ቅተሎምን ኣጥፍኣዮምን። ብዅሉ ድማ ኸምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ግበር።
22
ድምፂ ውግእን ዓብዪ ዕንወትን፥ ኣብታ ሃገር ይስማዕ ኣሎ።
23
ናይ ኵሉ ምድሪ መዶሻ ኸመይ ተሰብረት! ባቢሎንከ ኸመይ ደቐቐት! ኣብ ማእኸል ህዝቢ ኸዓ ኸመይ ዝባደመት ኮነት።
24
ኦ ባቢሎን፥ መፈንጠር ዘርጊሐልኪ፤ በቲ ዘፃወድክዎ መፈንጠር ከዓ እንተይፈለጥኪ ተትሒዝኪ ኢኺ፤ ምስ እግዚኣብሄር ኢኺ ዝተዋጋእኺ እሞ፥ ተረኸብክን ተትሓዝክን።
25
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ሃገር ባቢሎን ዝገብሮ ኣለዎ እሞ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ኣፅዋሩ ዘቕምጠሉ ቤት ከፈቶ፤ ንኣፅዋር ቍጥዓኡውን ኣውፅኦ።
26
ብዅሉ ወገን መፂእኹም ውረርዋ፤ ማዕኸናታ ኽፈቱ፤ ነቲ ዝዘመትኩምዎ ኸም ምህርቲ እኽሊ ዀምርዎ። ፈፂምኩም ድማ ኣጥፍእዋ፤ ሓንቲ እኳ ኣይተትርፉላ።
27
ንዅሎም ዝራብዓታ ሕረድዎም፤ ናብ ማሕረዲውን ኣውርድዎም። መዓልቶም፥ እታ ጊዜ መቕፃዕቶም በፂሓ እያ እሞ፥ ወይለኦም!”
28
ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽናን፥ ንናይ ቤተ መቕደስን ሕነ፥ ኣብ ፅዮን ክነግሩ ሃዲሞም ካብ ሃገር ባቢሎን ዘምለጡ፥ ድምፂ ሰባት ተሰሚዑ እዩ።
29
“ንወርወርቲ ቐስቲ፥ ንዅላቶም ቀስቲ ዝግትሩ፥ ንባቢሎን ክወግእዋ ኣኽትትዎም። ሓደ እኳ ኸየምልጥ ኣብ ከባቢኣ ስፈሩ፤ ከም ግብራውን ፍደይዋ። ንእግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ተዓብያ እያ እሞ፥ ከምቲ ዅሉ ዝገበረቶ ፍደይዋ። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዝገበረቶውን ፍደይዋ።
30
ስለዙይ እቶም ኣጓብዛ ኣብ ኣደባባያታ ኽወድቁ እዮም፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ኵሎም እቶም ናታ ተዋጋእቲ ኽጠፍኡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
31
“ኣቲ ትዕቢተኛ ባቢሎን፥ እታ ንኣኺ ዝቐፅዐላ ጊዜ መፂኣ እያ እሞ፥ እንሆ ኣብ ልዕሌኺ ተሲአ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
32
እቲ ትዕቢተኛ ኽዕንቀፍን ክወድቕን እዩ፤ ዘተስኦ ድማ የብሉን፤ ኣብ ውሽጢ ኸተማታቱ ኸዓ ሓዊ ኸባርዕ እየ፤ ኵሉ ኸባቢኡውን ክቃፀል እዩ።”
33
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ብሓባር ተገፊዖም እዮም፤ እቶም ዝማረኽዎም ከዓ ብፅኑዕ ሓዝዎም፤ ከይሰድዎም ድማ ኣበዩ።
34
ተቤዛዊኦም ግና ብርቱዕ እዩ፤ ስሙ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። ንምድሮም ዕረፍቲ ንምሃብ ተጊሁ ኽማጐተሎም፥ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ግና ዕረፍቲ ክኸልኦም እዩ።”
35
“ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያንን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩን፥ ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቓን ጥበበኛታታን ኣሎ” ይብል እግዚኣብሄር።
36
ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓያሹ ዝኾኑ ሓሰውቲ ነቢያታ ኣሎ፤ ንሳቶምውን ክዕሸዉ እዮም፤ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ጀጋኑኣ ኣሎ፤ ንሳቶም ከዓ ኽድንግፁ እዮም።
37
ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሰረገላታታን፥ ኣብ ማእኸላ ኣብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ህዝብን ኣሎ፤ ንሳቶምውን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤ ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሃብታን ንብረታን ኣሎ፤ ንወራር እውን ክኾኑ እዮም።
38
ንሳ ናይ ዝተቐረፁ ምስልታት ምድሪ እያ፤ ንሳቶም ብጣዖታት ስለ ዝምክሑ፥ ኣብ ልዕሊ ማያታ ድርቂ ክኸውን እዩ፤ ንሳቶምውን ክደርቁ እዮም።
39
“ስለዙይ ባቢሎን ኣራዊት በረኻ ምስ ወኻሩ ኽነብሩላ እዮም፤ ሰገናትውን ኣብኣ ኽሰፍራ እየን። ደጊም ንሓዋሩ ኣብኣ ዝነብር ሰብ የለን፤ ንውሉድ ወለዶውን ኣብኣ ዝነብር የለን።
40
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሰዶምን ንገሞራን ኣብ ጥቓአን ንዝነበረ ኸተማታትን ዝገልበጠ፥ ኣብ ባቢሎን ሰብ ኣይነብርን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
41
“እንሆ፥ ካብ ሃገር ሰሜን ህዝቢ ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ፥ ዓብዪ ህዝብን ብዙሓት ነገስታትን ንውግእ ይለዓሉ ኣለዉ።
42
ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ ጨካናትን፥ ምሕረት ዘይብሎምን እዮም። በፍራሶም እናጋለቡ እንትመፁ፥ ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣቲ ጓል ባቢሎን፥ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ተዋጋእቲ፥ ተሰሊፎም ይመፁኺ ኣለዉ።
43
ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኣቶም ወረ ሰሚዑ፥ ኣእዳዉ ለሚሰን ኣለዋ፤ ከም እትወልድ ሰበይቲውን፥ ጭንቀትን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ።
44
“እንሆ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ናብቲ ፅኑዕ እምባ ኸም ኣንበሳ ይድይብ ኣሎ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ኻብኣ ኽሰጎም እየ። ነቲ ዝሓረኽዎ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ክሸሞ እየ። ዝመዓራረየኒ መን እዩ? ቘፀራ ዝገብረለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ክቐውም ዝኽእል ጓሳኸ መን እዩ?
45
ስለዙይ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ዝመደበላ ምኽርን፥ ንሃገር ከለዳውያን ዝሓሰበላ ሓሳብን፥ እንታይ ከም ዝኾነ ስምዑ፤ ኣናእሽተይ መጓሰኦም እንተይተረፉ ተጐቲቶም ክውሰዱ እዮም፤ ንመውፈሪኦም ፈፂሙ ኸጥፍኦ እዩ።
46
ባቢሎን ክትወድቕ እንተላ ምድሪ ኽተንቀጥቅጥ እያ፤ ኣውያታውን ኣብ ማእኸል ህዝብታት ክጋዋሕ እዩ።”
← Chapter 49
Chapter 51 →