bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 22
Jeremiah 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ ናብ ቤት ንጉስ ይሁዳ ውረድ እሞ፥ ኣብኡ እዝ ቓል እዙይ ተናገር፤ ከምዙይውን በል፦
2
ኣታ ኣብ ዙፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘለኻ ንጉስ ይሁዳ፥ ንስኻን ባሮትካን ህዝብኻን፥ ኣቱም በዘን በርታት እዚኣተን እትኣትዉ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
3
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፍትሕን ፅድቅን ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተ ኸዓ ኻብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን፥ ኣይትበድሉን ኣይትዓምፁን፤ ኣብዝ ስፍራ እዙይውን ንፁህ ደም ኣይተፍስሱ።
4
ነዝ ቃል እዙይ ብሓቂ እንተ ፈፂምኩምዎ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታት ምስ ባሮቶምን ህዝቦምን፥ ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተቐሚጦም፥ ብበርታት እዛ ቤት እዚኣ ኽኣትዉ እዮም።
5
ነዝ ቓል እዙይ እንተ ዘይተኣዘዝኩም ግና እዛ ቤት እዚኣ ኸም እትዓኑ፥ ብርእሰይ መሓልኩ” ይብል እግዚኣብሄር።
6
ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻ ንኣይ ከም ገለዓድን ከም ርእሲ ሊባኖስን ኢኻ፤ ግና ኣነ ብርግፅ ምድረ በዳ፥ ሰብ ዘይነብረለን ከተማታት ክገብረካ እየ።
7
ነፍሲ ወከፍ ምስ ኣፅዋሮም መዕነውቲ ኸዳልወልካ እየ። ንሳቶም ድማ ነቶም ምሩፃት ዝግባታት ክቘርፅዎን፥ ኣብ ሓዊ ኸእትውዎን እዮም።
8
“ህዝቢ ብዙሓት ሃገራት በዛ ኸተማ እዚኣ እንትሓልፉ፥ ንስንሳቶም ስለ ምንታይ ኮን እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ዓባይ ከተማ ኸምዙይ ዝገበራ ኽበሃሃሉ እዮም።
9
ሽዑ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደጉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን፥ ስለ ዘምለኹን እዩ፥ ኢሎም ክምልሱሎም እዮም።”
10
ነቲ ኻብ ዓዱ ዝወፀ፥ ደጊም ነታ ዝተወለደላ ሃገር፥ ተመሊሱ ንዘይርኢ ደኣ ብኸዩሉ እምበር፥ ንዝሞተ ኣይትብከዩ፥ ኣይትሕዘኑውን።
11
እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ እቲ ኽንዲ ኣቦኡ ኢዮስያስ ዝነገሰ፥ ካብዛ ሃገር እዚኣ ዝወፀ ወዲ ኢዮስያስ፥ ሰሎም ንጉስ ይሁዳ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
12
“ኣብቲ ተማሪኹ ዝኸደሉ ሃገር ክመውት እዩ እምበር፥ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸቶ ኣይሪኣን እዩ።”
13
እቲ ብግፍዒ ቤቱ፥ ብዓመፅ ድማ ሰገነቱ ዝሰርሐ፥ ንወገኑውን ብዘይ ዋጋ ዘስርሕ፥ ደመወዝውን ዘይኸፍሎም፥ ወይለኡ።
14
ሰፊሕ ቤት፥ በዓል ዓብዪ ሰገነት፥ ክሰርሕ እየ ዝብል ወይለኡ። ሰፋሕቲ መስኮታት የዳልወሉ፤ ብዕንፀይቲ ዝግባ የጋይፅ፤ ቀይሕ ቀለምውን ይቐብኦ።
15
ብብዝሒ ዕንፀይቲ ዝግባ ስለ እትወዳደር፥ ብሓቂ ኽትነግስ ዲኻ? ኣቦኻኸ ፍትሕን ፅድቅን ብምስራሑ፥ ዝበልዖን ዝሰትዮንዶ ጐዲልዎ ነይሩ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ሰናይ ኮይኑሉ ነበረ።
16
ንፅጉምን ንድኻን ፍትሒ የውፅአሎም ነበረ፤ ኵሉውን ሰናይ ኮነሉ፤ እዙይ ንኣይ ምፍላጥዶ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር።
17
ጠመተ ዓይንኻን ልብኻን ግና፥ ኣታሊልካ ጥቕሚ ምርካብ፥ ንፁህ ደም ምፍሳስ፥ ጭቈናን ግፍዕን ምፍፃም ጥራሕ እዩ።
18
ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ዋይ ሓወይ! ዋይ ሓፍተይ!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን፤ “ዋይ ጐይታይ! ዋይ እዝ ኽቡር!” ኢሎም ኣየልቅሱሉን።
19
“ከም ኣቀባብራ ኣድጊ ኽቐብርዎ፥ ካብ ደገታት ኢየሩሳሌም ጐቲቶም፥ ክድርብይዎ እዮም።”
20
ኵሎም ፈተውትኺ ተደምሲሶም እዮም እሞ፥ ኣብ ሊባኖስ ደዪብኪ ኣእውዪ፤ ድምፅኺውን ኣብ ባሳን ዓው ኣቢልኪ ኣስምዒ፤ ኣብ ዓባሪም ኴንኪውን ኣእውዪ።
21
ተመችዩኪ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ተዛረብኩኺ፤ ግና ኣይሰምዕን በልኪ፤ ካብ ንእስነትኪ ጀሚሩ፥ መንገድኺ ኸምዙይ ነበረ፤ ቃለይውን ኣይሰማዕኽን።
22
ኵሎም ጓሶትኪ ብንፋስ ክጓሰዩ እዮም፤ ፈተውትኺውን ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ ሽዑ ብሰንኪ ኽፍኣትኪ፥ ክትሓፍርን ክትዋረድን ኢኺ።
23
ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትነብሪ፥ ኣጒዶኺውን ብዕንፀይቲ ዝግባ እትሰርሒ፥ ኣብ ልዕሌኺ መከራ እንትመፅእ፥ ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ፥ ኣውያትኪ ኸመይ ይኸውን!
24
“ኣነ ህያው እየሞ፥ ኣታ ኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ማሕተም ቀለበት የማናይ ኢደይ እኳ እንተ እትኸውን፥ ኣውፂአ ኽድርብየካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
25
ኣብ ኢድ እቶም ንነፍስኻ ዝደልዩዋ፥ ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሖም፥ ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ።
26
ንኣኻን ንዝወለደትካ እኖኻን፥ ናብታ ዘይተወለድኩምላ ባዕዲ ሃገር፥ ክድርብየኩም እየ፤ ኣብኡውን ክትሞቱ ኢኹም።
27
ክትምለስዋ ናብ እትናፍቕዋ ምድሪ፥ ፈፂምኩም ኣይትምለሱን።”
28
“ብሓቂዶ እዝ ሰብ እዙይ ኢኮንያን፥ ዝተንዓቐን ዝተሰበረን ሻኽላ እዩ? ዝኾነ ዘይድለ ኣቕሓዶ እዩ? ንምንታይ ደኣ ንሱን ደቁን ተደርበዩ? ናብ ዘይፈልጥዎ ምድሪኸ፥ ንምንታይ ተወርወሩ?” በልኩ።
29
ኣቲ ምድሪ፥ ኣቲ ምድሪ፥ ኣቲ ምድሪ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ!
30
“ሓደ እኳ ኻብ ዘርኡ መቺዩዎ፥ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ፥ ኣብ ይሁዳ ኸዓ ዝነግስ የለንሞ፥ ብህይወት ዘመኑ ዘይሰምረሉ መኻን ሰብ፥ ኢልኩም ፀሓፉ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
← Chapter 21
Chapter 23 →