bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 38
Isaiah 38
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በቲ ዘመን እቱይ ሕዝቅያስ ንሞት ክሳዕ ዝበፅሕ ሓመመ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ከዓ ናብኡ መፂኡ፥ “እግዚኣብሄር ‘ክትመውት ኢኻ እምበር ብህይወት ኣይትነብርን ኢኻሞ፥ ቤትካ ኣመዓራሪ’ ይብለካ ኣሎ” በሎ።
2
ሽዑ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ፥ ናብ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ፀለየ።
3
“ኦ እግዚኣብሄር፥ ብሓቅን ብፍፁም ልብን ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዝተመላለስኩን፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሰናይ ከም ዝገበርኩን ዘክር” በለ። ሕዝቅያስ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ።
4
ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኢሳይያስ መፀ፦
5
“ኪድ እሞ ንሕዝቅያስ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዳዊት ኣቦኻ፥ ፀሎትካ ሰሚዐ፤ ንብዓትካውን ሪአ፤ እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻ፥ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ክውስኸልካ እየ።
6
ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን፥ ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፤ ነዛ ኸተማውን ክከላኸለላ እየ፥ ይብል ኣሎ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
7
“እግዚኣብሄር ንዝተናገሮ ቓል ከም ዝፍፅሞ፥ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር ምልክት ይኹነልካ።
8
እንሆ፥ ነቲ ኣካዝ ኣብ ዝሰርሖ ናይ ፅላሎት መለለዪ ሰዓት፥ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ክመልሶ እየ።” ፀሓይ ከዓ በቲ ናይ ፅላሎት መለለዪ ሰዓት፥ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ኣቢላ ተመልሰት።
9
ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ሓሚሙ ነይሩ ምስ ሓወየ፤ ዝፀሓፎ ፅሑፍ እዙይ እዩ፦
10
ኣነ “ኣብ ማእኸል መዋእል ህይወተይ እንተለኹ፥ ናብ ደገታት ሲኦል ክኸይድ ድየ? ነተን ዝተረፋ ዓመታተይ ክስእን ድየ?” በልኩ።
11
ደጊም “ኣብ ምድሪ ህያዋን ኮይነ፥ ንእግዚኣብሄር ኣይሪኦን እየ፤ ምስቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩ ዘለዉ ኾይነ፥ መሊሰ ሰብ ኣይርእን እየ” በልኩ።
12
መሕደሪየይ ተነቐለት፤ ከም ድንኳን ጓሳ ኸዓ ኻባይ ተወሰደት፤ ህይወተይ ከም ኣላማይ ጠቕለልኩ፤ ንሱውን ካብ መጠቕለሊ ኽቘርፀኒ እዩ፤ ካብ ንግሆ ክሳዕ ምሸት ክተጥፍአኒ ኢኻ።
13
ክሳዕ ዝወግሕ ሃዲአ ተፀበኹ፤ ንሱ ግና ኸም ኣንበሳ፥ ንዅሉ ኣዕፅምተይ ሰባበሮ፤ ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ክተጥፍአኒ ኢኻ።
14
ከም ለዃዂቶን ከም ራዛን ጭቝጭቝ በልኩ፤ ከም ርግቢውን ቈዘምኩ፤ ኣዒንተይ ናብ ላዕሊ ብምጥማት ደኸማ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ እጭነቕ ኣለኹሞ ዋልታ ኹነኒ።
15
እንታይ እሞ ኽብል እየ፤ ንሱ ተዛሪቡኒ ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ገበሮ፤ ብዛዕባ ምረት ነፍሰይ ብዅለን ዓመታተይ፥ ብህድኣት ክመላለስ እየ።
16
ኦ ጐይታ፥ ሰብ በዝ ኸምዙይ እዩ ብህይወት ዝነብር፤ ህይወት መንፈሰይ ከዓ በዝ ዅሉ እዩ፤ ኣሕውየኒ፤ ህይወትውን ምለሰለይ።
17
እንሆ፥ እዝ ዓብዪ ጭንቂ እዙይ ንሰላመይ ኮነ፤ ንነፍሰይ ኣፍቂርካ፥ ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ኣናገፍካያ፤ ንስኻ ንዅሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሬኻ ደርበኻዮ።
18
ሲኦል ኣየመስግነኻን እዩሞ፥ ሞትውን ኣየኽብረካንሞ፥ እቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ብሓቅነትካ ተስፋ ኣይገብሩን እዮም።
19
ከምቲ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘለኹ፥ እቶም ህያዋን ንሳቶም የመስግኑኻ፤ ንስኻ እሙን ከም ዝኾንካ፥ ወለዲ ንደቆም የፍልጥዎም።
20
እግዚኣብሄር እዩ ዘድሕነኒ፤ ስለዙይ ብዅሉ መዓልቲታት ህይወትና፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ንመዝሙራት ብመሰንቆ ኽንዝምሮ ኢና።
21
ኢሳይያስ ድማ “ጎጎ በለስ ገይሮም ነቲ ዝሓበጠ ይለብጥዎ፤ ንሱውን ክሓዊ እዩ” ኢሉ ነበረ።
22
ሕዝቅያስ ድማ “ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብስ ምልክቱ እንታይ እዩ?” ኢሉ ነበረ።
← Chapter 37
Chapter 39 →