bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 47
Jeremiah 47
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ፈርዖን ንጋዛ እንተይወግኣ እንተሎ፥ ብዛዕባ ፍልስጥኤማውያን፥ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
2
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ማያት ካብ ሰሜን ይለዓል ኣሎ፤ ዘዕለቕልቕ ፈሳሲ ክኸውን እዩ፤ ኣብታ ሃገርን ኣብኣ ኣብ ዘሎ ዅሉን፥ ኣብተን ከተማታትን፥ ኣብኣተን ኣብ ዝነብሩ ህዝብን ከዕለቕልቕ እዩ፤ እቲ ህዝቢ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኸእዊ እዩ፤ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅላቶምውን ከእውዩ እዮም።
3
ካብ ድምፂ ሸዀና ኣፍራስን፥ ደርጓዕጓዕ ካብ ዝብሉ ሰረገላታትን፥ ሓርገምገም ካብ ዝብሉ ጋሪታትን ዝተልዓለ፥ ኣቦታት ንደቆም ክሪኡ፥ ንድሕሪት ኣይምለሱን እዮም፤ ኣእዳዎም ደኺመን ወለል ክብላኦም እየን።
4
እዙይ ዝኸውን፥ ንዅሎም ፍልስጥኤማውያን ንምጥፋእ፥ ንተረፍ ሓገዝቶም፥ ካብ ጢሮስን ሲዶናን ንምቝራፅ፥ መዓልቱ በፂሑ እዩሞ፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ካብ ገማግም ከፍቶር ዝመፁ፥ ተረፍ ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦም እዩ።
5
በራሕነት ኣብ ልዕሊ ጋዛ መፀ፤ ኣስቀሎና ጠፍአት፤ ኣቱም ተረፍ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሰብነትኩም እትፅሕብሩ?
6
“ኣየ፥ ኣታ ሰይፊ እግዚኣብሄር፥ መኣዝ ኮን ክትዓርፍ ኢኻ? ናብ ሰገባኻ ተመለስ፤ ዕረፍ ህዳእ።
7
ግና እግዚኣብሄር ንኣስቀሎናን፥ ነቲ ወሰን ባሕርን ክወግእ እንትእዝዞ፥ ንኽፍፅሞውን ኣብኡ ኣዳልይዎ እዩሞ፥ ከመይ ኢልካ ስቕ ትብል?”
← Chapter 46
Chapter 48 →