bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 28
Isaiah 28
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንሰካራማት ኤፍሬም ናይ ትዕቢት ኣኽሊል ንዝኾነት፥ ኣብ ልዕሊ ዝለምለመ ለሰ ጉብ ኢላ፥ ናይ ክብሩ መልክዕ ዝኾነት ፅምልውቲ ዕምበባ፥ ብመስተ ወይኒ ዝተሰነፉ መመክሒት ንዝኾነት ወይለኣ!
2
እንሆ፥ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ካብ እግዚኣብሄር፥ ተዳልዩ ኣሎ። ንሱ ኸም ብርቱዕ ዝናም በረድን ከም ዘጥፍእ ንፋስ ኣውሎን፥ ከም ብርቱዕ ፃፊዓ ውሕጅን ኮይኑ፥ ብሓይሊ ናብ ምድሪ ኽድርበ እዩ።
3
ትዕቢት ኣክሊል ናይቶም ሰካራማት ኤፍሬም ከዓ፥ ብእግሪ ኽርገፅ እዩ።
4
እቲ ኣብ ርእሲ እታ ልምዕቲ ለሰ ዘሎ፥ ናይቲ ኽቡር ሽልማቱ ዝፀምለወት ዕምበባ፥ ከምታ ቕድሚ ቐውዒ ቐዲማ ዝበሰለት በለስ ክትከውን እያ፤ ሰብ ምስ ረአያ ገና ኣብ ኢዱ እንተላ ቐልጢፉ ይውሕጣ።
5
በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነቶም ተረፍ ህዝቡ፥ ዘውዲ ኽብርን ሽልማት ኣኽሊልን ክኾኖም እዩ።
6
ንሱ ነቲ ኽፈርድ ዝቕመጥ፥ መንፈስ ፍትሒ፥ ነቶም ንውግእ ናብ ኣፍ ደገ ዝመልሱ ኸዓ ሓይሊ ክኾኖም እዩ።
7
ግናኸ እዚኣቶም ድማ ብወይኒ ሰንደልደል ይብሉ፤ ብሰንኪ ብርቱዕ መስተ ኸዓ ይሰናኸሉ። ካህናትን ነቢያትንውን ብዘስክር መስተ ሰንደልደል በሉ፤ ብወይኒ ተውሓጡ፤ ብብርቱዕ መስተ ሰንደልደል ይብሉ ኣለዉ። ራእይ እንትሪኡ ይስሕቱ፤ እንትፈርዱ ኸዓ ይጋገዩ።
8
ኵሉ ማእዲ ብትፋኦም ርኵሰት ዝመልአ እዩ፤ ንፁህ ቦታ ኸቶ የለን።
9
“ንመን እዩ ፍልጠት ዝምህር? ወረ ምስትውዓልከ ንመን እዩ ዝህብ? ነቶም ፀባ ዝሓደጉ? ወይ ከዓ ነቶም ጡብ እኖኣቶም ዝሓደጉ ድዩ?
10
ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፤ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፤ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፤ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፤ ውሑድ ኣብዙይ፤ ውሑድ ኣብቱይ እዩ።”
11
እምበኣር እግዚኣብሄር ብዀርታዕ ከናፍርን ብቛንቋ ጓናን ነዝ ህዝቢ እዙይ ክዛረቦ እዩ።
12
“ንሱ ግና እዚኣ እያ ዕረፍቲ፤ ንዝደኸመ ኣዕርፍዎ፤ እዚኣ እያ ቅሳነት” ኢልዎም ነይሩ፤ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ።
13
ስለዙይ ቃል እግዚኣብሄር፥ ንኣኣቶም ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፥ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፥ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፥ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፥ ቍሩብ ኣብዙይ፥ ቍሩብ ኣብቱይ ክኾኖም እዩ። ስለዙይ ክኸዱ እንተለዉ ጥንቅልዒት ክወድቑ ክስበሩ ብመፈንጠርውን ክትሓዙ እዮም።
14
ስለዙይ ኣቱም ነዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እተመሓድሩ መላገፅቲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
15
ንስኻትኩም “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና፥ ምስ ሲኦልውን ተወዓዒልና፤ ንሓሰት መፀግዒና፥ ንጥልመትውን መኸወሊና ጌርና ኢና እሞ፥ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽመፅእ እንተሎ ኣባና ኣይበፅሕን እዩ” ትብሉ ኣለኹም እሞ፥
16
ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣብ ፅዮን እምኒ መሰረት፥ ፍቱን እምኒ፥ ድልዱል ዝመሰረቱ፥ ክቡር እምኒ መዓዝን ኣንብር ኣለኹ፤ ብእኡ ዝኣምን ኣይሓፍርን እዩ።
17
ፍትሒ፥ ንመዐቀኒ ገመድ፤ ፅድቂ ድማ፥ ንመለክዒ ቱምቢ ኽገብር እየ።” በረድ ንመሕብኢ ሓሰት ክፀርጎ፥ ማያትውን ነቲ መኸወሊ ኽሽፍኖ እዩ።
18
እቲ ምስ ሞት ዝኣተኹምዎ ኪዳን ክፈርስ፥ እቲ ምስ ሲኦል ዝተወዓዓልኩምዎ ውዕሊ ኸዓ ኣይፀንዕን እዩ፤ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ብእኡ ኽትርገፁ ኢኹም።
19
ንግሆ ንግሆ፥ ለይትን መዓልትን ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ብዝሓለፈ ቝፅሪ ኽወስደኩም እዩ። ነዝ መልእኽቲ እዙይ ምስማዕ ራዕዲ ይኸውን።
20
ሽዑ ኸምቲ ዓራት ሓፂርዎ ምስፋሕ ዝሰኣነ፥ ነፀላኡ ንኢስዎ መደረብታ ዝሰኣነ ሰብ ክትኮኑ ኢኹም።
21
እግዚኣብሄር ነቲ ተኣምራታዊ ስራሑ ምእንቲ ኽገብር፥ ነቲ ጋሻ ዝኾነ ተግባሩ ምእንቲ ኽፍፅም፥ ከምቲ ኣብ እምባ ፐራሲም ዝነበረ ይትስእ፤ ኣብ ለሰ ገባዖን ከም ዝነበረ ኸዓ ይቝጣዕ።
22
ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ተኣዚዙ ኸም ዘሎ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ሰሚዐ ኣለኹ እሞ፥ ማእሰርትኹም ከይፀንዕ ደጊም ኣይተላግፁ።
23
ፅን በሉ፤ ድምፀይ ስምዑ፤ ኣስተብህሉ፤ ዘረባይ ድማ ስምዑ።
24
ክዘርእ ኢሉ ዅልሻዕ ንግራቱ ዝሓርስን ዝባሩን ዝጕልጕልን ሓረስታይዶ ኣሎ እዩ?
25
ንግራቱ ምስ ኣተኻኸሎ፥ ሰሰግን ከሙንን ኣይዘርእንዶ? ስርናይ ኣብቲ ትልምታት፥ ስገም ድማ ኣብ ዝተመደበ ቦታዶ ኣይዘርእን? ንሂጕውን ኣብ ቦታኡዶ ኣይዘርእን?
26
እዙይውን ኣምላኹ ይምህሮን፥ የፍልጦን እዩ።
27
ንሰሰግ ብኣብዑር፥ ንከሙን ብመንኰራዅር ሰረገላ ኣየኺዶን እዩ። እኳ ደኣ ንሰሰግ ብጨንፈር፥ ንከሙን ድማ ብሸቦጥ እዩ ዝዘብጦ።
28
እኽሊ ይጠሓን እምበር ንሓዋሩ ኣየኺዶን እዩ፤ መንኰራዅር ሰረገላን ኣፍራስን እንተኽየደሉ እኳ ኣይጠሓንን እዩ።
29
እዝ ዅሉ ኻብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝወፀ እዩ። ንሱ ብምኽሩ ዘገርም፥ ብጥበቡውን ዓብዪ እዩ።
← Chapter 27
Chapter 29 →