bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 40
Jeremiah 40
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን ንኤርሚያስ ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን፥ ናብ ባቢሎን ናብ ዝተወሰዱ ማእኸል ኵሎም ምሩኻት፥ ብሰንሰለት ኣሲሩ ምስ ኣምፅኦ፥ ካብ ራማውን ፈቲሑ ምስ ሰደዶ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ።
2
እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንኤርሚያስ ወሰዶ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ኣብዝ ስፍራ ተናገረ።
3
እንሆ ድማ ኣምፅኦ፤ ሕዚ እውን ከምቲ ዝተዛረቦ ገበረ፤ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን፥ ቃሉውን ስለ ዘይሰማዕኹምን፥ እዝ ነገር እዙይ በፅሐኩም።
4
ሕዚ ኸዓ እንሆ፥ ሎሚ ነቲ ኣብ ኣእዳውካ ዘሎ ሰንሰለት ፈታሕኹ። ናብ ባቢሎን ምሳይ ክትከይድ ድሌትካ እንተ ኾይኑ ነዓናይ፥ ኣነውን ብፅቡቕ ዓይኒ ኽሪአካ እየ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ እንተ ዘይደሊኻ ግና፥ ተቐመጥ፤ እንሆ፥ ኵላ እዛ ሃገር ኣብ ቅድሜኻ እያ፤ ናብቲ ኽትከዶ ፅቡቕን ቅኑዕን ኮይኑ ዝተርኣየካ ኺድ” በሎ።
5
ኤርሚያስ ገና መልሲ እንተይሃበ ናቡዘረዳን ቀፂሉ፦ “ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ኸተማታት ይሁዳ ዝሸሞ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ተመለስ፤ ምስኡውን ኣብ ማእኸል ህዝቢ ተቐመጥ፤ ወይ ከዓ ናብቲ ቕኑዕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ኺድ” በሎ። እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከዓ ስንቅን ውህብቶን ሂቡ ኣፋነዎ።
6
ሽዑ ኤርሚያስ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ናብ ምፅጳ ኸደ እሞ፥ ምስኡ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ህዝቢ ተቐመጠ።
7
ኵሎም እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዝነበሩ፥ ኢዶም ዘይሃቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ኵሎም ሰቦም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከም ዝሸሞ እሞ፥ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፥ ነቶም ናብ ባቢሎን እንተይተማረኹ ተሪፎም ዝነበሩ ድኻታት እታ ሃገርን፥ ከም ዘማዕቘቦም ምስ ሰምዑ፥
8
እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ዮሃናንን ዮናታንን ደቂ ቃሬያ፥ ሰራያ ወዲ ተንሁሜት፥ ደቂ ዮፌ እቲ ነጦፋዊ፥ ያእዛንያ ወዲ ማእካታዊ ምስ ኵሎም ሰቦም ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ።
9
ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን፥ ንኣኣቶምን ንሰቦምን ከምዙይ ኢሉ መሓለሎም “ንባቢሎናውያን እንተይፈራሕኹም ተገዝእዎም። ንንጉስ ባቢሎን ተገዝኡ፤ ኣብዛ ሃገር ከዓ ተቐመጡ እሞ ሰናይ ክኾነልኩም እዩ።
10
እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዝመፁ ባቢሎናውያን፥ ክቖመልኩም ኣብ ምፅጳ ኽቕመጥ እየ፤ ንስኻትኩም ግና ዘለላ ወይንን ዘይቲ ኣውሊዕን ፍረ ሓጋይን ኣክቡ፤ ኣብ ማዕኸናትኩም ከዓ ኣንብሩ እሞ፥ ኣብተን ዝሓዝኩምወን ከተማታትኩም ተቐመጡ” ድማ በሎም።
11
ኵሎም እቶም ኣብ ሞኣብን ኣብ ማእኸል ደቂ ኣሞንን ኣብ ኤዶምያስን ኣብ ኵሉ ሃገራትን ዝነበሩ ኣይሁድ ከዓ፥ እቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ይሁዳ ተረፍ ከም ዝሓደገ፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ድማ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ኸም ዝሸመሎም ምስ ሰምዑ፥
12
ሽዑ ዅሎም ኣይሁድ ከካብቲ ዝተሰደዱሉ ተሰጒጎምዎ ዝነበሩ ዅሉ ቦታ ተመለሱ እሞ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ጎዶልያስ ናብ ዘለዎ ናብ ምፅጳ መፁ፤ የመና ብዙሕ ፍረ ሓጋይ ድማ ኣከቡ።
13
ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ እሞ፥
14
“በዓሊስ ንጉስ ደቂ ኣሞን ንእስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ክቐትለካ ኢሉ ኸም ዝሰደዶ ትፈልጥ ዲኻ?” በልዎ። ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ግና ኣይኣመኖምን።
15
ዮሃናን ወዲ ቃሬያ ንጎዶልያስ ኣብ ምፅጳ “እቶም ኣባኻ ዝተኣከቡ ኣይሁድ ፋሕ ክብሉ፥ እቶም ተረፍ ይሁዳ ድማ ኽጠፍኡስ፥ ስለ ምንታይ እስማኤል ወዲ ናታንያ ንኣኻ ዝቐትለካ? ሓደ እኳ እንተይፈለጠ ኸይደ ኽቐትሎ ፍቐደለይ” ኢሉ ብሕቡእ ተዛረቦ።
16
ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ግና ንዮሃናን ወዲ ቃሬያ “ንስኻ ኣብ ልዕሊ እስማኤል ትሕሱ ኢኻ ዘለኻ እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ ኣይትግበር” በሎ።
← Chapter 39
Chapter 41 →