bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 46
Jeremiah 46
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዛዕባ ኣህዛብ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ።
2
ብመጀመርታ ብዛዕባ ግብፂ፤ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ብዛዕባ እቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዓሮ፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣብ ከርከሚሽ ዝነበረ ሰራዊት ፈርዖን፥ ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ዝተነግረ መልእኽቲ እዙይ እዩ፦
3
ዋልታን ኲናትን ኣዳልዉ፤ ንውግእ ኸዓ ተሰለፉ፤
4
ኣቱም ፈረሰኛታት ኣብ ልዕሊኣቶም ተቐመጡ፤ ቍራዕ ርእሲ ኣብ ርእስኹም ደፊእኹም ቁሙ፤ ኲናውትኹም ወልውሉ፤ ድርዒ እውን ልበሱ።
5
ስለ ምንታይ ደኣ ደንጊፆም፥ ንድሕሪት ዝምለሱ ዝርኢ ዘለኹ? ብርቱዓት ተዋጋእቶም ተስዒሮም፤ ንድሕሪት ግልፅ እንተይበሉ ይሃድሙ ኣለዉ፤ ብዅሉ ወገን ራዕዲ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
6
እቲ ቕልጡፍ ኣየምልጥን፤ እቲ ሓያልውን ኣይድሕንን፤ ኣብ ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ሰንከልከል በሉ፤ ወደቑውን።
7
እዝ ከም ምልኣት ሩባ ኣባይ ዝዘልል፥ ከም ጋሻ ውሕጅ ዝፈስስ መን እዩ?
8
ግብፂ ኸም ምልኣት ኣባይ ይዘልል፤ እቲ ማይውን ከም ጋሻ ውሕጅ ይውርወር፤ ንዅላ ምድሪ እውን ክኸድና እየ፤ ንኸተማታታን ንነበርታን፥ ከጥፍኦም እየ፤ ይብል ኣሎ።
9
ኣቱም ኣፍራስ ውፁ፤ ኣቱም ሰረገላታት ብረሩ፤ እቶም ጀጋኑ ዋልታ ዝሕዙ፥ ኢትዮጵያውያንን፥ ሰብ ፉጥን፥ ቀስቲ ዝሕዙን ዝግትሩን ሉዳውያን ይውፅኡ።
10
እታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነቶም ተፃረርቱ ሕነ ምእንቲ ኽፈድዮም፥ መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ እያ፤ ሰይፊ ኸዓ ኽሳዕ ዝፀግብ ክበልዕ፥ ብደሞምውን ክሰክር እዩ፤ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ሰሜን፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ እዩሞ።
11
ኣቲ ድንግል ጓል ግብፂ፥ ናብ ገለዓድ ኪዲ፤ ዝቕባእ መድሓኒታትውን ኣምፅኢ፤ ግና መድሓኒታት እተብዝሒ ብኸንቱ እዩ፤ ኣየሕውየክን እዩ።
12
ኣህዛብ፥ ነውርኺ ሰምዑ፤ ኣውያትኪ እውን ንምድሪ መልኦ። ሓያል ብሓያል ተሰናኺሉ፤ ክልቲኦም ድማ ሓቢሮም ይወድቁ።
13
ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንግብፂ ኽወቕዓ ኸም ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ንነቢይ ኤርሚያስ ዝተናገሮ ቓል እዙይ እዩ፤
14
ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ሰይፊ ኽበልዖም እዩሞ፥ ኣብ ግብፂ ተናገሩ፤ ኣብ ሚግዶልውን ኣስምዑ፤ ኣብ ሜምፎስን ጣፍናስን ነዙይ ኣውጁ፤ ኣብ ቦታኻትኩም ቁሙ፤ ተዳለዉውን።
15
ጀጋኑኻ ንምንታይ ወደቑ? እግዚኣብሄር ስለ ዝደፍኦም፥ ክቖሙ ኣይከኣሉን።
16
ንሱ ንብዙሓት ኣሰነኻኸሎም፤ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ድማ ወደቐ፤ ተስኡ! ኻብ ገፅ እቲ ዘጨንቕ ሰይፊ ፀላኢ ንህደም፤ ናብ ህዝብናን ናብታ ዝተወለድናላ ሃገርናን ንመለስ ተበሃሃሉ።
17
ኣብኡ ድማ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ጊዜኡ ዘሕለፈ ተዛሃሪ ኢሎም ፀውዕዎ።
18
ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ ንጉስ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣነ ህያው እየ! ኣብ ማእኸል እምባታት ከም ዘሎ ኸም ታቦር፥ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸም ዘሎ ኸም ቀርሜሎስ፥ ከምኡ ኽመፅእ እዩ ይብል፥ ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር።
19
ሜምፎስ ሓደ እኳ ዘይነብረላ፥ ምድረ በዳ ኽትከውን እያ እሞ፥ ኦ ኣቲ ኣብ ግብፂ እትነብሪ ጓል፥ ተማሪኽኪ ክትከዲ ኢኺሞ ኣሕሉቕኪ ኣዳልዊ።
20
ግብፂ፥ ምልክዕቲ ዓርሒ እያ፤ ግና ጥፍኣት ይመፅእ፤ ካብ ወገን ሰሜን ክመፃ እዩ።
21
እቶም ኣብኣ ተቘፂሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት፥ ከም ስቡሓት ዝራብዓት እዮም። መዓልቲ ቕፅዓቶምን ጊዜ ጥፍኣቶምን ስለ ዝበፅሐ፥ ኵላቶም ንድሕሪት ግልብጥ ኢሎም ሃደሙ፤ ኣብ ቦታኦም ፀኒዖም ክምክቱ ኣይኽእሉን።
22
ሓይሊ ፀላኢ ደፊኡ ምስ መፀ፥ ግብፂ ኸም ተመን እናፋፀየት ትሃድም፤ እቶም ፀላእታ ኸዓ ኦም ከም ዝቘርፁ ሰባት፥ ምሳር ሒዞም ክመፅዋ እዮም፤
23
ነቲ ዘይሕለፍ ዱራውን ይቘርፅዎ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንሳቶም ክቝፀሩ ዘይከኣሉ፥ ካብ ኣንበጣ ዝበዝሑ እዮም።
24
ጓል ግብፂ ነወረት፤ ንህዝቢ ሰሜንውን ሓሊፋ ተውሃበት።
25
ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ፥ ንኣሞን ኣምላኽ ቴብስ፥ ንግብፂ ኸዓ ንኣማልኽታን ንነገስታታን፥ ከምኡውን ነቶም ብፈርዖን ንጉስ ግብፂ ዝእመኑን ክቐፅዖም እየ።
26
ኣብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩ፥ እወ፥ ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ኣብ ኢድ ሰራዊቱን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ግና ግብፂ ሰብ ዝነብረላ ሃገር ክትከውን እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
27
“እምበኣርከስ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ህዝቢ እስራኤልውን፥ ኣይትሸበር፤ እንሆ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ካብታ ዘርእኻ ዝተማረኸላ ሃገር ከድሕነኩም እየ። ያእቆብውን ተመሊሱ ብሰላምን ብርግዓትን ክቕመጥ እዩ፤ ዝኾነ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።
28
ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣነ ምሳኻ እየሞ ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንዅሎም እቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ኣህዛብ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየሞ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን፤ ግቡእ ቅፅዓት እቐፅዐካ እምበር፥ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን እየ።”
← Chapter 45
Chapter 47 →