bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 17
Jeremiah 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ሓጢኣት ይሁዳ፥ ብብርዒ ሓፂንን ብዝበልሐ ጫፍ ኣልማዝን ተፅሒፉ እዩ፤ ኣብ ፅላት ልቦምን ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢታቶምን ተቐሪፁ እዩ።
2
ደቆምውን ነቶም ንዝኽሪ ጣዖት ኣስታሮት ተብሂሉ ዝተሰርሐ መሰውኢታትን ምስልታትን፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኣእዋምን ኣብ ዝበረኸ ኾረብታታትን ዘለዉ ይዝክሩ ኣለዉ።
3
እቲ ኣብ ሜዳ ዘሎ እምባይ፥ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኵሉ ወሰናትኪ ዝገበርክዮ ሓጢኣት፥ ንሃብትኽን ንዅሉ መዛግብትኽን ንዘመተ ኽህቦ እየ።
4
ንሓዊ ቝጥዓይ ኣቃፂልኩምዎስ ንሓዋሩ ኽነድድ እዩ እሞ፥ ብሰንኪ በደልኪ ነቲ ዝሃብኩኺ ርስቲ ኽትስእኒዮ ኢኺ፤ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ፀላእትኺ ባርያ ኽገብረኪ እየ።”
5
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ሰብ ዝእመን፥ ንስጋ ለባሲውን ቕልፅሙ ዝገብር፥ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ ሰብ፥ ዝተረገመ እዩ።
6
ንሱ ኸምቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ንቑፅ ቈጥቋጥ እዩ፤ ሰናይ እንትመፅእውን ኣይርእን፤ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ናይ ጨው ምድሪ ይነብር።”
7
“ብእግዚኣብሄር ዝእመን፥ እምነቱውን ኣብ እግዚኣብሄር ዝገብር ሰብ፥ ቡሩኽ እዩ።
8
ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ ዝተተኽለት፥ ናብ ሩባ ኣቢላ ሱራ ዝሰደደት፥ ዋዒ እንተ መፀ ዘይትፈርሕ፥ ቈፅላ ኸዓ ለሚዑ ዝነብር፥ ካብ ምፍራይውን ዘይተቋርፅ ኦም እዩ።”
9
“ልቢ ሰብ ካብ ኵሉ ዝበለፀ ተንኰለኛን፥ የመና ኽፉእን እዩ፤ መንከ ኽፈልጦ ይኽእል?
10
ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዱ፥ ንነፍሲ ወከፍውን ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፥ ንልቢ እምርምሮ፤ ንዀላሊት ከዓ እፍትኖ።”
11
እቲ ቕንዕና ብዘይብሉ፥ ሃብቲ ዝእክብ፥ ከምታ ንዘይ ጫጭሐቶ ጫቚት እትሓቍፍ ቆቛሕ እዩ፤ ኣብ ፍርቂ ዕድሚኡ ሃብቱ ይሓድጎ፤ ኣብ መወዳእታኡውን ዓሻ ይኸውን።
12
ስፍራ ቤተ መቕደስና፥ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ልዕል ዝበለ ናይ ክብሪ ዙፋን እዩ።
13
ኦ እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ተስፋ፥ እቶም ሓዲጎሙኻ ዝኸዱ ዅሎም፥ ክሓፍሩ እዮም። እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር፥ ንዘይነፅፍ ዓይኒ ማይ ህይወት ስለ ዝሓደጉ፥ ኣብ ምድሪ ኽፀሓፉ እዮም።
14
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ምስጋናይ ኢኻሞ ፈውሰኒ፥ ክፍወስ እየ፤ ኣድሕነኒ ኣነውን ክድሕን እየ።
15
ንሳቶም “ቃል እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? እስኪ ሕዚ ይምፃእ” ይብሉኒ ኣለዉ።
16
ጓሳ ኾይነ ንኣኻ ኻብ ምግልጋል ንድሕሪት ኣይበልኩን፤ ክፉእ መዓልቲ ኸም ዘይተመነኹውን ትፈልጥ ኢኻ፤ ካብ ከንፈረይ ዝወፅእውን ኣብ ቅድሜኻ እዩ።
17
መደንገፅየይ ኣይትኹን፤ ብመዓልቲ መከራ መዕቘብየይ ንስኻ ኢኻ።
18
እቶም ዘሳጕጉኒ ይሕፈሩ፤ ኣነ ግና ኣይሕፈር፤ ንሳቶም ይደንግፁ፤ ኣነ ግና ኣይደንግፅ። ክፉእ መዓልቲ ኣምፅአሎም፤ ዕፅፊ ጥፍኣት ጌርካውን ኣጥፍኣዮም።
19
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ኣብታ ነገስታት ይሁዳ ዝኣትዉላን ዝወፁላን፥ በሪ ደቂ ህዝቢ እትብሃል በርን፥ ኣብ ኵለን በርታት ኢየሩሳሌምን ቁም፤
20
ኣቱም በዘን በርታት እዚኣተን እትኣትዉ፥ ነገስታት ይሁዳን ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ዅልኻትኩምን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
21
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብመዓልቲ ሰንበት ፆር ኣይትፁሩ፤ ፆር ፆይርኩምውን ብበርታት ኢየሩሳሌም ከይትኣትዉ ንባዕልኻትኩም ተጠንቀቑ፤
22
ካብ ኣባይትኹም ዝኾነ ፆር ኣይተውፅኡ፤ ከምቲ ኣነ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም መዓልቲ ሰንበት ኣኽብሩ፤ ብመዓልቲ ሰንበት ስራሕ ኣይትስርሑ።
23
ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ኣየስተውዓሉንውን፤ ከይሰምዑሞ ኸይግሰፁ ኽሳዶም ኣትረሩ።
24
“ግና ብጥንቃቐ እንተ እትሰምዑኒ ይብል እግዚኣብሄር፥ ብመዓልቲ ሰንበት ብበርታት እዛ ኸተማ እዚኣ ፆር ፀይርኹም እንተ ዘይኣቲኹም፥ ንመዓልቲ ሰንበት እንተ ቐደስኩምዋ፥ ብኣኣ ስራሕ እንተ ዘይሰሪሕኹም፥
25
ሽዑ እቶም ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ኣሕሉቕን፥ ብሰረገላታትን ኣፍራስን ብበርታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኽኣትዉ እዮም። ንሳቶምን መሳፍንቶምን፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩንውን ክኣትዉ እዮም። እዛ ኸተማ እዚኣውን ንዘለኣለም መንበሪ ሰብ ክትከውን እያ።
26
ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ካብ ሃገር ብንያምን ካብ ቈላን ካብ ደጕዓን ከምኡውን ካብ ደቡብንን ዝቃፀል መስዋእትን ካልእ መስዋእትን ናይ ቍርባን እኽልን ዕጣንን ናይ ምስጋና መስዋእትን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክመፁ እዮም።
27
ግና ዕለተ ሰንበት ምእንቲ ኽትቕድሱ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ፆር ፀይርኹም ብበርታት ኢየሩሳሌም ከይትኣትዉ፥ ዝነገርኩኹም እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ኣብ በርታት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ድማ ኸቃፅሎ እዩ፤ ኣይጠፍእንውን እዩ።”
← Chapter 16
Chapter 18 →