bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 20
Jeremiah 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኤርሚያስ እዝ ነገር እዙይ ከም ዝተነበየ ምስ ሰምዑ፥ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ሓለቓ ኾይኑ ዝተሸመ ጳስኮር፥ ወዲ ኻህን ኢሜር፥ ኤርሚያስ እዝ ነገር እዙይ ክንበ እንተሎ ሰምዐ፤
2
ጳስኮር ንነቢይ ኤርሚያስ ወቕዖ፤ ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤተ መቕደስ ዝነበረት ላዕለወይቲ ደገ ብንያምውን ኣብ ጕንዲ ኣእሰሮ።
3
ንፅባሒቱ ጳስኮር ንኤርሚያስ ካብ ማእሰርቲ ኣውፅኦ፥ “ኤርሚያስውን እግዚኣብሄር ስምካ ማጎር ሚሳቢብ እምበር ጳስኮር ኢለ ኣይፅውዐካን” በሎ።
4
እምበኣር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ንርእስኻን ንዅሎም ፈተውትኻን መደንገፂ ኽገብረካ እየ፤ ኵሎም ብሰይፊ ፀላእቶም ክወድቁ እዮም፤ በዒንትኻውን ክትሪኦም ኢኻ። ንህዝቢ ይሁዳ ኸዓ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ድማ ማሪኹ ናብ ባቢሎን ክወስዶም እዩ፤ ብሰይፊ እውን ክቐትሎም እዩ።
5
ኵሉ ጥሪት እዛ ኸተማ እዚኣን ኵሉ ፃማኣን ኵሉ ኽቡር ኣቑሑታን ኵሉ እቲ መዛግብ ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢድ ፀላእቶም ከም ዝወድቕ ክገብሮ እየ። ንሳቶም ከዓ ኽዘምትዎ፥ ማሪኾም ድማ ናብ ባቢሎን ክወስድዎ እዮም።
6
ንስኻ ጳስኮር፥ ምስቶም ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ዅላቶም ክትማረኹ ኢኹም፤ ናብ ባቢሎን እውን ክትውሰድ ኢኻ እሞ፥ ምስቶም ሓሰት ዝተነበኻሎም ኵሎም ፈተውትኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኣብኡውን ክትቅበር ኢኻ በሎ።”
7
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣታለልካኒ፤ ኣነውን ተታለልኩ፤ ንስኻ ኻባይ በርታዕኻ፥ ኣሸነፍካኒውን፤ ምሉእ መዓልቲ መላገፂ ኾንኩ፤ ኵሎምውን የባጭዉለይ ኣለዉ።
8
ብዝተዛረብኩ ቝፅሪ አእዊ ኣለኹ፤ “ዓመፅን ጥፍኣትን” እናበልኩ አእዊ ኣለኹ፤ ቃል እግዚኣብሄር ምሉእ መዓልቲ፥ ንፀርፍን ንነቐፌታን ኮነኒ።
9
“ደጊም ስም እግዚኣብሄር ኣየልዕልን፤ ብስሙውን ኣይናገርን፥” እንተ በልኩ እኳ፥ ቃሉ ኣብ ልበይ ከም ሓዊ፥ ኣብ ውሽጢ ኣዕፅምተይውን ከም ረመፅ ኮነኒ፤ ክፅመም ተቓለስኩ ግና ኣይኮነለይን።
10
ብዙሓት እንትፀርፉኒ እሰምዕ ኣለኹ፤ ብዅሉ ወገን ድንጋፀ ይኸበኒ ኣሎ፤ “ክሰስዎ፤ ንሕናውን ክንከሶ ኢና” ይብሉ ኣለዉ። ፈተውተይውን ውድቀተይ ይፅበዩ፤ “ምእንቲ ኽነሸንፎን ሕነ ኽንፈድዮንስ፥ ይታለለልና ይኸውን” ይብሉ ኣለዉ።
11
ግና እግዚኣብሄር፥ ከም ሓያልን ከም ጨካንን ምሳይ እዩ፤ ስለዙይ እቶም ዘሳጕጉኒ፥ ክሰናኸሉ እዮም እምበር ኣየሸንፉንን፤ ፈፂሞም ክዋረዱ እምበር ኣይሰምረሎምን፤ ውርደቶም ድማ ንሓዋሩ ኣይርሳዕን እዩ።
12
ኣታ ንፃድቕ እትምርምር፥ ልብን ኵላሊትን እትርኢ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነገረይ ናባኻ ኣማዕቚበ ኣለኹ እሞ፥ ነቲ እትፈድዮም ሕነ ኣርእየኒ።
13
ንዝፀገማ ነፍሲ፥ ካብ ኢድ ክፉኣት፥ ኣድሒንዋ እዩ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፤ ንእግዚኣብሄር ወድስዎ።
14
ዝተወለድኩላ መዓልቲ ርግምቲ ትኹን፤ እታ እኖይ ንኣይ ዝወለደትላ መዓልቲ ኣይትባረኽ።
15
እቲ ነቦይ “ወዲ ተወሊዱልካ” ኢሉ ዘበሰሮ እሞ፥ ዘሐጐሶ ሰብ ርጉም ይኹን።
16
እቲ ሰብ እቱይ ከምተን እግዚኣብሄር፥ እንተይራህርሀ ዝገልበጠን ከተማታት ይኹን፤ ንግሆ ብኽያት፥ ቀትሪ ድማ ኣውያት ይስማዕ።
17
እኖይ መቓብረይ ክትከውን፥ ንሓዋሩ ኸዓ ኣብ ማህፀና ኽነብርስ፥ ስለ ምንታይ ኣብ ማህፀን ወላዲተይ እንተለኹ ዘይቀተለኒ?
18
ድኻምን ሓዘንን ክርኢ፥ ዘመነይውን ብሕፍረት ክውድእኸ፥ ስለ ምንታይ ካብ ማህፀን ወፃእኹ?
← Chapter 19
Chapter 21 →