bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 29
Isaiah 29
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣቲ ዳዊት ዝሰፈረኪ ኸተማ ኣርኤር፥ ወይለኺ! ዓመት ኣብ ዓመት ወስኹ፤ በዓላትውን ይመለሱ።
2
ኣነ ንኣርኤር ከጨንቐላ እየ፤ ዋይ ዋይታን ቍዘማን ክኾና እዩ። ንሳውን ከም ኣርኤር ክትኮነኒ እያ።
3
ኣነ ኣብ ዙርያኺ ኽሰፍር እየ፤ ብቕፅሪ ኸቢበ ኸጨንቐኪ፥ ኣብ ልእሌኺውን ዕርዲ ኽቐውም እየ።
4
ሽዑ ኽትዋረዲ፥ ኣብ ምድሪ ዄንኺ ኽትዛረቢ ኢኺ፤ ቃልኪውን ትሕት ኢሉ ኻብ ሓመድ ክወፅእ፥ ድምፅኺውን ካብ መሬት ከም ዝወፅእ፥ ድምፂ ፀዋዒ መናፍስቲ ክኸውን እዩ፤ ቃልኪ ድማ ኻብ ሓመድ ሕሽዅሹኽ ክብል እዩ።
5
ብዝሓት ፀላእትኺ ግና ኸም ልሑም በነንታ፥ እቶም መጨነቕትኺ ኸዓ ኸም ዝሓልፍ ብቝቡቕ ክኾኑ እዮም፤ እዙይውን ብድንገት ክኸውን እዩ።
6
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ብነጐድጓድን ብምንዋፅ ምድርን፥ ብብርቱዕ ሞገድን ብኣውሎ ንፋስን፥ ብፀፍዒ ማይን ብዘቃፅል ሃልሃልታ ሓዊን፥ ናባኺ ኽመፅእ እዩ።
7
ሽዑ ብዝሒ እቶም ኣብ ልዕሊ ኣርኤር ዝለዓሉ ዅሎም ኣህዛብ፥ ብዝሒ ዅሎም እቶም ንኣኣን ንዕርዳን ዝወግኡን ዘጨንቕዋን፥ ከም ሕልምን ከም ራእይ ለይትን ክኸውን እዩ።
8
ኵሎም እቶም ንእምባ ፅዮን ዝወግኡ ኣህዛብ፥ ከምቲ ጥሙይ ብሕልሙ ዝበልዕ፥ ግና ጥራሕ ከብዱ ዝነቅሕ፥ ከምቲ ፅሙእ ብሕልሙ ዝሰቲ፥ ግና ብፅምእቲ ነፍሱ ዝትስእ፥ ክኾኑ እዮም።
9
ተደነቑን ተገረሙን፤ ተዓመቱን ዕዉራትውን ኩኑ፤ ስኹራት እዮም ግና ብወይኒ ኣይኮነን።
10
እግዚኣብሄር፥ መንፈስ ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑልኩም እዩ እሞ፥ ነዒንትኹም ደፈነ፤ ንነቢያትን ንመራሕትኹምን ንሰብ ራእይን ከዓ ኣዐመቶም።
11
ኵሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መፅሓፍ ኮይንኩም ኣሎ፤ ንሓደ ንባብ ዝፈልጥ “በይዛኻ እስኪ እዙይ ኣንብበልና” ኢሎም እንተ ሃብዎ፥ ንሱ “ሕቱም ስለ ዝኾነ፥ ከንብቦ ኣይክእልን” ይብሎም።
12
ንሓደ ንባብ ዘይፈልጥ ከዓ “እንካ እስኪ ነዙይ ኣንብብ” ኢሎም እንተ ሃብዎ፥ ንሱውን “ምንባብ ኣይክእልን እየ” ይብሎም።
13
እግዚኣብሄር ከዓ በለ፦ “እዝ ህዝቢ እዙይ ብኣፉ ይቐርበኒ፤ ብኸናፍሩውን የኽብረኒ፤ ልቡ ግና ኻባይ ዝረሓቐ እዩ። ብናይ ሰብ ስርዓትን ትምህርትን እዩ ዝፈርሐኒ።
14
ስለዙይ ኣብ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ዘደንቕ ተግባርን ተኣምራትን፥ ወሲኸ ኽገብር እየ። ጥበብ እቶም ጥበበኛታት ክጠፍእ፥ ምስትውዓል እቶም መስተውዓልቲውን ክስወር እዩ።”
15
እቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዝሓብኡ፥ ተግባሮም ከዓ ብፀልማት ዝገብሩ እሞ “መን ይሪአና? መንከ ይፈልጠና?” ዝብሉ ወይለኦም!
16
እዙይ ናታትኩም ቀይናንነትዶ ኣይኮነን? ከም ሰራሒ መሬትዶ እትቝፀሩ ኣይኮንኩምን? ስሩሕዶ ንሰራሒኡ “ንስኻ ኣይሰራሕኻንን” ይብሎ እዩ? ወይ እቲ እተገብረ፥ ንገባሪኡዶ “ኣይተስተውዕልን ኢኻ” ይብሎ እዩ?
17
ዱር ሊባኖስ ናብ ፍርያም ግራት ክልወጥ፥ እቲ ፍርያም ግራት ከዓ ኸም ዱር ክቝፀር፥ ቁሩብ ጊዜዶ ኣይኮነን ተሪፉ ዘሎ?
18
በታ መዓልቲ እቲኣ ፀማማት ንቓል እቲ መፅሓፍ ክሰምዑ፥ እተን ኣብ ፅልግልግን ፀልማትን ዝነበራ፥ ኣዒንቲ ዕዉራት ከዓ ኽሪኣ እየን።
19
እቶም ትሑታት ብእግዚኣብሄር ደስ ክብሎም እዩ፤ ኵሎም እቶም ኣብ ማእኸል ሰብ ዘለዉ ድኻታት ከዓ፥ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክሕጐሱ እዮም።
20
ጨካናት ድሕሪ ደጊም ኣይህልዉን እዮም፤ እቶም መላገፅቲ ኽጠፍኡ፥ ንኽፍኣት ዘድብዩ ዅሎም ክውገዱ እዮም።
21
እቶም ንሰብ ብነገር በደለኛ ዝገብርዎ፥ ነቲ ኣብ ደገ ዝግስፅ ድማ መፈንጠር ዘፃውዱሉ፥ ነቲ ፃድቕ ብኸንቱ ዘስሕትዎ ኽጠፍኡ እዮም።
22
ስለዙይ እቲ ንኣብርሃም ዝተቤዘዎ እግዚኣብሄር፥ ንቤት ያእቆብ ከምዙይ ይብል፦ “ደጊምስ ያእቆብ ኣይሓፍርን፥ ገፁውን ኣይፅምሉን እዩ።
23
ነቶም ኣነ ዝሃብክዎ ደቁ ምስ ረአየ ግና፥ ሽዑ ንሳቶም ንስመይ ክቕድሱ፥ ነቲ ናይ ያእቆብ ቅዱስ ድማ ኽቕድሱ፥ ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ኽፈርሑ እዮም።
24
እቶም ብመንፈስ ዝተጋገዩ ኸስተውዕሉ እዮም፤ እቶም መጕረምረምቲ ኸዓ ትምህርቲ ኽቕበሉ እዮም።”
← Chapter 28
Chapter 30 →