bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 40
Isaiah 40
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኣፀናንዑ፤ ንህዝበይ ኣፀናንዑ” ይብል ኣምላኽኩም።
2
ንልቢ ኢየሩሳሌም ተዛረቡ፤ ዝተቘፀረትሉ ወርሓት ከም ዝተፈፀመ፥ መከራኣ ከም ዝተወድአ፥ በደላ ኸም ዝተሓድገላ፥ ስለ ዅሉ ሓጢኣታ ድማ፥ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ዕፅፊ ኸም ዝተቐበለት ናብኣ ኣውጁ።
3
ድምፂ ኣዋጅ ነጋሪ፥ ከምዙይ ይብል፦ “መንገዲ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ፅረጉ፤ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ኸዓ፥ ንኣምላኽና ፅርጊያ ፅረጉ።
4
ስንጭሮ ዝኾነ ልዕል ይበል፤ ኵሉ እምባታትን ኰረብታታትን ድማ፥ ትሕት ይበል፤ ቀይናን ይቕናዕ፤ ድንጕር ከዓ ሰጥ ዝበለ ሜዳ ይኹን።
5
ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክግለፅ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ኸዓ፥ ሓቢሩ ኽሪኦ እዩ።”
6
ድምፂ፥ “ኣውጅ” በለኒ፤ “እንታይ ኢለ ኽእውጅ” በልኩ። “ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ሳዕሪ እዩ፤ ኵሉ ኽብሩ ኸዓ ኸም ዕምበባ ምድረ በዳ እዩ።
7
እስትንፋስ እግዚኣብሄር ይነፍሶሞ፥ ሳዕሩ ይነቅፅ፤ ዕምበባኡውን ይረግፍ። ብሓቂ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ እዩ።
8
ሳዕሩ ይነቅፅ፤ ዕምበባኡውን ይረግፍ፤ ቃል ኣምላኽና ግና፥ ንዘለኣለም ፀኒዑ ይነብር።”
9
ኣቲ ብስራት እተብስሪ ፅዮን፥ ናብ ነዊሕ እምባ ደዪቢ፤ ኣቲ ብስራት እተብስሪ ኢየሩሳሌም፥ ድምፅኺ የመና ልዕል ኣብሊ፤ ልዕል ኣብሊ፤ ኣይትፍርሒ፤ ንኸተማታት ይሁዳ፥ “እንሆ ኣምላኽኩም ይመፅእ ኣሎ” ኢልኪ ንገሪ።
10
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ብሓይሊ ይመፅእ፤ ብቕልፅሙ ድማ ይገዝእ፤ እንሆ ዋጋኡ ምስኡ እዩ፤ ስራሑውን ኣብ ቅድሚኡ እዩ።
11
ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ የውፍረን፤ ንመሓሲኡ ኣኪቡ ኣብ ሕቝፉ ይስከመን፤ ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ይመርሐን።
12
ንማያት ብሕፍኑ ዝሰፈረ፥ ንሰማያት ከዓ ብስድሩ ዝለክዐ መን እዩ? ንሓመድ ምድሪ ብመስፈሪ ኣኪቡ ዝሓዘ፥ ንእምባታት ብሚዛን፥ ንዀረብታታት ድማ ብሚዛናት ዝመዘነኸ መን እዩ?
13
ንመንፈስ እግዚኣብሄር “ዝኣዘዘ፥ ወይ መኻሪ ኾይኑ ዝመሃሮኸ መን እዩ?
14
ምስ መን ተማኸረ? ወይ መን መኸሮ? ንመንገዲ ፍትሒኸ መን መሃሮ? ንፍልጠትከ መን መሃሮ? መንገዲ ምስትውዓል ዘርኣዮኸ መን እዩ?
15
እንሆ፥ ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣብ ዕትሮ ኸም ዘላ ሓንቲ ነጥቢ ማይ እዮም፤ ኣብ ሚዛን ከም ዘላ መንገፍ እዮም ዝቝፀሩ፤ ንደሴታትውን ከም በነንታ የልዕሎም።
16
ሊባኖስ ንምንዳድ፥ እንስሳኡውን ንዝቃፀል መስዋእቲ ኣይኣኽሉን።
17
ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣብ ቍፅሪ ዘይኣትዉ እዮም፤ ከም ዘይረብሑ ኸም ከንቱ ነገር ይቘፅሮም።
18
ንእግዚኣብሄር ብመን ክትምስልዎ ኢኹም? ምስ መንከ ኽተመዓራርይዎ ኢኹም?”
19
ንዝተቐረፀ ምስሊ በዓል ሞያ እዩ ዝሰርሖ፤ ኣንጠረኛ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፤ ሰንሰለት ብሩር ከዓ ይገብረሉ።
20
እቲ ኽሳዕ ክንድዙይ ከውፅእ፥ ዓቕሚ ዘይብሉ ድኻ ድማ፥ ዘይነቅዝ ዕንፀይቲ ይመርፅ፤ ከም ዘይነቓነቕ ምስሊ ገይሩ፥ ዘቑመሉ ኽኢላውን ይደሊ።
21
ኣይፈለጥኩምን ዲኹም? ወይ ኣይሰማዕኹምን ዲኹም? ካብ ጥንቲዶ እዙይ ኣይተነገረኩምን እዩ? ምድሪ ኻብ እትምስረት ጀሚሩዶ ኣየስተውዓልኩምን ኢኹም?
22
ንሱ እዩ ልዕሊ ኽቢ ምድሪ ዝቕመጥ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኸም ኣንበጣ እዮም፤ ንሰማያት ከም መጋረጃ ይዝርግሖ፤ ንመንበሪ ድማ ኸም ድንኳን ይዝርግሖ።
23
ነሕሉቕ ከም ከንቱ፥ ንፈራዶ ምድሪ ኸዓ ኸም ዘይነበሩ ይገብሮም።
24
ገና ምስ ተተኸሉን ምስ ተዘርኡን፥ ኣብ ምድሪ እውን ሱር ምስ ሰደዱ፥ ንሱ ኡፍ በሎምሞ ነቐፁ፤ ንፋስ ኣውሎ ከዓ ኸም ብቝቡቝ ፀራረጎም።
25
ምስ መን ደኣ ኽተመዓራርዩኒ ኢኹም? ምስ መንከ ኽተመሳስሉኒ ኢኹም? ይብል እቲ ቕዱስ።
26
ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢልኩም ረአዩ፤ ነዚኣቶም ዝፈጠሮም መን እዩ? ንሰራዊቶም ብቝፅሮም ዘውፅኦም፥ ንዅሎምውን በብስሞም ዝፅውዖም ንሱ እዩ፤ ካብ ዕብየት ሓይሉን ካብ ብርትዐ ኽእለቱን ዝተልዓለ፥ ሓደ እኳ ኣይሰኣኖን።
27
ኣታ ያእቆብ፥ ኣታ እስራኤልውን፥ ንምንታይ “መንገደይ ካብ እግዚኣብሄር ተሰዊራ እያ፤ ፍርደይ ድማ ኻብ ኣምላኸይ ሓሊፋ እያ” እትብል? ንምንታይከ ኸምዙይ ኢልካ እትዛረብ?
28
ኣይፈለጥካን ዲኻ፥ ኣይሰማዕኻን ዲኻ? እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ፥ ፈጣሪ ወሰናት ምድሪ እዩ፤ ኣይደክምን፤ ኣይሕለልን፤ ምስትውዓሉውን ኣይምርመርን እዩ።
29
ንሱ ንድኹም ሓይሊ ይህብ፤ ሓይሊ ንዘይብሉ ኸዓ ብርትዐ ይውስኽ።
30
ኣጕባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፤ መንእሰያት ድማ ፈፂሞም ይወድቁ።
31
እቶም ንእግዚኣብሄር ተኣማሚኖም ዝፅበዩ ግና፥ ሓይሎም ይሕድሱ፤ ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፤ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፤ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
← Chapter 39
Chapter 41 →