bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 37
Isaiah 37
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይውን ኮነ፦ ንጉስ ሕዝቅያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ኸዓ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ።
2
ንኤልያቄም ኣዛዚ ቤተ መንግስትን፥ ንሳምናስ ፀሓፍን፥ ነቶም ሽማግለታት ካህናትን፥ ወጮ ተኸዲኖም ናብ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ክኸዱ ለኣኾም።
3
ንሳቶም ድማ ንኢሳይያስ፥ ሕዝቅያስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ መዓልቲ ጭንቀትን ዘለፋን ውርደትን እያ። ቈልዑ ዝውለዱሉ ጊዜ በፂሑ፤ ንምውላድ ግና ሓይሊ የለን።
4
ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ፥ ነቲ ንህያው ኣምላኽ ክፃረፍ ዝለኣኾ፥ ናይ ራፋስቂስ ፀርፊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰሚዑ፥ ነቲ ዝተፃረፈ ይቐፅዖ ይኸውን። ንስኻ ኸዓ ምእንቲ እቲ ተሪፉ ዘሎ ተረፍ ፀሎት ግበር።”
5
እቶም ኣገልገልቲ ንጉስ ሕዝቅያስ ከዓ ናብ ኢሳይያስ ከዱ።
6
ኢሳይያስ ድማ “ንጐይታኹም፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘በተን ሓሻኽር ንጉስ ኣሶር ንኣይ ዝፀረፉለን፥ ንስኻውን ዝሰማዕኻየን ቃላት ኣይትፍራሕ።
7
እንሆ፥ ወረ ሰሚዑ ናብ ሃገሩ ምእንቲ ኽምለስ፥ መንፈስ ክሰደሉ እየ፤ ኣብኡ ኸዓ ብሰይፊ ኸም ዝመውት ክገብሮ እየ’ በልዎ” በሎም።
8
ሽዑ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሶ ከም ዝተልዓለ፥ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ ራፋስቂስ ተመሊሱ ኣብ ልብና እናተዋግአ ረኸቦ።
9
ሰናክሬም፥ “ቲርሃቅ ንጉስ ኢትዮጵያ ኽዋግአካ ይመፅእ ኣሎ” ዝብል ወረ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦
10
ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ፦ “እቲ እትተኣማመነሉ ዘለኻ ኣምላኽካ ‘ኢየሩሳሌም ናብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ’ እናበለ ኣየስሕትካ።
11
እንሆ፥ ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራት፥ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእወን ሰሚዕኻ ኣለኻ፤ ንስኻ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኽትድሕን እትኽእል?
12
ኣቦታተይ፥ ንኸተማታት ጎዛንን ካራንን ራፊስን ነቶም ኣብ ተላሳር ዝነበሩ ደቂ ኤደንን፥ ኣማልኽቶምዶ ኣድሒኖምዎም እዮም?
13
ንጉስ ሃማትን ንጉስ ኣርፋድን ንጉስ ከተማ ሴፈርዋይምን ንጉስ ሄናን ኢዋንከ ኣበይ ኣለዉ?”
14
ሕዝቅያስ ከዓ ነታ መልእኽቲ፥ ካብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ደየበ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ዘርግሓ።
15
ሕዝቅያስ ከምዙይ እናበለ ኸዓ፥ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ፦
16
“ኦ ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጥካ ዘለኻ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣምላኽ ኵለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ።
17
ኦ እግዚኣብሄር፥ እዝንኻ ፅሎ እሞ ስማዕ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ ረአ፤ ነተን ሰናክሬም ንኣኻ ንህያው ኣምላኽ ክፀርፍ ኢሉ፥ ዝለኣኸን ኵለን ቃላት ስምዓየን።
18
ኦ እግዚኣብሄር፥ ነገስታት ኣሶር፥ ንዅለን ሃገራትን ምድሮምውን ከም ዘዕነዉ፥ ሓቂ እዩ።
19
ንኣማልኽቶም ድማ ናብ ሓዊ ደርበይዎም፤ ንሳቶም ስራሕ ኢድ ሰብ፥ ዕንፀይትን እምንን እዮም እምበር፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን፤ ስለዙይ ኣጥፍእዎም።
20
ሕዚ ግና፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ኵለን መንግስታት ምድሪ፥ ንስኻ በይንኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃንካ ምእንቲ ኽፈልጣስ፥ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።”
21
ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ናብ ሕዝቅያስ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “እቲ ብዛዕባ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ” እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥
22
ብዛዕባኡ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እታ ድንግል ጓል ፅዮን፥ ንዒቓትካን ኣባጪያትልካን ኣላ፤ ጓል ኢየሩሳሌም ድማ፥ ብድሕሬኻ ርእሳ ትንቕንቐልካ ኣላ።
23
ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን ዝፀረፍካዮን? ድምፅኻኸ ኣብ ልዕሊ መን ኢኻ ዘልዓልካ? ኣዒንትኻኸ ንመን ኢኻ ዘፍጠጥካሉ? ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።”
24
ሓሽከርካ ልኢኽካ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢልካ ፀረፍካዮ፤ “ብብዝሒ ሰረገላታተይ ናብ ርእሲ እምባታት፥ ኣብ ዓቐበት ሊባኖስ ደዪበ ነቲ ፀፅቡቕ ፅሕድታቱን ንነዋሕቲ ኣእዋሙን ክቘርፆ እየ። ናብቲ ላዕለዋይ ጫፉን፥ ናብቲ ዕሙር ዱሩን ክበፅሕ እየ።
25
ኵዒተ ማይ ሰተኹ፤ ብኸብዲ እግረይ ንዅሉ ሩባታት ግብፂ ኸንፅፎ እየ” እናበልካ ተዘሃርካ።
26
“ነዙይ ካብ ቀደም ከም ዘዳለኽዎ፥ ካብ ጥንቲ ኸዓ ኸም ዝገበርክዎ ኣይሰማዕኻን ዲኻ? ሕዚ ኸዓ፥ እንሆ ኽፍፅሞ እየ፤ ንስኻ ነተን ዕሩዳት ከተማታት ኣፍሪስካ፥ ኵምራ ዑናታት ክትገብረን ገበርኩኻ።
27
እቶም ኣብኣተን ዝነብሩ፥ ሰነፉን ደንገፁን ተሃወኹን፤ ከም ሳዕሪ በረኻን፥ ከም ልሙዕ ቘፅልን፥ ከም ሳዕሪ ናሕስን፥ ከምቲ እንተይበቘለ ዝሃጕጕ ዘርእን ኮኑ።
28
“ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውፃእኻን ምእታውካን ኣብ ልዕለይ ከም ዝተቘጣዕኻን እፈልጥ።
29
ቍጥዓኻን ድፍረትካን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበፅሐ፥ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይ፥ ኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ከእቱ እየ፤ በታ ዝመፃእኻላ መንገዲውን ክመልሰካ እየ።
30
“እዙይ ከዓ ምልክት ይኹንካ ‘በዝ ዓመትዙይ ካብቲ ባዕሉ ዝበቘለ ቐሪም፥ ንዓመታ ኸዓ በልጊ ኽትበልዑ ኢኹም፤ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ፥ ክትዘርኡን ክትዓፅዱን ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሉን ኢኹም እሞ፥ ፍረኡ ኽትበልዑ ኢኹም።
31
እቲ ዘምለጠ ተረፍ ቤት ይሁዳ፥ ሱሩ ንታሕቲ ኽሰድድ፥ ኣብ ላዕሊውን ክፈሪ እዩ።
32
ተረፍ ካብ ኢየሩሳሌም፥ ተረፍ ከዓ ኻብ እምባ ፅዮን ዘምለጡ ኽወፁ እዮም። ነዙይ ቅንኣት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ።’
33
“ስለዙይውን ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ‘ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣቱን፤ ፍላፃ ኸዓ ኣይውርውረላን፤ ዋልታ መኪቱ ኣይመፃን፤ ብቕፅሪውን ኣይኸባን እዩ።
34
በታ ዝመፀላ መንገዲ ኽምለስ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣውን ኣይኣቱን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
35
ምእንቲ ርእሰይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ንኸድሕና ኽከላኸለላ እየ’ ይብል ኣሎ” በሎ።
36
መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ኣሶራውያን ከይዱ፥ ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፤ እንሆ ኣብ ኵሉ፥ ሬሳታት ፀንሕዎም።
37
ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ድማ፥ ስፍራኡ ሓዲጉ ኸደ፤ ናብ ነነዌ ተመሊሱ ኸዓ ተቐመጠ።
38
ኣብ ቤት ናስራኽ ኣምላኹ ኽሰግድ እንተሎ፥ ደቁ ኣድራማሌክን ሳራሳርን ብሰይፊ ቐተልዎ፤ ናብ ምድሪ ኣራራት ከዓ ሃደሙ። ኤሳር ሃዶን ወዱ ድማ ተኪኡ ነገሰ።
← Chapter 36
Chapter 38 →