bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 18
Jeremiah 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል፦ “ተሲእኻ ናብ ቤት ሰራሒ መሬት ውረድ፤ ኣብኡ ቓለይ ከስምዐካ እየ” በለኒ።
3
ኣነውን ናብ ቤት እቲ ስራሒ መሬት ወረድኩ፤ ንሱውን ነቲ ሻኽላ ብመንኰራዅር ይሰርሕ ነበረ።
4
እቲ ብመሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ፥ ኣብ ኢድ እቲ ሰራሒ መሬት ተበላሸወ፤ እቲ ሰራሒ መሬት ድማ፥ ከምቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርአዮ ኻልእ ኣቕሓ ገይሩ ሰርሖ።
5
ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤
6
“ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ ኣነኸ ንኣኻትኩም ከምቲ ሰራሒ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩምዶ ኣይከኣለንን እዩ? ኸምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሒ መሬት ዘሎ፥ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም ዘለኹም።
7
ንሓደ ህዝቢ ወይ መንግስቲ ‘ክነቕሎን ከፍርሶን ከጥፍኦን እየ’ ኢለ እንተ ተዛረብኩ እሞ፥
8
እታ ሃገር እቲኣ ኻብ ክፍኣታ እንተ ተመለሰት፥ ኣነ ነቲ ‘ክገብሮ እየ’ ኢለ ዝሓሰብክዎ መቕፃዕቲ ኣይገብሮን እየ።
9
ከምኡ ኸዓ ንሓደ ህዝቢ ወይ መንግስቲ ‘ክሃንፆን ክተኽሎን እየ’ ኢለ እንተ ተዛረብኩ፥
10
እሞ እቲ ህዝቢ እቱይ ቃለይ ምስማዕ ኣብዩ ኣብ ቅድመይ ክፉእ እንተ ገበረ፥ ኣነ ነቲ ‘ክገብረሉ እየ’ ኢለ ዝተዛረብክዎ ሰናይ ነገር ኣይገብሮን እየ።
11
እምበኣር ሕዚ እውን ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ ጥፍኣት እናዳለኹልኩም እየ፤ ክቐፅዐኩም ከዓ ኽፉእ እሓስበልኩም ኣለኹሞ፥ ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣመዓራርዩ።
12
ንሳቶም ግና ‘ጨኪንና ኢና፤ ሓሳብና ተኸቲልና ኽንከይድ ኢና፤ ነፍሲ ወከፍና ድማ ኸምቲ ትረት ሕሱም ልብና ኽንነብር ኢና’ በሉ።”
13
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ከምዙይ ዝበለ ነገር ዘስምዐ እንተ ሃልዩ፥ እስኪ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ጠይቑ። እታ ድንግል እስራኤል፥ የመና ኽፉእ ነገር ገይራ እያ።
14
በረድዶ፥ ካብቲ ኸውሕታት ሊባኖስ፥ ተፈልዩ ይፈልጥ እዩ? እቲ ኻብ ርሑቕ ዝወርድ፥ ዝሑል ወሓዚ ማይከ ይነፅፍ ድዩ?
15
ህዝበይ ግና ንኣይ ረሲዑኒ፤ ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ጣዖታት ይዓጥን ኣሎ፤ ካብቲ ክኸደሉ ዝግብኦ መንገዲ ተሰናኺሉ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ መንገዲ ሓዲጉ፥ በቲ ዘይተፀርገ ቐይናን መንገዲ ይኸይድ ኣሎ።
16
ንምድሮም ንመደነቕን፥ ንዘለኣለም መሳለቕን ገበርዋ፤ ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ይግረም፤ ብምግራምውን ርእሱ ይንቕንቕ።
17
ከም ንፋስ ምብራቕ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላኢ ኽብትኖም እየ። ብመዓልቲ ጥፍኣቶም፥ ዝባነይ እምበር ገፀይ ኣየርእዮምን።”
18
ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ።
19
“ኦ ጐይታይ፥ ስምዐኒ፤ ነቲ ፀላእተይ ዝብልዎ ኸዓ ስማዕ።
20
ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፥ ክንዲ ሰናይዶ ኽፉእ ይፍደ እዩ? ኣነ ቝጥዓኻ ኻብኣቶም ክተርሕቕ ኢለ ኣብ ቅድሜኻ ቖይመ ኸም ዝለመንኩ ዘክር።
21
ስለዙይ ሕዚ ደቆም ንጥሜት ሃብ፤ ንኣኣቶም ከዓ ስሕለት ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሃብ። ኣንስቶም ናይ ወላድ መኻንን መበለታትን ይኹና፤ ሰብኡተን ድማ ተቐቲሎም ይሙቱ፤ ኣጕባዞም ከዓ ኣብ ጊዜ ውግእ ብሰይፊ ይውደቑ።
22
ክሕዙኒ ጕድጓድ ኵዒቶምለይ፥ ነእጋረይ ከዓ መፈንጠር ኣፃዊዶምለይ እዮም እሞ፥ ብድንገት ዝዘምትዎም ጭፍራ ምስ ኣምፃእኻሎም፥ ኣብ ገዛኦም ኣውያት ይሰማዕ።
23
ኦ እግዚኣብሄር፥ ክቐትሉኒ ኢሎም ዝሓሰብዎ ዅሉ ምኽሪ፥ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ስለዙይ በደሎም ይቕረ ኣይትበለሎም፤ ሓጢኣቶም እውን ካብ ቅድሚ ገፅካ ኣይትደምስስ። ኣብ ቅድሜኻ ፃሕ ኢሎም ይውደቑ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኻውን ከምኡ ግበሮም።”
← Chapter 17
Chapter 19 →