bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 47
Isaiah 47
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፥ ውረዲ፤ ኣብ ሓመድ ከዓ ተቐመጢ፤ ደጊም ምልክዕትን ሕንቅቕትን፥ ኣይትበሃሊን ኢኽሞ፥ ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፥ ብዘይ ዙፋን ኣብ ምድሪ ተቐመጢ።
2
መዲድ ሓዚ እሞ፥ ሕሩጭ ጠሓኒ፤ ጕልባብኪ ቕልዒ፤ ነቲ ወለል ዝብል ዘፈር ክዳንኪ ኣክቢ፤ ደናጉኺ ቐሊዕኺ ፈለግ ተሳገሪ።
3
ዕርቃንኪ ይቀላዕ፤ ሕፍረትኪ ኸዓ ይረአ፤ ኣነ ኽብቀል እየ፤ ንዝኾነውን ኣይርህርህን።”
4
ስም እቲ ተቤዛዊና፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
5
“ኣቲ ባቢሎን፥ ድሕሪ ደጊም ኢተገ መንግስታት፥ ኣይትበሃሊን ኢኺ እሞ፥ ኣብ ፀልማት ኣቲኺ ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ።
6
ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ተቘጢዐ ነይረ፤ ንርስተይውን ተፀየፍኩ፤ ናብ ኢድኪ ድማ ኣሕሊፈ ሃብክዎም፤ ንስኺውን ኣይመሓርክዮምን፤ እኳ ደኣ ኣብቶም ኣረጋውያን፥ ኣርዑትኪ የመና ኣኽበድኪ።
7
ነዙይ ኣብ ልብኺ እንተየንበርኪ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ኽመፅእ ዘለዎውን እንተይሓሰብኪ፥ ‘ኣነስ ንዅሉ ጊዜ ንግስቲ ኾይነ ኽነብር እየ’ በልኪ።”
8
“እምበኣርከስ ኣቲ ሕንቅቕቲ፥ ብልብኺ ‘ኣነ ጥራሕ እየ እምበር፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን፤ ኣነስ መበለት ኣይኸውንን እየ፤ ውሉድ ድማ ኣይስእንን እየ’ እትብሊ ነውራም ነዙይ ስምዒ።
9
ስእነት ውሉድን፥ መበለት ምዃንን፥ ክልቲአን ብሓንቲ መዓልቲ፥ ድንገት ክመፃኺ እየን። ኣስማትኪ እንተ በዝሐ፥ ምዕዛምኪውን እንተ በርትዐ እኳ፥ ብምሉእ ሓይሎም ክመፁኺ እዮም።”
10
“ብኽፍኣትኪ ተኣማሚንኪ፥ ‘ዝሪአኒ የለን’ በልኪ፤ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሓቱኺ፤ ብልብኺውን ‘ኣነ እምበር፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን’ በልኪ።
11
ብምክንያት እዙይ፥ ክፉእ ነገር ክመፀኪ እዩ፤ በስማትኪ ኽተርሕቕዮ ዘይትኽእሊ፥ መከራ ኽወርደኪ እዩ፤ ዘይፈለጥክዮ ጥፍኣት ድማ፥ ድንገት ክመፀኪ እዩ።
12
ምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፤ ምናልባሽውን ንፀላእትኺ እንተ ኣደንገፅክሉስ፥ ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ፥ ዘዘውተርክዮ ጥንቈላኽን ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪ ቑሚ።
13
ኵሉ ዝተመኸርክዮ ምኽሪ፥ መድከሚ ጥራሕ ኮነኪ፤ እቶም ፈላጣት ምልክት ሰማይን፥ እቶም ቈፀርቲ ኸዋኽብትን፥ እቶም ነቲ ኣብ ሰርቂ ወርሒ ዝረኽበኪ ዝነግሩኽን፥ ይተስኡ እሞ እስኪ የድሕኑኺ።”
14
“እንሆ፥ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፤ ሓዊ ኸዓ ኸቃፅሎም እዩ፤ ካብቲ ሓይሊ ሃልሃልታ ሓዊ ዝተልዓለ፥ ንርእሶም ከድሕኑ ኣይኽእሉን፤ እቲ ሓዊ ንሱ ሰብ ዝሞቖ ጓህሪ፥ ወይ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ዝበሃለሉ ሓዊ ኣይኮነን።
15
ኵሉ ዕድል እቶም ዝደኸምክሎም፥ ከምዙይ ክኸውን እዩ፦ እቶም ካብ ንእስነትኪ ጀሚሮም፥ መናግድትኺ ዝነበሩ፥ ነናብ መንገዶም ፋሕ ክብሉ እዮም፤ ከድሕነኪ ዝኽእልውን፥ ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ።”
← Chapter 46
Chapter 48 →