bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 38
Jeremiah 38
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሰፋጥያስ ወዲ ማታንን፥ ጎዶልያስ ወዲ ጳስኮርን፥ ዩካል ወዲ ሰሌምያን፥ ጳስኮር ወዲ መልክያን፥ ነቲ ኤርሚያስ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ” ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ዝተዛረቦ ቓል ሰምዕዎ።
2
“ኵሉ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተርፍ፥ ብውግእን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ፤ ንባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ ግና ኣይመውትን እዩ። ነፍሱ ኣትሪፉ ብህይወት ክነብር እዩ።
3
እዛ ኸተማ እዚኣ ብርግፅ ናብ ኢድ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
4
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ንንጉስ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ጕድኣት ህዝቢ እምበር፥ ድሕነቱ ዘይደሊ ስለ ዝኾነ፥ ከምዙይ ዘመሰለ ቓል እናተዛረበ፥ ነቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፎም ዘለዉ ተዋጋእትን፥ ንዅሉ ህዝብን ተስፋ የቝርፆም ኣሎ እሞ፥ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣቕትሎ” በልዎ።
5
ንጉስ ሴዴቅያስ ከዓ “ንሱ ኣብ ኢድኩም እዩ፤ ንጉስ ኣይቃወመኩምን” በለ።
6
ሽዑ ንኤርሚያስ ወሲዶም፥ ናብታ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ጕድጓድ ማይ ናይ መልክያ ወዲ እቲ ንጉስ ደርበይዎ፤ ብገመድ ኣሲሮምውን ናብኡ ኣውረድዎ። ኣብቲ ጕድጓድውን ጭቃ እምበር፥ ማይ ኣይነበረን እሞ ኣብቲ ጭቃ ተረግረገ።
7
እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ፥ ንኤርሚያስ ናብ ጕድጓድ ከም ዘእተውዎ ሰምዐ፤ ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ በሪ ብንያም ተቐሚጡ እንተሎ፥
8
ኣቢሜሌክ ካብ ቤተ መንግስቲ ወፂኡ፥ ንንጉስ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንነቢይ ኤርሚያስ ኣብ ጕድጓድ ብምድርባዮም ክፉእ ገይሮም ኣለዉ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እንጀራ ስለ ዘየለ፥ ንሱ ኣብታ ዘለዋ ብጥሜት ክመውት እዩ” ኢሉ ነገሮ።
10
እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ “ካብዙይ ሰላሳ ሰብኡት ተማላእ እሞ ንነቢይ ኤርሚያስ ከይሞተ እንተሎ ኻብታ ጕድጓድ ኣውፅኣዮ” ኢሉ ኣዘዞ።
11
ኣቢሜሌክ ከዓ ነቶም ሰብኡት ተማሊኡ፥ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ቤተ መዝገብ ኣትዩ፥ ካብኡ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ወሰደ እሞ ብገመድ ገይሩ ናብ ኤርሚያስ ናብታ ጕድጓድ ኣውረዶ።
12
እቲ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ ድማ ንኤርሚያስ “እዝ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ኣብ ትሕቲ መንኰርኳዕትኻ ኣብ ትሕቲ እቲ ገመድ ግበሮ” በሎ። ኤርሚያስ ከዓ ኸምኡ ገበረ።
13
ንሳቶም ድማ ንኤርሚያስ ብገመድ ስሒቦም ካብቲ ጕድጓድ ኣውፅእዎ። ኤርሚያስ ከዓ ኣብቲ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።
14
ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ ናብ ኤርሚያስ ልኢኹ፥ ናብታ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘላ ሳልሰይቲ ኣፍ ደገ ኣምፅኦ። “ሓንቲ ነገር ዝጥይቐካ ኣላትኒ እሞ፥ ሓንቲ እኳ ኣይትሕብአለይ” በሎ።
15
ኤርሚያስ ድማ ንሴዴቅያስ “እንተ ነገርኩኻ ብርግፅ ኣይትቐትለንንዶ? እንተ መኸርኩኻ ኸዓ ኣይትሰምዐንን ኢኻ” በሎ።
16
ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ “ከም ዘይቀትለካን፥ ናብቶም ንነፍስኻ ዝደልዩ ዘለዉ ኣሕሊፈ ኸም ዘይህበካን፥ በቲ ህይወት ዝሃበና ህያው እግዚኣብሄር እምሕለልካ ኣለኹ” ኢሉ ብምስጢር መሓለሉ።
17
ኤርሚያስ ድማ ንሴዴቅያስ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል፦ ‘ወፂእኻ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን እንተ ኼድካ፥ ነፍስኻ ብህይወት ክትነብር እያ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኣይትባራዕን እያ፤ ንስኻን ስድራኻን ከዓ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም። ግና ወፂእኻ ናብ ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን እንተ ዘይኼድካ፥ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክትወሃብ፥ ንሳቶም ከዓ ብሓዊ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንስኻውን ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ’ ይብል ኣሎ” በሎ።
19
ንጉስ ሴዴቅያስ ድማ ንኤርሚያስ “ንኣይ ኣብ ኢድ እቶም ናብ ባቢሎናውያን ዝኣተዉ ኣይሁድ፥ ኣሕሊፎም ከይህቡኒ እሞ ኸየላግፁለይ እፈርሕ ኣለኹ” በሎ።
20
ኤርሚያስ ከዓ “ኣሕሊፎም ኣይህቡኻን እዮም፤ ክቐንዐካ ብህይወትውን ክትነብርስ፥ እዝ ዝብለካ ዘለኹ ቓል እግዚኣብሄር ደኣ ስማዕ።
21
ኣይወፅእን ኢልካ እንተ ኣበኻ ግና፥ እንታይ ከም ዝበፅሐካ እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ ኣሎ።
22
እንሆ፥ ኵለን እተን ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ተሪፈን ዘለዋ ኣንስቲ፥ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ከውፅእወን እዮም፤ ክኸዳ እንተለዋ ኸዓ ‘ፈተውትኻ ጠበሩኻን ኣስድዑኻን፤ ኣእጋርካ ኣብ ጭቃ ተረግረገ፤ ንሳቶም ከዓ ሓደጉኻ’ ክብላኻ እየን” በልክዎ።
23
“ንዅለን ኣንስትኻን ደቅኻን ናብ ባቢሎናውያን ከውፅእዎም እዮም፤ ንስኻውን ብኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትተሓዝ ኢኻ እምበር ካብ ኢዶም ኣይተምልጥን ኢኻ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ብሓዊ ኽትባራዕ እያ” በሎ።
24
ሽዑ ሴዴቅያስ ንኤርሚያስ ከምዙይ በሎ፦ “ነዝ ቃል እዙይ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ፤ ንስኻውን ኣይትሞትን።
25
እቶም ኣሕሉቕ ምሳኻ ኸም ዝተዛረብኩ እንተ ሰሚዖም፥ ናባኻ መፂኦም ድማ ‘ንንጉስ እንታይ ከም ዝበልካዮ፥ እቲ ንጉስ ድማ እንታይ ከም ዝበለካ እንተይሓባእኻ እንተ ነጊርካና ኣይንቐትለካን ኢና’ እንተ በሉኻ፥
26
ንስኻ ድማ ‘ኣብኣ ኸይመውትስ ናብ ቤት ዮናታን ኣይትምለሰኒ ኢለ እየ ንንጉስ ዝለመንክዎ’ በሎም።”
27
ሽዑ ዅሎም እቶም ኣሕሉቕ ናብ ኤርሚያስ መፂኦም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ንጉስ ዝኣዘዞ ነገሮም። እቲ ነገር ኣይተሰምዐን ነበረ እሞ፥ ስቕ ኢሎም ከዱ።
28
ኽሳዕ እታ ኢየሩሳሌም ዝተትሓዘትላ መዓልቲ ድማ ኤርሚያስ ኣብ ኣደባባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።
← Chapter 37
Chapter 39 →