bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 41
Isaiah 41
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኣቱም ደሴታት፥ ኣብ ቅድመይ ስቕ በሉ፤ ኣህዛብ ከዓ ሓይሎም ይሓድሱ፤ ይቕረቡ እሞ ሽዑ ይዛረቡ፤ ንዑ ሓቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ።”
2
“ካብ ምብራቕ ንሓደ ዘልዓሎ፥ ብፅድቂውን ናብ እግሩ ዝፀውዖ መን እዩ? ንህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኣሕሊፉ ሃቦ፤ ንነገስታትውን ኣግዘአሉ፤ ንሰይፉ ኸም በነንታ፥ ንቐስቱ ኸዓ፥ ንፋስ ከም ዝብትኖ ብቝቡቕ ገይሩ ሃቦም።
3
ሰጐጎም፤ እግሩውን ቀደም ረጊፅዎ ብዘይፈልጥ፥ መንገዲ ብድሕንነት ይሓልፍ።
4
ነዙይ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ? እቲ ንትውልዲታት፥ ካብ ጥንቲ ዝፀውዐኸ መን እዩ? ኣነ እግዚኣብሄር ቀዳማይን፥ ምስቶም ዳሕረዎትውን ዝነብር ኣነ እየ።”
5
“ደሴታት ሪኦም ፈርሑ፤ ወሰናት ምድሪ ተንቀጥቀጡ፤ ቀረቡ፤ በፅሑውን።
6
ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ ይሕግዝ ነበረ፤ ንሓዉውን ‘ኣይዞኻ’ ይብሎ ነበረ።
7
እቲ ሃናፂ ነቲ ኣንጠረኛ የፋጥኖ፤ በያዲ ኸዓ ነቲ ኣብ ወፀቓ ዝቕጥቕጥ ብናይ ምጥባቑ፥ ‘ፅቡቕ እዩ’ እናበለ የበረታትዖ፤ ከይነቓነቕ ከዓ ብሽንካር የፅንዖ።”
8
“ኣታ እስራኤል ባርያይ! ኣታ ያእቆብ ዝሓረኹኻ! ዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊየይ!
9
ኣታ ኻብ ወሰናት ምድሪ ዘምፃእኹኻ፥ ካብቲ የመና ርሑቕ ፀዊዐ ‘ባርያይ ኢኻ፤ ሓርየካ ኣለኹ፥ ኣይሓድገካን’ ዝበልኩኻ፥
10
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
11
እንሆ፥ ኵሎም እቶም ዝቝጥዑኻ፥ ክዋረዱን ክሓፍሩን እዮም፤ መፃርርትኻ ድማ፥ ከም ዘይነበሩ ክኾኑን ክጠፍኡን እዮም።
12
ነቶም ዝበኣሱኻ ኽትደልዮም ኢኻ፥ ግና ኣይትረኽቦምን፤ እቶም ዝዋግኡኻ ድማ፥ ከንቱን ከም ዘይነበሩን ክኾኑ እዮም።
13
ንየማነይቲ ኢድካ ሒዘ፥ ‘ክድግፈካ እየ’ ዝብለካ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየሞ ኣይትፍራሕ።”
14
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣታ ሓሰኻ ያእቆብ፥ ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ኣይትፍርሑ፤ ኣነ ኽሕግዘኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ተቤዛዊኹም ድማ፥ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
15
እንሆ በሊሕ ዘስናኑ ሓድሽ መኼዳ ገይረካ ኣለኹ፤ ንእምባታት ክሳዕ ዝድቈሱ ኽተኺዶም ኢኻ፤ ንዀረብታታት ከዓ፥ ከም ብቝቡቝ ኽትገብሮም ኢኻ።
16
ክተዝርዎም ኢኻ፤ ንፋስ ከዓ ኽወስዶም፥ ንፋስ ኣውሎውን ፀራሪጉ ኽወስዶም እዩ፤ ንስኻውን ብእግዚኣብሄር ክትሕጐስ፥ ብናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኽትምካሕ ኢኻ።
17
ፅጉማትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ፥ ግና ኣይረኽቡን፥ መልሓሶም ከዓ ብፅምኢ ነቐፀ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ክሰምዖም እየ፤ ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይሓድጎምን እየ።
18
ኣብቶም ዝባደሙ ዀረብታታት ውሕጅ፥ ዓይኒ ማያት ከዓ፥ ኣብ ማእኸል ስንጭሮታት ከውሕዝ እየ፤ ንምድረ በዳ፥ ማይ ዝመልኦ ቓላይ፥ ንምድሪ ኣፃምእ ኸዓ፥ ፈልፋሊ ኽገብሮ እየ።
19
ኣብ ምድረ በዳ፥ ዝግባን መሞናን ፀፆን ኣውሊዕን ከብቍል፥ ኣብቲ ኣፃምእ ከዓ፥ ፅሕድን ኦም ሊባኖስን ዝግባን ብሓባር ክተክል እየ።
20
ሽዑ ኢድ እግዚኣብሄር ነዝ ኵሉ ኸም ዝገበረት፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ነዙይ ከም ዝፈጠሮ፥ ሰባት ክሪኡን ክፈልጡን ክሓስቡን፥ ሓቢሮም ከስተውዕሉን እዮም።”
21
“ክስኹም ኣቕርቡ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ መርትዖኹም ከዓ ኣምፅኡ፤ ይብል እቲ ናይ ያእቆብ ንጉስ።
22
ይምፅኡ፥ ነቲ ዝኸውንውን ይንገሩና፤ ልቢ ኽንገብር መወዳእታኡውን ክንፈልጥ፥ እቶም ዝቐደሙ ነገራት፥ እንታይ ከም ዝኾኑ ተናገሩ፤ እቶም ዝመፁውን ኣርእዩና።
23
ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥ፥ ነቲ ድሕሪ ሕዚ ዝኸውን ንገሩና። ርኢና፥ ሓቢርና ምእንቲ ኽንግረመሉ ኸዓ፥ እስኪ ፅቡቕ ወይ ክፉእ ግበሩ።
24
እንሆ፥ ንስኻትኩም ከም ዘይነበርኩም ኢኹም፤ ተግባርኩም ከዓ ብላሽ እዩ፤ እቲ ዝሓረየኩም ድማ ዘፀይፍ እዩ።”
25
“ካብ ሰሜን ንሓደ ኣተሳእኽዎ፤ መፀውን፤ እቲ ኻብ ምብራቕ ፀሓይ ዝመፅእ፥ ስመይ ዝፅውዕ እዩ፤ ከምቲ ሰራሒ መሬት ንጭቃ ዝረግፆ፥ ንሱ ኸዓ ነሕሉቕ ከም መሬት ይረግፆም።
26
ንሕና ኽንፈልጦ፥ ሓቂ እዩውን ምእንቲ ኽንብልስ፥ ካብ ጥንቲ ኣቐዲሙ፥ እዙይ ክኸውን ከም ዘለዎ፥ ዝተናገረ መን እዩ? ዝተናገረ የለን፥ ዝገልፅውን የለን፤ ቃልኩም ዝሰምዐውን የለን።
27
ቅድሚ ዅሉ ንፅዮን፥ ‘እኒሀዉልኪ እዚኣቶም’ ክብል እየ፤ ንኢየሩሳሌም ከዓ፥ ብስራት ዝነግር ክህብ እየ።
28
እንተ ጠመትኩ፥ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ማእኸሎም መማኸሪ የለን፤ እንተ ጠየቕክዎም ድማ፥ መልሲ ኽህብ ዝኽእል የለን።
29
እንሆ ዅላቶም ከንቱ እዮም፤ ተግባሮም ከዓ ብላሽ እዩ፤ እቶም መኺኾም ዝተሰርሑ ጣዖታቶምውን፥ ንፋስን ከንቱን እዮም።”
← Chapter 40
Chapter 42 →