bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 22
Isaiah 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዛዕባ ለሰ ራእይ ዝተነግረ ፆር። ኵልኹም ናብ ናሕሲ ዝደየብኩምስ እንታይ ኴንኩም ኢኹም?
2
ኣቲ ኣውያትን ህልቀትን ዝመልአኪ ኸተማ፥ ኣቲ ሕጕስቲ ኸተማ፥ እቶም ኣብ ውሽጥኺ ዝተቐተሉ፥ ብሰይፊ ወይ ኣብ ውግእ ኣይኮኑን ዝተቐተሉ።
3
ኵሎም መራሕትኺ ሓቢሮም ሃደሙ፤ ብዘይ ፍላፃ ኸዓ ተማረኹ። ካብ ርሑቕ ሃዲሞም ኵሎም ኣባኺ ዝተረኸቡ ብሓባር ተኣሰሩ።
4
ስለዙይ ንጥፍኣት ጓል ህዝበይ ኣምሪረ ኽበኪ ሕደጉኒ፤ ክተፀናንዑኒ ኢልኩምውን ኣይትድከሙ፤ በልኩ።
5
ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ለሰ ራእይ ፍርሕን ስዕረትን ዕግርግርን ኮይኑ ኣሎ። ቅፅሪና ይፈርስ ኣሎ፤ ክሳዕ እምባታት ዝበፅሕ ኣውያት ከዓ ይስማዕ ኣሎ።
6
ኤላም ምስ ሰብ ሰረገላታትን ምስ ፈረሰኛታትን ኮይኑ ሰገባኡ ፆረ፤ ቂርውን ዋልታኡ ቐልዐ።
7
እቲ ፍርያም ለሰ ይሁዳ ብሰረገላታት መልአ፥ ፈረሰኛታት ከዓ መቖሚኦም ኣብ ኣፍ ደገ ገበሩ።
8
ንዅሉ መጋረጃ ይሁዳ ቐልዐ፤ ሽዑ ናብ እንዳ ኣፅዋር፥ ናብ ቤት ዱር ተመልከትካ።
9
እቲ ዝፈረሰ መንደቕ ናይ ዳዊት ከተማ፥ ከም ዝበዝሐ ረአኹም። ነቲ ማይ ከዓ ኣብ ታሕተዋይ ሓፅቢ ንኣባይቲ ኢየሩሳሌም ቈፀርኩም፤ ነቲ ቕፅሪ ምእንቲ ኽተፅንዑ ኸዓ ነተን ኣባይቲ ኣፍረስኩምወን።
11
ነቲ ኻብ ናይ ቀደም ሓፅቢ ዝፈስስ ማይ ምእንቲ ኽትእክቡሉ፥ ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቕፅሪ ሓፅቢ ገበርኩም። ግና ነቲ ነዙይ ዝፈጠረ ኣይተመልከትኩምን፤ ወይ ነቲ ኻብ ጥንቲ ነዙይ ዘዳለዎ ኣይረአኹምን።
12
በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክትበኽዩን ዋይ ዋይ ክትብሉን ርእስኹም ክትላፅዩን ወጮ ኽትክደኑን ፀውዐኩም።
13
ንስኻትኩም ግና ተሓጐስኩምን በዓል ገበርኩምን፥ ስጋ ኽትበልዑ ኸብትን ኣባጊዕን ሓረድኩም፤ ወይኒ ድማ ሰተኹም። “ፅባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕ ንስተ” ድማ በልኩም።
14
እዝ ነገር እዙይ ኣብ እዝኒ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ተሰምዐ፤ እዝ በደል እዙይ፥ ክሳዕ እትሞቱ ኸቶ ኣይሕደገልኩምን እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
15
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ናብ ሳምናስ እቲ ኣዛዚ ቤት ኮይኑ ዝተሾመ ኺድ እሞ፥
16
‘ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ? መቓብርካ ኣብዙይ እተውቅር፥ ንርእስኻ ኣብ በሪኽ መዕረፊ ዝኸውን ስፍራ ኣብ ኰዅሒ እተውቅርስ ኣብዙይ እንታይ ኣለካ?
17
እንሆ እግዚኣብሄር፥ ብሓያል ቅልፅሙ ኣርሒቑ ኽውርውረካ፥ ኣፀቢቑ ድማ ኽዕዅልለካ እዩ።
18
ጠቕሊሉ ኸንከባልለካ፥ ከም ኵዕሶ ድማ ናብ ሰፊሕ ምድሪ ኽድርብየካ እዩ፤ ኣታ ነውሪ ናይ ቤት ጐይታኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኢኻ፤ እተን ክብርኻ ዝኾና ሰረገላታት ድማ ኣብኡ ክኾና እየን።
19
ካብ ስፍራኻ ኽሰጐካ እየ፤ ካብ ሽመትካ ድማ ኽስዕረካ እየ’ ኢልካ ንገሮ” በለኒ።
20
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንባርያይ ኤልያቄም ወዲ ኬልቅያስ ክፅውዖ እየ።
21
ቀሚስ መዓርግካ ኸልብሶ፥ መዕጠቒኻ ኸዕጥቖ፥ ስልጣንካ ናብ ኢዱ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፤ ንሱውን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ንቤት ይሁዳን ኣቦ ክኸውን እዩ።
22
መኽፈቲ ቤት ዳዊት ድማ፥ ኣብ ማእገሩ ኸንብር እዩ። ንሱ ዝኸፈቶ ሓደ እኳ ዝዓፅዎ የለን፤ ንሱ ዝዓፀዎ ድማ ዝኸፍት ሓደ እኳ የለን።
23
ከም ሽንካር ኣብ ድልዱል ስፍራ ኽተኽሎ እየ፤ ንቤት ኣቦኡውን፥ ዙፋን ክብሪ ክኸውን እዩ።
24
ክብሪ ቤት ኣቦኡ፥ ውሉድን ውሉድ ውሉድን፥ ኵሉ ኣናእሽተይ ኣቕሑ፥ ካብ ዋንጫ ኽሳዕ ዝንግሪር ኣብኡ ኽስቀል እዩ።
25
እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ኣብ ድልዱል ስፍራ ተተኺሉ ዝነበረ ሽንካር፥ ክመልቝን ክስበርን ክወድቕን፥ እቲ ኣብኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ፆር ከዓ ወዲቑ ኽሰባበር እዩ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
← Chapter 21
Chapter 23 →