bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 44
Jeremiah 44
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነበሩ፥ ብዛዕባ እቶም ኣብ ከተማታት ሚግዶል፥ ጣፍናስ፥ ሜምፎስ፥ ጳትሮስ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦
2
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኵሉ እቲ ኣነ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳን ዘምፃእኽዎ ኽፉእ ነገር ርኢኹምዎ ኣለኹም። እንሆ ኸዓ፥ ክሳዕ ሎሚ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዝነብረለን ዘየለ ኾይነን ኣለዋ።
3
እዙይ ዝኾነ ኸዓ ምእንቲ ኸቘጥዑኒ ብሰንኪ እቲ፥ ንሳቶም ኮነ ንስኻትኩም ወይ ኣቦታትኩም ዘየምለኽዎም፥ ንዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸገልግሉን ዕጣን ክዓጥኑን ኢሎም ዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣቶም እዩ።
4
ኣነስ ኣንጊሀ ተልዒለ ንዅላቶም ባሮተይ ነቢያት ሰደድኩልኩም፤ ከምቲ ኣነ ዝፀልኦ ርኹስ ነገር ኣይትግበሩ በልኩኹም።
5
ንሳቶም ግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምዕጣን ኣይሓደጉን፥ ካብ ክፍኣቶምውን ኣይተመለሱን፥ ኣይተኣዘዙንውን፤ ኣእዛኖም ከዓ ፅን ኣየበሉን።
6
ስለዙይ ድማ ቝጥዓይን መዓተይን ፈሰሰ፤ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ድማ ነደደ። ንሳተን ድማ፥ ከምዝ ሎሚ ኾይነናኦ ዘለዋ ፈረሳ፤ ዑናውን ኮና።
7
“ሕዚ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብታ ኽትነብሩላ ኢልኩም ዝመፃእኹምዋ ሃገር ግብፂ፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ብምዕጣንኩም፥ ብግብሪ ኣእዳውኩም ስለ ምንታይ ተቘጥዑኒ ኣለኹም? ሰብኣይን ሰበይትን ቈልዓን ህፃንን ሓደ እኳ እንተይተረፈ ኻብ ማእኸል ይሁዳ ኽተፅንቱ፥ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ድማ መራገምን መፃረፍን ኴንኩም ክትተርፉ ኢኹም፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ርእስኹም ክንድዙይ ዝኣክል ዓብዪ ኽፍኣት እትፍፅሙ?
9
ነቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርዎ፥ ክፍኣት ኣቦታትኩምን ክፍኣት ነገስታት ይሁዳን ክፍኣት ኣንስቶምን ኽፍኣትኩምን ክፍኣት ኣንስትኹምንዶ ረሲዕኹምዎ ኢኹም?
10
ግና ኽሳዕ ሎሚ ኣይተዋረዱን፤ ኣይፈርሑንውን፤ በቲ ኣብ ቅድሜኹምን ኣብ ቅድሚ ኣቦታትኩምን ዘንበርክዎ ሕገይን ስርዓተይን ድማ ኣይከዱን።
11
“ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ንመዓትን ንዅሉ ይሁዳ ንምጥፋእን፥ ገፀይ ኣብ ልዕሌኹም ክገብር እየ።
12
እቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ክቕመጡ ኢሎም፥ ናብኣ ዝኸዱ ተረፍ ይሁዳ ዅሎም ክጠፍኡ እዮም፤ ኣብ ሃገር ግብፂ ኽወድቁ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ክጠፍኡ እዮም፤ ካብ ንኡስ ክሳዕ ዓብዪ ብሰይፊ ወይ ብጥሜት ክጠፍኡ እዮም። ንመሰክሕን ንመገረምን ንመራገምን ንመፃረፍን ከዓ ክኾኑ እዮም።
13
ከምቲ ንኢየሩሳሌም ብውግእን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ዝቐፃዕኽዋ፥ ከምኡ ድማ ነቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ተቐሚጦም ዘለዉ ኽቐፅዖም እየ።
14
ኣብኡ ንምንባር ናብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝኸዱ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ተመሊሶም ኣብኣ ንኽቕመጡ ኻብ ዝደልዩ፥ ካብ ወገን ተረፍ ይሁዳ ዘምልጥን ዝተርፍን ናብኣውን ዝምለስ የለን። እንትርፊ እቶም ዝሃድሙ፥ ሓደ እኳ ኣይምለስን።”
15
ሽዑ ዅሎም እቶም ኣንስቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዝዓጥና ዝፈለጡ ሰብኡትን፥ ኵለን እተን ኣብኣ ቖይመን ዝነበራ ብዙሓት ኣንስትን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ጳጥሮስ ዝቕመጡ ህዝብን፥ ዓብዪ ጉባኤ ኾይኖም ንኤርሚያስ ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦
16
“ነቲ ብስም እግዚኣብሄር ዝተዛረብካና ቓል ኣይንሰምዐካን ኢና።
17
ግና ኸምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን ኣሕሉቕናን፥ ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርናዮ፥ ንሕናውን ንግስቲ ሰማይ ንእትብሃል ክንዓጥን፥ መስዋእቲ መስተ ድማ ንኣኣ ኽነቕርብ ኢና። ሽዑ እንጀራ ንፀግብ፥ ብደሓን ንነብር፥ መዓትውን ኣይንርእን ነበርና። ኩሉ እዝ ዝተዛረብናዮ ቓል ብርግፅ ክንፍፅም ኢና።
18
ግና ንንግስቲ ሰማይ ምዕጣንን መስዋእቲ መስተ፥ ንኣኣ ምፍሳስን ምስ ሓደግና፥ ኵሉ ነገር ሰኣንና፤ ብሰይፍን ብጥሜትን ድማ ተወዳእና።”
19
እተን ኣንስቲ ኸዓ ወሲኸን “ንንግስቲ ሰማይ ክንዓጥን እንተለና፥ መስዋእቲ መስተውን ኽነፍስሰላ እንተለና፥ ነቲ ኸም ምስላ ጌርና ዝሰንከትናላ እንጀራን፥ መስዋእቲ መስተን ክነቕርበላ እንተለና፥ ሰብኡትና እንተይፈለጡዶ ኢና ዝገበርናዮ” በላ።
20
ሽዑ ኤርሚያስ ንዅሎም ነቶም ከምዙይ ኢሎም ዝመለሱሉ ህዝብን፥ ሰብኡትን ኣንስትን ከምዙይ፥ ኢሉ ተዛረቦም፦
21
“ነቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ነገስታትኩምን ኣሕሉቕኩምን ህዝቢ እታ ሃገርን፥ ኣብ ከተማታት ይሁዳን፥ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝዓጠንኩምዎ ዕጣን፥ እግዚኣብሄር ዝዘከሮ ኣብ ልቡውን ዘንበሮዶ ኣይኮነን?
22
እግዚኣብሄር ከዓ ብሰንኪ እቲ ኽፍኣት ግብርኹምን ብሰንኪ እቲ ዝገበርኩምዎ ርኽሰትን ክዕገስ ኣይከኣለን። ስለዙይ ሃገርኩም ከምዝ ሎሚ ኾይናቶ ዘላ፥ ሓደ እኳ ዝነብረላ ዘይብላ ባዲማ መሰክሕን መራገምን ኮነት።
23
ንጣዖት ዕጣን ስለ ዝዓጠንኩምን፥ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕኹምን፥ ከም ሕጉን ከም ስርዓቱን ከም ምስክሩን ስለ ዘይተመላለስኩምን፥ ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ እዝ ክፉእ ነገር ወረደኩም።”
24
ኤርሚያስ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝብን፥ ንዅለን ኣንስትን፥ ኣብ ሃገር ግብፂ እትነብሩ ዅልኻትኩም ህዝቢ ይሁዳን ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦
25
“ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንስኻትኩምን ኣንስትኹምን ንንግስቲ ሰማይ ክንዓጥን፥ መስዋእቲ መስተ ኽነፍስሰላ፥ ዝተመባፃዕናዮ መብፅዓና ብርግፅ ክንፍፅሞ ኢና’ ኢልኩም ብኣፍኩም ተዛረብኩም፤ በእዳውኩም ከዓ ፈፂምኩምዎ ኢኹም፤ ሕራይ፥ መብፅዓኹም ግበሩ፤ መብፅዓኹም ፈፅሙ።
26
ኵልኻትኩም ኣቱም ኣብ ሃገር ግብፂ ተቐሚጥኩም ዘለኹም ሰብ ይሁዳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ እንሆ፥ ኣብ ኵላ ሃገር ግብፂ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህያው እዩ!’ ኢሉ ሓደ ኣይሁዳዊ እኳ ስመይ ድሕሪዙይ ከይሰሚ፥ በቲ ዓብዪ ስመይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
27
እንሆ፥ ኣነ ንድሕነት ዘይኮነ ንኽፍኣት እተግሀሎም ኣለኹ። ኵላቶም ኣብ ሃገር ግብፂ ዝነብሩ ሰብ ይሁዳ ኽሳዕ ዝሃልቁ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ፈፂሞም ክውድኡ እዮም።
28
ውሑዳት ሰባት ግና ኻብ ሰይፊ ኣምሊጦም፥ ካብ ሃገር ግብፂ ናብ ሃገር ይሁዳ ኽምለሱ እዮም። ሽዑ ዅሎም እቶም ኣብኣ ኽቕመጡ፥ ናብ ሃገር ግብፂ ዝመፁ ተረፍ ይሁዳ፥ ቃለይ ወይ ቃሎም ኣየናይ ከም ዝፀንዕ ክፈልጡ እዮም።
29
እቲ ኣብ ልዕሌኹም ከምፅኦ እየ ዝበልኩኹም መዓት፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እንተለኹም ክቐፅዐኩም እየ። እዙይ ከዓ ምልክት ክኾነልኩም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
30
እንሆ፥ ከምቲ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ኢድ ፀላኢኡን፥ ንነፍሱ ዝደሊ ዝነበረን ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ዝሃብክዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንፈርዖን ሆፍራ ንጉስ ግብፂ ኣብ ኢድ ፀላእቱን፥ ኣብ ኢድ እቶም ንነፍሱ ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ።”
← Chapter 43
Chapter 45 →