bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 45
Jeremiah 45
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ንሱውን ነዘን ቃላት እዚኣተን፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ክፅሕፈን እንተሎ፥ ነቢይ ኤርሚያስ ንባሮክ ወዲ ኔሪ ዝነገሮ ቓል እዙይ እዩ።
2
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ባሮክ!
3
ንስኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ሕማመይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩሞ ወይለይ! ካብዙይ ዝተልዓለ ደኺመ ኣለኹ፤ ዕረፍቲውን የብለይን’ ኢልካ ኢኻ።
4
“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ነቲ ዝሰራሕኽዎ ኣፍርሶ፤ ነቲ ዝተኸልክዎ ኸዓ እብቍሶ ኣለኹ። ነዙይ ከዓ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኽገብሮ እየ።
5
እሞኸ ንስኻ ንርእስኻዶ ዓብዪ ነገር ትደሊ ኣለኻ? እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ መዓት ከውርድ እየሞ፥ ኣይትድለዮ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ግና ኣብ ኵሉ እትኸዶ፥ ንነፍስኻ ኸም ምርኮ ገይረ ኽህበካ እየ።”
← Chapter 44
Chapter 46 →