bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 30
Isaiah 30
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንዓመፀኛታት ደቂ ወይለኦም! ይብል እግዚኣብሄር፤ “ካባይ ዘይኮነ ምኽሪ መኸሩ፤ ሓጢኣትውን ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ምእንቲ ኽውስኹ፥ ካብ መንፈሰይ ዘይኮነ ቓል ኪዳን ይተኣታተዉ።
2
ቃል ኣፈይ እንተይጠየቑ፥ ብሓይሊ ፈርዖን ክፀንዑ፥ ብፅላል ግብፂ ምእንቲ ኽፅግዑ፥ ናብ ግብፂ ይወርዱ ኣለዉ።
3
ግና ሓይሊ ፈርዖን መነወሪኹም፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ግብፂ ምፅጋዕኹም ድማ ፀርፊ ክኾነኩም እዩ።
4
እቶም ኣሕሉቖም ኣብ ጣኔዎስ፥ ልኡኻቶምውን ኣብ ሓኔስ እንተ በፅሑ፥
5
ኵላቶም ክጠቕምዎ ስለ ዘይኽእሉ፥ ሕፍረትን ፀርፍን እምበር፥ ረድኤትን ረብሓን ስለ ዘይኮኑ፥ ህዝቢ ኽሓፍሩ እዮም።”
6
ብዛዕባ ኣብ ደቡብ ዘለዉ እንስሳታት ዝተነግረ ፆር። “በታ ተባዕታይን፥ ኣንስተይትን ኣናብስን መንደላይ ተመንን ዝነፍር ገበልን ዘለዋ፥ ምድሪ መከራን ጭንቅን ኣቢሎም፥ ንሃብቶም ኣብ ዝባን ኣድጊ፥ ንመዛግብቶም ከዓ ኣብ ምንጕዳ ኣግማል ፅዒኖም፥ ሓንቲ እኳ ናብ ዘይጠቕሞም ህዝቢ ይወስዱሉ ኣለዉ።
7
ግብፂ እትህቦ ሓገዝ ብላሽ እዩ፤ ስለዙይ ‘ስማ ረዓብ፥ ስቕ ኢላ እትቕመጥ’ ኢለ ፀዋዕኽዋ።”
8
እምበኣር ኪድ እሞ “ኣብ ቅድሚኣቶም ኣብ ሰሌዳ ፀሓፎ፤ ንዝመፅእ ዘመንን ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ምእንቲ ኽነብር፥ ኣብ መፅሓፍ ፀሓፎ” በለኒ።
9
ንሳቶም ዓመፀኛ ህዝቢ፥ ሓሰውቲ ውሉድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዘይደልዩ ውሉድ እዮምሞ።
10
ነቶም ራእይ ዝሪኡ “ራእይ ኣይትርኣዩ” ንነቢያትውን “ቅኑዕ ትንቢት ኣይትነበዩልና፤ ዘሐጕስ ደኣ ንገሩና፤ ጥበራውን ተነበዩልና።
11
ካብ ጐደና ኣግልሱ፤ ካብ መንገዲውን ረሓቑ፤ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ካብ ቅድሜና ኣርሕቑ” ይብሉ።
12
ስለዙይ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዙይ ይብል፦ “ንቓለይ ንዒቕኩም፥ ኣብ ዓመፅን ክድዓትን ተወኪልኩም፥ ንእኡ መፀግዒ ኻብ ገበርኩም፥
13
እዝ በደል እዙይ ከምቲ ኽወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፥ ከምቲ ብድንገትን ብቕፅበትን ክፈርስ ዝዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ክኾነኩም እዩ።
14
ከምቲ መፅሓሪ ሓዊ ወይ መቕድሒ ማይ ዝኸውን፥ ገልዒ ዘይርከቦ ሓሸምሸም ኢሉ ዝስበር ዕትሮ፥ ብዘይ ምሕረት ኽሰባበር እዩ።”
15
እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ብምምላስን ብምዕራፍን ክትድሕኑ ኢኹም፤ ብህድኣትን ብምትእምማንን፥ ሓይሊ ክኾነልኩም እዩ፤” ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
16
እኳ ደኣ በፍራስ ተቐሚጥና ኢና በልኩም። ስለዙይውን ክትሃድሙ ኢኹም፤ መሊስኩም ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ክንቕመጥ ኢና በልኩም፤ እንተ ኾነ እቶም ዘሳጕጉኹም ዝቐልጠፉ ክኾኑ እዮም።
17
ብምፍርራሕ ሓደ ሰብኣይ፥ ካባኻትኩም ሽሕ ሰባት ክሃድሙ እዮም። ኣብ ልዕሊ ጫፍ እምባ ኸም ዝተተኸለ፥ ኣብ ልዕሊ ዀረብታ ኸም ዝቖመ ምልክት ኴንኩም ክሳዕ እትተርፉ፥ ኵልኹም ክትሃድሙ ኢኹም። ካብ ምፍርራሕ ሓሙሽተ ሰባት ዝተልዓለ ኽትሃድሙ ኢኹም።
18
እግዚኣብሄር ግና ምእንቲ ኽምሕረኩም ይዕገስ ኣሎ፤ ክርህርሀልኩምውን ክለዓል እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእኡ ተኣማሚኖም ዝፅበይዎ ብፁኣን እዮም።
19
ኣታ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ፅዮን እትነብር ህዝቢ! ኻብ ደጊም ኣይትበክን ኢኻ። ናብኡ ኽተእዊ እንተለኻ ኽርህርሀልካ እዩ፤ ምስ ሰምዐካውን ክምልሰልካ እዩ።
20
እግዚኣብሄር ናይ ጭንቀት እንጀራን፥ ናይ መከራ ማይን እንተ ሃበካ እኳ፥ መምህርካ ደጊም ካባኻ ኣይስወርን፤ ኣዒንትኻውን ንመምህርካ ኽሪኣ እየን።
21
ንየማን ወይ ንፀጋም እንተ ኣግለስካ፥ ብድሕሬኻ “እታ መንገዲ እዚኣ እያ ብኣኣ ኺድ” ዝብል ድምፂ ኣእዛንካ ኽሰምዓ እየን።
22
ነቲ ብብሩር ዝተለበጠን ኣብ ወርቂ ዝጠለቐን ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ጣዖታትካ ክተርክሶ፥ ከም ርኹስ ነገርውን ክትጕሕፎን “ወጊድ ካብዙይ ረሓቕ” ክትብሎን ኢኻ።
23
ንሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእኻዮ ዘርኢ፥ ዝናም ክህብ እዩ፤ ካብ ምድሪ ዝርከብ እንጀራ ድማ፥ ጥዑምን ሕልፍን ትርፍን ክኸውን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከብትኻ ኣብ ሰፋሕቲ ሰውሕታት ክጓሰያ እየን።
24
እቶም ንምድርኻ ዝሓርሱ ኣብዑርን ኣእዱግን ከዓ፥ ብመስአን ብሰፍእን ዝፀረየ፥ ጨው ዝጥዕም ጕርዲ ኽበልዑ እዮም።
25
በታ ዕርድታት ዝወድቁላ፥ ዓባይ መዓልቲ ህልቀት፥ ካብ ኵለን ነዋሕቲ እምባታትን በረኽቲ ዀረብታታትን፥ ሩባታትን ወሓዝትን ክውሕዙ እዮም።
26
በታ እግዚኣብሄር ንስብራት ህዝቡ ዝፅግነላ፥ ንቝስሊ መውቃዕቱ ዝፍውሰላ መዓልቲ፥ እቲ ብርሃን ወርሒ፥ ከም ብርሃን ፀሓይ ክኸውን፥ ብርሃን ፀሓይ ድማ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ከም ብርሃን ሸውዓተ መዓልቲ ክኸውን እዩ።
27
እንሆ ስም እግዚኣብሄር ምስ ዝነድድ ቍጥዓኡን፥ ምስ ዝዕብልኽ ትክን ካብ ርሑቕ ይመፅእ ኣሎ፤ ከናፍሩ ብቝጥዓ ዝመልኣ፥ መልሓሱ ኸዓ ኸም ዘቃፅል ሓዊ እዩ።
28
እስትንፋሱ ኸምቲ ንዅሉ ፀራሪጉ ዝወስድ፥ ክሳዕ ክሳድ ድማ ኸም ዝበፅሕ ምልኣት ማይ ውሕጅ እዩ፤ ንሱ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ብመንፊት ጥፍኣት ይነፍዮም፤ ኣብ ምንጋጋ ህዝብታት ድማ፥ ዘጋጊ ልጓም ከእቱ እዩ።
29
ንስኻትኩም ግና ኸምታ ቅዱስ በዓል ዝበዓለላ ለይቲ ኽትዝምሩ ኢኹም። ከምቲ ኣብ እምባ እግዚኣብሄር ናብቲ ኰዅሒ እስራኤል፥ ብቓና እምብልታ ኽድይቡ እንተለዉ፥ ከምኡ ናይ ልቢ ደስታ ክኾነልኩም እዩ።
30
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኽቡር ድምፁ ኸስምዕ እዩ። ምውራድ ቅልፅሙ ኸዓ ብቝጥዓኡን፥ ብዝነድድ ሃልሃልታ ሓዊን፥ ብንፋስ ኣውሎን ፀፍዕን ነጐድጓድን፥ በእማን በረድን ከርኢ እዩ።
31
ኣሶርውን ብበትሪ ኻብ ዝወቕዖ ኻብ ድምፂ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ ኽድንግፅ እዩ።
32
ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ዘውረደሉ ናይ በትሪ መቕፃዕቲ፥ ብኸበሮን ብመሰንቆን ክኸውን እዩ። ኣብ ውግእውን ቅልፅሙ ኣልዒሉ፥ እግዚኣብሄር ክዋግኦም እዩ።
33
ቶፌት ዝተብሃለ መቃፀሊ ቦታ፥ ካብ ቀደም ጀሚሩ ተዳልዩ ኣሎ፤ ነቲ ንጉስውን ተዳልዩ ኣሎ፤ ንሱ ዓሚቝን ሰፊሕን ገይርዎ ኣሎ፤ ኣብኡ ኸዓ ሓዊን ብዙሕ ዕንፀይትን ተዀሚሩ ኣሎ። ናይ እግዚኣብሄር እስትንፋስውን ከም ፈሳሲ ዲን ከቃፅሎ እዩ።
← Chapter 29
Chapter 31 →