bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 19
Jeremiah 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኪድ፤ ካብቲ ሰራሒ መሬት ሳርማ ዓድግ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝብን ካብቶም ዓበይቲ ኻህናትንውን ንገሊኣቶም ምሳኻ ተማላእ።
2
በቲ ‘በሪ ሰራሕቲ መሬት’ ዝበሃል ሓሊፍካ ናብቲ ለሰ ሂኖም ውፃእ። ኣብኡ ዄንካ ድማ እቲ ኣነ ዝነግረካ ቓል ተናገር።
3
ከምዙይውን በል፦ ኣቱም ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ንዝሰምዖ ዅሉ ኣእዛኑ ዘደምም መዓት ከውርድ እየ።
4
ንኣይ ሓዲጎም እዝ ስፍራ እዙይ ባዕዲ ገበርዎ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ነገስታት ይሁዳን ንዘይፈልጥዎም ንኻልኦት ባዕዳን ኣማልኽቲ ዕጣን ዓጠኑሎም፤ ነዝ ስፍራ እዙይውን ብደም ንፁሃት መልእዎ።
5
ኣነ ዘይኣዘዝክዎን ዘይተዛረብክዎን ብልበይ ዘይሓሰብክዎን፥ ንበዓል ዝቃፀል መስዋእቲ ክኾኑ ኢሎም፥ ነወዳት ደቆም ብሓዊ ምእንቲ ኸንድድዎም፥ ኣብ በረኽቲ፥ ንበዓል መሰውኢታት ሰርሑ።
6
ስለዙይ ከዓ፥ እዝ ስፍራ እዙይ ለሰ ምሕራድ እምበር፥ ቶፌት ወይ ለሰ ሂኖም ተብሂሉ ዘይስመየለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
7
ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ንምኽሪ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከንቱ ኽገብሮ እየ። ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም፥ ብሰይፍን ብኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን ገይረ ኸውድቖም እየ። ንሬሳኣቶም ድማ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት በረኻን ምግቢ ክኾኖም ክህቦ እየ።
8
ነዛ ኸተማ እዚኣ ንመገረምን መሰክሕን ክገብራ እየ። ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ከዓ ስቓያ ሪኡ ኸስካሕኽሕን ከላግፅን እዩ።
9
ስጋ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ከብልዖም እየ፤ ብፀላእቶምን በቶም ንነፍሶም ዝደልዩን ተኸቢቦም ምስ ተጨነቑ፥ ስጋ ብፆቶም ክበልዑ እዮም።”
10
ሽዑ “ነታ ሳርማ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዝኸዱ ሰባት ስበራ እሞ፥
11
ከምዙይ በሎም፦ ‘ከምቲ ኣቕሓ ሰራሒ መሬት ምስ ተሰብረ ዘይዕረ’ ኸምኡ ነዝ ህዝቢ እዙይን ነዛ ኸተማ እዚኣን ክሰብሮም እየ። መቕበሪ ቦታ ስለ ዝስኣን ድማ ሬሳኣቶም ኣብ ቶፌት ክቕበር እዩ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
12
“ነዛ ኸተማ እዚኣን ነዝ ስፍራ እዙይን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከምኡ ኽገብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ነዛ ኸተማ እዚኣውን ከም ቶፌት ክገብራ እየ።
13
ኵለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፥ ኵለን እተን ኣብ ዝባን ናሕሰን ንኸዋኽብቲ ሰማይ ዕጣን ዝዓጠኑለንን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ፥ ከም ቶፌት ክረኽሳ እየን በሎም” በለኒ።
14
ኤርሚያስውን ካብቲ እግዚኣብሄር ትንቢት ክናገር ልኢኹዎ ኻብ ዝነበረ ቦታ ኻብ ቶፌት ተመለሰ፤ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ደው በለ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ከምዙይ በሎም፦
15
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ንቓለይ ከይሰምዑ ልቦም ኣትሪሮም እዮም እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣን ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ዓድታትን፥ እቲ ኸውርዶ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ መዓት ከውርደለን እየ።”
← Chapter 18
Chapter 20 →