bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 27
Isaiah 27
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ዓቢይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፥ ነቲ ቕልጡፍ ተመን ንሌዋታን፥ ነቲ ዝጠዋወ ተመን ንሌዋታን ክቐፅዖ፥ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከዓ ኽቐትሎ እዩ።
2
በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ እቲ ዝተፈተወ ኣታኽልቲ ወይኒ ዘምሩ።
3
ኣነ እግዚኣብሄር እሕልዎ፤ ኵልሻዕ ማይ ኣስትዮ፤ ሓደ እኳ ኸይጐድኦ፥ ለይትን መዓልትን እሕልዎ ኣለኹ።
4
ደጊም ቍጥዓ የብለይን፤ ኳዂቶን እሾዅን ክዋግኡኒ እንተ ዝትስኡ፥ ተሲአ ብሓደ መቃፀልክዎም።
5
ወይ ከዓ ምሳይ ሰላም ይግበር፤ ንሓይለይ ይሓዝ፤ ምሳይ ሰላም ይግበር።
6
በቲ ዝመፅእ ዘመን፥ ያእቆብ ሱር ክሰድድ እዩ፤ እስራኤልውን ክጭብጭብን ክዕምብብን እዩ። ብፍረኦም ድማ ንዓለም ክመልእዋ እዮም።
7
ከምቲ ነቶም ወቓዕቱ ዝወቕዖምዶ ወቒዕዎ እዩ? ወይ ከዓ ንቕቱላቱ ኸም ዝቐተሎምዶ ተቐቲሉ እዩ?
8
ኰብኰቦም፤ ሰጐጎም፤ ቀፅዖም፤ ንፋስ ምብራቕ ከም ዝነፍስ ብሓያል ህቦብላ ኣወገዶም።
9
እቲ ንጣዖት ዝስውኡሉ እምንን መሰውኢ ዕጣንን፥ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ምስ ኣፍረሰን፥ ከም ኖራ ምስ ጠሓነን እዩ፥ በደል ያእቆብ ዝስረየሉ፤ እዙይውን ፍረ ምውጋድ ኵሉ ሓጢኣት እዩ።
10
እታ ዕርድቲ ኸተማ በይና ኾነት፤ ሰብ ከም ዘይብሉ ምድረ በዳ ድማ ኾነት፤ ኣብኣ ምራኽ ይጓሰ፤ ኣብኣውን ይውዕልን፥ ጨናፍራ ኸዓ ይበልዕ ኣሎ።
11
ጨናፍራ ምስ ነቐፀ ይስበር፤ ኣንስቲ እውን መፂአን የንድዳኦ። ምስትውዓል ዘይብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፥ ስለዙይ እቲ ፈጣሪኡ ኣይርህርሀሉን፤ እቲ ሰራሒኡውን ኣይምሕሮን እዩ።
12
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኻብ ወሓዚ ፈለግ ኤፍራጥስ ጀሚሩ፥ ክሳዕ ፈለግ ግብፂ እኽሉ ኸኽይድ እዩ፤ ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ በብሓደ ተኣሪኹም ክትእከቡ ኢኹም።
13
በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ዝጠፍኡ፥ ኣብ ግብፂ ተሰጒጎም ዝነበሩ ኽመፁ እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም።
← Chapter 26
Chapter 28 →