bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 45
Isaiah 45
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ንዝቐባእኹዎ፥ ህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸግዝአሉ፥ ሕቘ ነገስታት ከፍትሕ፥ ደገታቱ ኸይዕፀዉ፥ መዓፁኡ ኣብ ቅድሚኡ ንኽኸፍት፥ የማነይቲ ኢዱ ንዝሓዝኩዎ ብዛዕባ ቂሮስ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
2
“ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ፥ ንእምባታት ከተኻኽሎ፥ ንማዓፁ ነሃስ ክሰባብሮ እየ፤ ንመሸጐር ሓፂን ድማ ኽቘራርፆ እየ።
3
ኣነ ብስምካ ዝፀዋዕኹኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ፥ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ኣብ ፀልማት ዘሎ መዝገብን፥ ኣብ ስውር ዝተሓብአ ሃብትን ክህበካ እየ።
4
ስለ ባርያይ ያእቆብ፥ ስለ እቲ ዝመረፅክዎ እስራኤል ኢለ፥ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ብቕብጥሮት ስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ግና ኣይፈለጥካንን።”
5
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ካልእ የለን። ንስኻ እንተ ዘይፈለጥካኒ እኳ፥ ሓይሊ ኣዕጠቕኩኻ።
6
እዙይ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣነ ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፥ ብዘይ ዘኣይ ከዓ ኻልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ፥ ምእንቲ ኽፈልጡ ኢለ እየ።
7
ብርሃን ፈጠርኩ፤ ፀልማትውን ፈጠርኩ፤ ምሕረት እገብር፤ መዓት ድማ አምፅእ፤ እዝ ዅሉ ዝገበርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
8
ሰማያት ካብ ላዕሊ ኣንጠብጥቡ፤ ደመናታት ከዓ ፅድቂ የዝንሙ። ምድሪ ትከፈት፥ ድሕነት ተብቍል፤ ፅድቂውን ሓቢሩ ይብቈል፤ እዙይ ዝፈጠርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።”
9
እቲ ምስ ሰራሒኡ ዝከራኸር ስራሕ ወይለኡ፤ ንሱ ኻብቶም ስራሕቲ መሬት ሓደ እዩ፤ ስራሕ መሬትዶ ንሰራሒኡ፥ “እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ይብሎ እዩ? ስራሕኻኸ “ኢድ የብልካን” ይብለካ ድዩ?
10
እቲ ነቦኡ “እንታይ እዩ ዝወለድካዮ?” ንኖኡ ድማ “እንታይ እዩ ዝፀዓርኪዮ?” ንዝብሎም ውሉድ ወይለኡ!
11
እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾነ፥ ፈጣሪኡ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብዛዕባ እቲ ዝመፅእ ጠይቑኒ፤ ብዛዕባ ደቀይን ግብሪ ኢደይን ኣዝዙኒ።
12
ንምድሪ ዝፈጠርኩ፥ ኣብኣ ዘሎ ሰብውን ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፤ ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን፤ ንዅሎም ሰራዊቶምውን ዝእዝዝ ኣነ እየ።
13
ንቂሮስ ብፅድቂ ዘተሳእኽዎ ኣነ ባዕለይ እየ፤ ኵሉ መንገዲ ኸመዓራርየሉ እየ። ውዕለት እንተይተኸፍለ፥ ጉቦ እንተይተቐበለ፥ ንኸተማይ ከም ብሓድሽ ክሓንፃ እዩ፤ ንምሩኻተይ ድማ ብዘይ ክፍሊት፥ ወይ ብዘይ ዋጋ ኽመልሶም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።”
14
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሃብቲ ግብፅን ኢትዮጵያን ናትካ ክኸውን እዩ፤ እቶም ነዊሕ ዝቑመቶም ሰብ ሳባ ኸዓ፥ ንኣኻ ክኾኑ እዮም። ንሳቶም ብሰንሰለት ተኣሲሮም፥ ደድሕሬኻ ኽስዕቡ እዮም። ኣብ ቅድሜኻ ኽሰግዱን፥ ‘ብሓቂ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፤ ብዘይ ንሱ ኻልእ ኣምላኽ ከቶ የለን’ እናበሉ ኽልምኑኻ እዮም።
15
ኦ መድሓኒ ዝኾንካ ኣምላኽ እስራኤል፥ ብሓቂ ንርእስኻ እትስውር ኣምላኽ ኢኻ።
16
እቶም ጣዖታት ዝሰርሑ ዅሎም፥ ክሓፍሩን ክዋረዱን እዮም።
17
ንእስራኤል ግና ብዘለኣለማዊ ምድሓን እግዚኣብሄር ከድሕኖ እዩ፤ ንስኻትኩምውን ንዘለኣለም ኣይትሓፍሩን፥ ኣይትዋረዱን ኢኹም።”
18
ንሰማያት ዝፈጠረ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፤ ንምድሪ እውን ዝፈጠራን ዘመዓራረያን ዘፅንዓን፤ ንሱ መሕደሪ ሰብ ክትከውን እምበር፥ ጥራሓ ክትከውን ዘይፈጠራ፥ ኣምላኽ፥ ከምዙይ ይብል፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።
19
ኣብ ፀልማት ምድሪ ብምስጢር ኣይተዛረብኩን፤ ንዘርኢ ያእቆብ ብኸንቱ ድለዩኒ ኣይበልክዎምን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ፅድቂ እየ ዝዛረብ፤ ፅድቂ እዛረብ፥ ቅኑዕ ዝኾነውን እናገር።”
20
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣቱም ካብ ኣህዛብ ዝሃደምኩም ንዑ፤ ቅረቡውን፤ እቶም ብፅሩብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ጣዖታት ዝፆሩን፥ ከድሕን ንዘይኽእል ጣዖት ዝልምኑ፥ ኣእምሮ የብሎምን።
21
ይናገሩ፤ ይቕረቡን ብሓባር ይማኸሩን፤ ነዝ ነገር እዙይ ካብ ጥንቲ ዘርአየን ዝተናገረን መን እዩ? ኣነ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮንኩን? ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ፃድቕን ዘድሕንን ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ከቶ የለን።”
22
“ኣምላኽ ኣነ እየ፤ ካልእ የለን እሞ፥ ኣቱም ኣብ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ዘለኹም ህዝቢ፥ ናባይ ተመለሱ እሞ ደሓኑ።
23
ቃል ፅድቂ ኻብ ኣፈይ ወፂኡ ኣሎ፤ ኣይምለስንውን እዩ፤ ‘ኵሉ ብርኪ ኽምብርከኸለይ፥ ኵሉ ልሳን ከዓ ብኣይ ክምሕል እዩ’ ኢለ፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ።”
24
“ብዛዕባይ ከዓ ‘ፅድቅን ሓይልን፥ ኣብ እግዚኣብሄር ጥራሕ እዩ ዘሎ’ ኽብሉ እዮም። ኣብ ልዕሊኡ ብቝጥዓ ዝተልዓሉ ዅሎም፥ ናብኡ ኽመፁን ክሓፍሩን እዮም።
25
ኵሎም ዘርኢ እስራኤል ብእግዚኣብሄር ክፀድቁ፥ ብእኡውን ክምክሑ እዮም።”
← Chapter 44
Chapter 46 →