bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 15
Jeremiah 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሎም እንተ ዝልምኑኒ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ልበይ ኣይርህርሀሎምን፥ ካብ ቅድሚ ገፀይ ኣውፅኣዮምሞ ይኺዱ።
2
‘ናበይ ክንከይድ ኢና?’ እንተ በሉኻ፥ ‘ንሞት ዝተመደበ ናብ ሞት፥ ንሰይፊ ዝተመደበ ናብ ሰይፊ፥ ንጥሜት ዝተመደበ ናብ ጥሜት፥ ንምርኮ ዝተመደበ ናብ ምርኮ’ ክኸይድ እዩ ኢልካ ንገሮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
3
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣርባዕተ ዓይነት ቅፅዓት ክሰደሎም እየ፤ ንሳቶምውን፥ ሰይፊ፥ ንምቕታሎምን፥ ኣኽላባት፥ ንምጕታቶምን ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከዓ፥ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን እዮም።
4
ብሰንኪ እቲ ዅሉ ምናሴ፥ ወዲ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም መንግስታት ምድሪ፥ ንመከራ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።”
5
“ኦ ኢየሩሳሌም፥ መን እዩ ዝርህርሀልኪ? መንከ እዩ ዝበኽየልኪ? ምእንቲ ድሕንነትኪ ኽጥይቕ፥ ናባኺ ዘግልስከ መን እዩ?
6
ንኣይ ሓዲግክኒ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንድሕሪትውን ተመሊስኪ ኢኺ፤ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤ ከጥፍአክውን እየ፤ ድሕሪ ደጊም ምሕረት ኣይገብረልክን።
7
ኣብ ኣፍ ደገ እታ ሃገር፥ ብመስአ ኣዝሮኹዎም፤ ንህዝበይ ውሉድ ከሊአ ኣጥፋእኹዎም፤ ካብ መንገዶም ከዓ ኣይተመለሱን።
8
መበለታቶም ካብ ሑፃ ባሕሪ በዝሓኒ፤ ኣብ ልዕሊ እኖ ኣጓብዝ፥ ብቐትሪ መጥፍኢ ኣምፃእኹ፤ ብድንገት ጓህን ራዕድን ኣውረድኩላ።
9
እኖ ሸውዓተ ደኸመት፤ ነፍሳውን ተሃወኸት፤ ቀትሪ እናሃለወ ፀሓይ ዓሪባታ እያሞ፥ ንሳ ሓፈረት፥ ተዋረደትውን፤ ነቶም ዝተረፉውን፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ንሰይፊ ኸወፍዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
10
ኣቲ ወላዲተይ፥ ንዅሉ ምድሪ ናይ ጐይቊን ክርክርን ክኸውን ወሊድክኒ ኢኺሞ ወይለይ! ንዝኾነ ኣየለቃሕኹን፥ ካብ ዝኾነውን ኣይተለቃሕኹን፤ ግና ዅሉ ሰብ ይረግመኒ ኣሎ።
11
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብሓቂ ንፅቡቕ ክሕልወካ እየ፤ ብጊዜ ጭንቅን መከራንውን ፀላእትኻ ኸም ዝልምኑኻ ኽገብር እየ።
12
ብሓቂ ንሓፂን፥ ነቲ ኻብ ሰሜን ዝመፀ ሓፂንን፥ ንነሃስውን ዝሰብር ኣሎዶ?
13
ብሰንኪ እቲ ብዅሉ ወሰናትካ መሊኡ ዘሎ ሓጢኣትካ ሃብትኻን መዛግብትኻን ብኸምኡ ንዘመተ ኽህቦ እየ።
14
ካብ ቍጥዓይ ዝተልዓለ ኣብ ልዕሌኹም ሓዊ ኽትነድድ እያ፤ ምስ ፀላእትኻ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ከሕልፈካ እየ።
15
ሽዑ ኣነ “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ትፈልጥ፤ ዘክረንን ኣድሕነንን፤ ነቶም ዘሳጕጉኒውን ተበቀሎም፤ ኣይትተዓገሶም።
16
ቃልካ ምስ ረኸብኩ በላዕኽዎ፤ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፥ ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፥ ቃልካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኮነኒ።
17
ኣብ ባይቶ መላገፅቲ ኣይተቐመጥኩን፤ ባህውን ኣይበለንን። ብቝጥዓ መሊእኻኒ ኢኻሞ፥ ኣብ ቅድሚ ኢድካ በይነይ ተቐመጥኩ።
18
ስለ ምንታይ ሕማመይ ፀንዐኒ? ስለ ምንታይከ ቝስለይ ዘይሓዊ ኾነ? ኸም መታለሊ ዓይኒ ማይ፥ ከምቲ ነፃፊ ማይዶ ኽትኮነኒ ኢኻ?” በልኩ።
19
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንተ ተመሊስካ፥ ክመልሰካ እየ፤ ኣብ ቅድመይውን ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ዝኸበረ ኻብቲ ሕሱር እንተ ፈሊኻዮ፥ ኣፍ ክትኮነኒ ኢኻ። ንሳቶም ናባኻ ይምለሱ እምበር፥ ንስኻ ናብኣቶም ኣይትምለስን።
20
ነዝ ህዝቢ እዙይ ፅኑዕ ቅፅሪ ነሃስ ክገብረካ እየ። ንሳቶም ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ኣነ ምእንቲ ኸድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም።
21
ካብ ኢድ ክፉኣት ከናግፈካ፥ ካብ ኢድ ሓያላት ከዓ ኽቢዘወካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
← Chapter 14
Chapter 16 →