bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 16
Jeremiah 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤
2
“ኣብዝ ስፍራ እዙይ ሰበይቲ ኣይተእቱ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ኣይትውለድ።
3
ብዛዕባ እቶም ኣብዝ ስፍራ እዙይ ዝውለዱ ኣወዳትን ኣጓላትን፥ ብዛዕባ እተን ዝወለዳኦም እኖታትን፥ ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝወለድዎም ኣቦታትን እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
4
ብኽፉእ ሞት ክሞቱ እዮም፤ ዝበኽየሎም ኮነ ዝቐብሮም ኣይረኽቡን እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ጐሓፍ ክድርበ እዩ፤ ብውግእን ብጥሜትንውን ክጠፍኡ እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ክኸውን እዩ።
5
“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ሰላመይን ፍቕረይን ምሕረተይን ካብዝ ህዝቢ እዙይ ኣርሒቐ ኣለኹ እሞ፥ ብኽያት ናብ ዘለዋ ቤት ኣይትእቶ፤ ክትበክን ክትሓዝንን ድማ ኣይትኺድ።
6
ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዓቢይን ንእሽተይን ክሞቱ እዮም፤ ግና ኣይቕበሩን እዮም፤ ሓደ እኳ ዝበኽየሎምን ሰብነቱ ዝፅሕብርን ፀጕሩ ዝላፅየሎምን ኣይረኽቡን እዮም።
7
ነቶም ሰቦም ዝሞቶም ከፀናንዕዎም ኢሎም እንጀራ ሓዘን ኣይቘርሱሎምን እዮም። ኣቦታቶምን እኖታቶምን ንዝሞትዎም ከፀናንዑ ኢሎም መፀናንዒ ዝኸውን ብዋንጫ ዘስትዮም ኣይህሉን እዩ።
8
“ምስኣቶም ተቐሚጥካ ኽትበልዕን ክትሰትን ናብ ድግስ ዝገብሩላ ቦታ ኣይትእቶ።
9
ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም፥ ድምፂ ዕልልታን ድምፂ ሓጐስን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ካብዝ ስፍራ እዙይ ከወግድ እየ።
10
“እዝ ዅሉ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ እትናገረሉ እዋን፥ ንሳቶም ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ዓብዪ ነገር ዝናገረና ዘሎ? እንታይ እዩ በደልና? እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝገበርናዮ ሓጢኣትከ እንታይ እዩ?’ እንተ በሉኻ
11
ንስኻውን ከምዙይ ክትብሎም ኢኻ፦ ኣቦታትኩም ስለ ዝሓደጉኒ እዩ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰዓቡን ዘገልገሉን ዝሰገዱን፥ ንኣይ ስለ ዝሓደጉኒ፥ ሕገይ ድማ ስለ ዘይሓለዉ፥
12
ንስኻትኩምውን እንሆ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ብትሪ ኽፉእ ልብኹም እናተመላለስኩም፥ ካብቲ ናይ ኣቦታትኩም ዝገደደ ገበርኩም፤ ንኣይውን ኣይሰማዕኹምንን።
13
ኣነ፥ ካብዝ ሃገር እዙይ ናብቲ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ዘይትፈልጥዎ ሃገር ክሰጐኩም እየ። ኣይምሕረኩምን እየ። ኣብኡውን ለይትን ቀትርን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽተገልግሉ ኢኹም።”
14
ስለዙይ “እንሆ ‘እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዘይበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ።
15
ግና ‘እቲ ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጕዎም ዝነበረ ዅሉ ሃገርን ዝመለሰ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዝበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገሮም ክመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
16
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣነ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ብዙሓት ኣስገርቲ ዓሳ ኽሰደሎም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኽገፍዎም እዮም። ብድሕሪዙይ ብዙሓት ሃደንቲ ኽሰድድ እየ፤ ንሳቶምውን ካብ እምባታትን ኰረብታታትን ካብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕን ክሃድንዎም እዮም።
17
ዓይነይ ኣብ ኵሉ መንገዶም እዩ፤ ካብ ቅድመይ ክሕብኡ ኣይኽእሉን እዮም። ሓጢኣቶም ከዓ ኻብ ኣዒንተይ ኣይስወርን እዩ።
18
ንምድረይ በቶም በድኒ ዝኾኑ ጣዖታቶም ኣርኪሶምዋ፤ ንርስተይውን ብዘፀይፉ ጣዖታቶም መሊኦምዋ እዮም እሞ፥ ሕነ በደሎምን ሓጢኣቶምን ካዕበት ክፈድዮም እየ።”
19
ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓይለይ፥ እምባይ፥ ብመዓልቲ መከራውን መዕቘብየይ ዝኾንካ፥ ኣህዛብ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ መፂኦም “ኣቦታትና ሓሰትን ከንቱነትን ጥቕሚ ዘይብሎም ጣዖታትን ጥራሕ እዮም ወሪሶም ይብሉ።
20
ሰብዶ ኣማልኽቲ ንዘይኮኑ፥ ኣማልኽቲ ንባዕሉ ይገብር እዩ?”
21
ስለዙይ እንሆ፥ ከፍልጦም እየ፤ በዝ ጊዜ እዙይ ሓይለይን ስልጣነይን ከፍልጦም እየ፤ ንሳቶም ድማ ስመይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ኽፈልጡ እዮም።
← Chapter 15
Chapter 17 →