bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 23
Isaiah 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዛዕባ ጢሮስ ዝተነግረ ፆር። ከተማ ጢሮስ ዓንያ እያ እሞ፥ ቤት የለን፤ ምእታው ድማ የለን እሞ፥ ኣትን መራኽብ ተርሴስ፥ ዋይ ዋይ በላ። ካብ ምድሪ ኪቲም ጀሚሩ ተገሊፁሎም እዩ።
2
ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፥ ብባሕሪ ዝሳገሩ ነጋዶ ሲዶና ዝመልኡኹም ፀጥ በሉ።
3
ብብዙሕ ማያት ሰጊሩ እኽሊ ሒሾርን ቀውዒ ኣባይን እቶት ጢሮስ ነበረ። ንሳውን ዕዳጋ ኣህዛብ ኮይና ነበረት።
4
ባሕርን እቲ ዕርዲ ባሕርን “ቅልውላው ኣይሓዘንን፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ኣየዕበኹን” ይብል ኣሎ እሞ፥ ኣቲ ሲዶን ሕፈሪ።
5
ወረ ጢሮስ ናብ ግብፂ ምስ በፅሐ ብወረ ጢሮስ ቅልውላው ክሕዞም እዩ።
6
ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፥ ዋይ ዋይ በሉ፤ ናብ ተርሴስ ተሳገሩ።
7
እታ ቐደም ዝተመስረተት ሕጕስቲ ኸተማ ጢሮስ እዚኣ ድያ? እታ ንብዙሓት ናብ ሰገር ባሕሪ እትሰዶም ዝነበረት ከተማ እዚኣ ድያ?
8
ነታ ዘውድታት እተፅዕን ዝነበረት፥ ኣሕሉቕ ዝነጋዶኣ፥ ክቡራን ምድሪ ዝሸቃጦኣ ኸተማ ጢሮስ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣብ ልዕሊኣ ዝመኸረላ መን እዩ?
9
ንዅሉ ትዕቢት ክብሪ ዘበለ ኸሕስር፥ ንዅሎም ክቡራት ምድሪ ኸዋርድ ኢሉ ነዙይ ዝወሰነ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
10
ኣቲ ጓል ተርሴስ፥ ዝኽልክለኪ የለንሞ፥ ከም ኣባይ ኴንኪ ኣብ ሃገርኪ ውሕጅኪ ሕለፊ፤
11
እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኢዱ ዘርጊሑ፥ ንመንግስታት ኣደንገፀ፤ ዕርድታት ከነዓን ክፈርስ ከዓ ኣዘዘ።
12
ኣቲ እተጨነቕኪ ድንግል ሲዶና፥ ካብ ደጊም ደስ ኣይበልኪ፤ ናብ ኪቲም ተሳገሪ፤ እንተ ኼድኪ ኣብኡ እውን ኣይትዓርፊን በለ።
13
እንሆ ንሃገር ባቢሎናውያን ተመልከቱ፤ እቲ ህዝቡ ኸንቱ ኾይኑ ኣሎ። ኣሶራውያን መንበሪ ኣራዊት ምድረ በዳ ገበርዎ። ዝኸቡሉ ቕፅሮም ሰርሑ፤ ኣዳራሻ ኣፍረሱ፤ ዑናውን ገበርዋ።
14
ኣትን መራኽብ ተርሴስ፥ ዕርድታትክን ፈሪሱ እዩ እሞ ዋይ ዋይ በላ።
15
በታ መዓልቲ እቲኣ ጢሮስ፥ ንዕድመ ሓደ ንጉስ ዝኣክል፥ ንሰብዓ ዓመት ክትርሳዕ እያ። እተን ሰብዓ ዓመት ምስ ተወድኣ ግና፥ ንጢሮስ ከምዝ ዝስዕብ ደርፊ ኣመንዝራ ኽድረፈላ እዩ፦
16
ኣቲ ርስዕቲ ኣመንዝራ፥ መሰንቆኺ ኣልዕሊ፥ ኣብ ከተማ ዙሪ፤ ኣፀቢቕኪ መሰንቆ ቓንዪ ምእንቲ ኽትዝከሪ ድማ ብዙሕ ደርፊ ድረፊ።
17
እተን ሰብዓ ዓመታት ምስ ሓለፋ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ንጢሮስ ክምልከታ እዩ፤ ንሳ ድማ ናብቲ ናይ ቀደም ንግዳ ኽትምለስ እያ። ምስ ኵሎም ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ዘለዉ መንግስታት ዓለም ድማ፥ ክተመንዝር እያ።
18
ግና ረብሓኣን ዝረኸበቶ ዓስብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። ረብሓኣ ኣይዕቈርን ኣይቕመጥን እዩ። እኳ ደኣ በሊዖም ምእንቲ ኽፀግቡ፥ ብሉፅ ክዳንውን ክኽደኑስ፥ ነቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነብሩ ክኸውን እዩ።
← Chapter 22
Chapter 24 →