bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 39
Isaiah 39
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በታ ጊዜ እቲኣ መሮዳክ፥ ወዲ ባልዳን ንጉስ ባቢሎን፥ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝሓወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ መልእኽትን ገፅ በረኸትን ሰደደሉ።
2
ሕዝቅያስ ድማ ብኣኣቶም ተሓጐሰ እሞ፥ ነቲ ቤት መዛግብቱ፥ ንብሩርን ወርቅን ቀመማ ቐመምን፥ ነቲ ኽቡር ዘይትታትን፥ ንዅሉ ቤት ኣፅዋርን፥ ነቲ ኣብ መዝገቡ ዝፀንሐ ዅሉን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱን ኣብ መንግስቱን ካብ ዝነበረ፥ ሕዝቅያስ ዘየርኣዮም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
3
ሽዑ ነቢይ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ መፂኡ “እዞም ሰባት እንታይ በሉኻ? ካበይከ መፁ?” በሎ። ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ “ኻብ ርሑቕ ሃገር፥ ካብ ባቢሎን ዝመፁ እዮም” በሎ።
4
ኢሳይያስ ከዓ “ኣብ ቤትካኸ እንታይ ረአዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ድማ “ኣብ ቤተይ ዘሎ ዅሉ ሪኦም እዮም። ካብቲ ኣብ መዝገበይ ዘሎ ዅሉ ዘየርአኽዎም ሓደ እኳ የለን” ኢሉ መለሰሉ።
5
ሽዑ ኢሳይያስ ንሕዝቅያስ “ንቓል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ስማዕ፦
6
እንሆ፥ ነቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ ሎሚ ዝኣከብዎ፥ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዅሉ፥ ሓደ እኳ እንተይተረፈ፥ ናብ ባቢሎን ዝወስዱለን መዓልቲታት ክመፃ እየን ይብል እግዚኣብሄር።
7
ካባኻ ዝውለዱ ደቅኻ ኸዓ፥ ናብ ስደት ክውሰዱ እዮም እሞ፥ ስሉባት ኮይኖም ኣብ ቤት ንጉስ ባቢሎን ከገልግሉ እዮም” በሎ።
8
ሕዝቅያስ ከዓ ደጊምስ ብዘመነይ ሰላምን ሓቅን ክኸውን እዩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ፥ ንኢሳይያስ “እቲ ዝተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ፅቡቕ እዩ” በሎ።
← Chapter 38
Chapter 40 →