bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 31
Isaiah 31
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ናብ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዘይምልከቱ፥ ንእግዚኣብሄርውን ዘይደልዩ፥ ግና ሓገዝ ደልዮም ናብ ግብፂ ንዝወርዱ፥ በፍራስ ንዝእመኑ፥ ብብዝሒ ሰረገላታት የመናውን ብርቱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብጕልበት ፈረሰኛታት ዝምክሑ ወይለኦም!
2
ግና ንሱ ጠቢብ እዩ፤ ንኽፉእ ነገር የምፅኦ፤ ቃሉውን ኣይዓፅፍን። ኣብ ልዕሊ ገበርቲ ኽፉእን ኣብ ልዕሊ እቶም ሓገዝቲ ኽፉኣትን ክለዓል እዩ።
3
ግብፃውያን ሰባት እዮም፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን። ኣፍራሶም ከዓ ስጋ እምበር፥ መንፈስ ኣይኮኑን። እግዚኣብሄር ኢዱ እንትዝርግሕ እቲ ረዳኢ ይሰናኸል፤ እቲ ተረዳኢውን ይወድቕ፤ ኵላቶም ድማ ሓቢሮም ይጠፍኡ።
4
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኣንበሳን ሽደን ኣንበሳን፥ ብግዳዩ እንትጓዝም፥ ብዙሓት ጓሶት እኳ ተፀዋዊዖም እንተ መፅዎ፥ ብድምፆም ከም ዘይድንግፅ፥ ዋጭ ዋጭ ብምባሎም ከም ዘይፈርሕን፥ ከምኡ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኰረብታኣን፥ ምእንቲ ኽዋጋእ ክወርድ እዩ።
5
ከምተን ዝነፍራ ኣዕዋፍ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንኢየሩሳሌም ከዕቝባ እዩ፤ እወ ኸዕቝባን ከናግፋን ክከላኸለላን ከድሕናን እየ።”
6
“ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ናብቲ ኻብኡ እምብዛ ዝረሓቕኩምዎ ተመለሱ።
7
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ኣእዳውኩም ንመሕጥኢ ዝሰርሓኦም ጣዖታት ብሩርን ወርቅን፥ ክትድርብዩ ኢኹም እሞ።
8
ሽዑ ኣሶር፥ ናይ ሰብ ብዘይኮነ ሰይፊ ኽወድቕ እዩ፤ እቲ ናይ ሰብ ዘይኮነ ሰይፊ ኽበልዖ እዩ። ካብ ሰይፊ እውን ክሃድም እዩ፤ ኣጓብዙውን ባሮት ክኾኑ እዮም።
9
ካብ ራዕዲ ዝተልዓለ፥ ፅኑዕ ዕርዲ ኽፈርስ እዩ፤ እቶም መራሕቱውን፥ ካብ ሰንደቕ ዕላማኡ ዝተልዓለ ኽድንግፁ እዮም” ይብል እቲ ሓዊኡ ኣብ ፅዮን፥ እቶኑ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ እግዚኣብሄር።
← Chapter 30
Chapter 32 →