bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 21
Jeremiah 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ናይ ይሁዳ ንጉስ ሴዴቅያስ፥ ንጳስኮር ወዲ መልክያን ነቲ ኻህን ሶፎንያስ ካህን መኣስያን “ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ‘ክዋግአኩም እየ’ ይብል ኣሎ እሞ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከም ኵሉ ተኣምራቱ ገይሩ ኻባና ዝመልሶ እንተ ኾነስ፥ እስኪ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና” ኽብልዎ ናብ ኤርሚያስ ምስ ለኣኾም፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦
3
ኤርሚያስ ድማ “ንሴዴቅያስ ከምዙይ ኢልኩም ንገርዎ” በሎም።
4
“እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎንን ነቶም ካብ ቅፅሪ ወፃኢ ዝኸበቡኹም ከለዳውያንን እትዋግኡሉ፥ ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣፅዋር ክመልሶ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኽእክቦ እየ።
5
ኣነ ባዕለይ ብዝተዘርግሐት ኢድን ብብርቱዕ ቅልፅምን ብቝጥዓን ብዓብዪ መቅሰፍትን ክዋግአኩም እየ።
6
ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንዝነብሩ ሰብን እንስሳን ክወቅዕ እየ፤ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ድማ ኽሞቱ እዮም።
7
ድሕሪዙይ ከዓ ንሴዴቅያስ፥ ንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ንባሮቱን፥ ነቶም ካብ መቕሰፍትን ካብ ውግእን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን፥ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ናብ ኢድ እቶም ፀላእቶምን፥ ናብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ኸዓ ብብልሒ ሰይፊ ኽወቕዖም እዩ፤ ኣይርህርሀሎምን ኣይሓዝነሎምን ኣይምሕሮምንውን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
8
ሽዑ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኽትብሎም ኢኻ፦ “እንሆ፥ ኣብ ቅድሜኹም መንገዲ ህይወትን መንገዲ ሞትን አንብር ኣለኹ።
9
ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝፀንሕ፥ ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክመውት እዩ። ግና እቲ ወፂኡ ነቶም ከቢቦሙኹም ዘለዉ ባቢሎናውያን ኢዱ ዝህብ፥ ብህይወት ይነብር፤ ንፍሱውን ከም ምርኮ ኽትኮነሉ እያ።
10
ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ገፀይ ናብ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣቢለ ኣለኹ እሞ፥ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትወሃብ እያ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸንድዳ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
11
“ንቤት ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ በሎም፤
12
ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ብሰንኪ ኽፉእ ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፥ ዘጥፍኦ ኽሳዕ ዝስእን ከዓ ኸይነድድስ፥ ኣንጊህኹም ፍትሒ ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
13
ኣቲ ኣብ ለሰ፥ ኣብ ኰዅሒ ጐልጐል እትነብሪ ዘለኺ፥ እንሆ ኣነ ኣብ ልዕሌኺ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንስኻትኩም ከዓ ‘መንዩ ሓደጋ ዘውድቐልና? መን እዩኸ ናብ ሰፈርና ዝኣቱ?’ እትብሉ ዘለኹም፥
14
ኣነ ኸምቲ ፍረ ግብርኹም ክቐፅዐኩም እየ፤ ኣብቲ ዱር ሓዊ ኽእጕደሉ እየ እሞ፥ ንዅሉ ኸባቢኣ ሓዊ ኽበልዖ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
← Chapter 20
Chapter 22 →