bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 46
Isaiah 46
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ቤል ተዋረደ፤ ናባው ተሰባበረ፤ ጣዖታቶምውን ኣብ እንስሳን ከፍትን ተፅዓኑ። ነቲ ድኹም እንስሳ ኸቢድ ፆር ኮንዎ።
2
ተጐምበሱ ብሓደውን ተዋረዱ፤ ነቲ ፆር ከድሕንዎ ኣይከኣሉን፤ ንርእሶምውን ተማረኹ።”
3
“ኣቱም ቤት ያእቆብ፥ ኣቱም ተረፍ ቤት እስራኤል ኵልኻትኩም፥ ካብ ማህፀን ዝሓዝኩኹም፥ ካብ እትውለዱ ጀሚረ ዝተሸከምኩኹም ስምዑ።
4
ክሳዕ እርጋንኩም ኣነ እየ፤ ክሳዕ ሲበትውን ክፆረኩም እየ፤ ኣነ ገበርኩኹም፥ ኣነውን ከተስእ እየ፤ ኣነ ኽፆረኩምን፥ ከድሕነኩምን እየ።
5
ብመን ትምስሉኒ ኣለኹም? ምስ መንከ ተመዓራርዩኒ ኣለኹም? ክንመሳሰልስ ምስ መን ተረኣእዩኒ ኣለኹም?
6
ወርቂ ካብ ከረጢት ይዝርግፉ፤ ብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ፤ ምስ ኣንጠረኛ ይወዓዓሉ፤ ንሱውን ኣምላኽ ገይሩ ይሰርሐሎም፤ ንሳቶም ከዓ ይሰግዱሉን የምልኽዎን።
7
ኣልዒሎም ኣብ ማእገሮም ይፆርዎ፤ ኣብ ስፍራኡ ኸዓ የንብርዎ፤ ኣብኡ ይቐውም፥ ካብ ስፍራኡውን ንቕንቕ ኣይብልን። ሰብ ናብኡ እንተ ኣእወየ፥ ኣይምልስን ካብ መከራኡውን ኣየድሕኖን።
8
ነዙይ ዘክሩሞ ኣስተብህሉ፤ ኣቱም ገበነኛታት ናብ ልብኹም ተመለሱ፤
9
ነቲ ናይ ጥንቲ፥ ናይ ቀደም ዘክሩ፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የለን፤ ኣነ ኣምላኽ እየ፤ ዝመስለኒውን የለን።
10
ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ ክኸውን ዘለዎ፥ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኮነ እንተሎ፥ ዝነገርኩ ኣነ እየ፤ ‘ምኽረይ ክቐውም እዩ፤ ኵሉ ፍቓደይውን ክፍፅም እየ’ ዝብል ኣነ እየ።
11
ካብ ምብራቕ መንጣሊ ኣሞራ፥ ካብ ርሑቕ ሃገርውን፥ ምኽረይ ዝገብር ሰብ ክፅውዕ እየ፤ ተዛሪበ ኣለኹ፤ ክገብሮውን እየ።
12
ኣቱም ካብ ፅድቂ ዝረሓቕኩም ህልኸኛታት ስምዑኒ።
13
ፅድቀይ ኣቕርብ ኣለኹ፤ ንሱ ርሑቕ ኣይኮነን፥ ምድሓነይ ከዓ ኣይድንጕን እዩ፤ ድሕነት ኣብ ፅዮን፥ ክብረይ ድማ ንእስራኤል ክህብ እየ።”
← Chapter 45
Chapter 47 →