bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 39
Jeremiah 39
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢየሩሳሌም ምስ ተትሓዘት፥ ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ብታሽዓይ ዓመት ብዓስራይ ወርሒ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኵሎም ሰራዊቱን መፂኦም ንኢየሩሳሌም ከበብዋ።
2
ሴዴቅያስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ፥ ኣብ ራብዓይ ወርሒ፥ ኣብ ታሽዓይ መዓልቲ እታ ኸተማ ተኸፍተት።
3
ሽዑ ዅሎም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ናብኣ ኣተዉ፤ ኤርጌል ሳራስር፥ ሳምጋርናቦ፥ ራፌስ እቲ ሓለቓ ስሉባት፥ ኤርጌል ሳራስር፥ ራብማግ ምስ ኵሎም እቶም ካልኦት ኣሕሉቕ፥ ኣትዮም ኣብታ ማእኸለይቲ በሪ ተቐመጡ።
4
ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ሓሻኽሩን እዙይ ምስ ረአዩ፥ ብለይቲ ኻብታ ኸተማ ብመንገዲ ኣታኽልቲ ንጉስ፥ በታ ኣብ መንጎ ኽልተ ቕፅሪ ዘላ በሪ ወፂኦም ሃደሙ። ብመንገዲ ናብቲ ኣረባ ኣቢሎም እውን ኣምርሑ።
5
ሰራዊት ባቢሎናውያን ግና እናጐየዩ ሰዓብዎም፤ ንሴዴቅያስ ከዓ ኣብ በረኻ ኢያሪኮ ኣርከብዎ። ሒዞም ድማ ናብቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዘለዎ ኣብ ሃገር ሓማት ናብ እትርከብ ሪብላ ኣምፅእዎ። ናቡከደነፆርውን ኣብኡ ፈረዶ።
6
ሽዑ ንጉስ ባቢሎን ንደቂ ሴዴቅያስ ኣብ ሪብላ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረዶም፤ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳ እውን ኣብኡ ኣቕተሎም።
7
ንሴዴቅያስውን ነዒንቱ ኣውፅአን፤ ናብ ባቢሎን ክወስዶ ድማ፥ ብመቝሕ ነሃስ ኣሰሮ።
8
እቶም ዝተረፉ ባቢሎናውያን ከዓ፥ ንቤት ንጉስን ንኣባይቲ ህዝብን ብሓዊ ኣባርዕወን፤ ንቕፅርታት ኢየሩሳሌምውን ኣፍረስወን።
9
ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን ከዓ፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረፉ ህዝብን፥ ነቶም ቅድም ናብኡ ኸይዶም ዝነበሩ ህዝብን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።
10
ነቶም ሓንቲ እኳ ዘይብሎም ድኻታት ህዝቢ ግና፥ ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን፥ ኣብ ሃገር ይሁዳ ኽቕመጡ ሓደጎም፤ ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ገራሁን ከዓ ሃቦም።
11
ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር ድማ ንናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት “ንኤርሚያስ፥ ውሰዶ እሞ ብፅቡቕ ዓይኒ ረአዮ፤ ከምቲ ዝብለካ ደኣ ግበረሉ እምበር፥ ዝኾነ ጕድኣት ኣይተብፅሐሉ” ዝብል ትእዛዝ ለኣኸሉ።
13
ሽዑ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊትን፥ ናቡሽዝባን ሓለቓ ስሉባትን ኤርጌል ሳራስርን፥ ንኻልኦት ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎንን ልኢኾም፥
14
ንኤርሚያስ ካብ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎ። ናብ ቤቱ ኽወስዶ ኸዓ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ብሓደራ ሃብዎ። ኤርሚያስ ድማ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ተቐመጠ።
15
ኤርሚያስ ኣብቲ መካበቢያ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ እንተሎ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መፀ፦
16
“ኬድካ ነቲ ኢትዮጵያዊ ንኣቢሜሌክ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ‘እንሆ፥ ነቲ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንድሕነት ዘይኮነስ ንኽፉእ ኸውርዶ እየ፤ ኢለ ተዛሪበሉ ዝነበርኩ መዓት ከውርዶ እየ። እዙይ ከዓ እንትፍፀም ንስኻ ብዓይንኻ ኽትሪኦ ኢኻ።
17
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻ ድማ ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሖም ዘለኻ ሰባት ኣይትወድቕን ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
18
ኣባይ ስለ ዝተኣመንካ፥ ኣነ ብርግፅ ከድሕነካ እየ። ንህይወትካ ኽተድሕና ኢኻ እምበር ብሰይፊ ውግእ ኣይትወድቕን ኢኻ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
← Chapter 38
Chapter 40 →