bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 24
Isaiah 24
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣዕንዩ ኸባድማን ክግልብጣን እዩ፤ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኽብትኖም እዩ።
2
ከምቲ ኣብ ህዝቢ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ ካህኑ፥ ከምቲ ኣብ ኣገልጋሊ ዝኸውን ከምኡ ኣብ ጐይታኡ፥ ከምቲ ኣብ ግዝእቲ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ እምበይተኣ፥ ከምቲ ኣብ ዓዳጊኡ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ ሸያጢኡ፥ ከምቲ ኣብ ተለቃሒ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ መለቅሒኡ ክኸውን እዩ።
3
እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ፥ ምድሪ ፈፂማ ኽትበርስን ክትባድምን እያ።
4
ምድሪ በኸየት፥ ረገፈትውን፤ ዓለም ደኸመት፥ ረገፈትውን፤ ዓበይቲ ህዝቢ ምድሪ እውን ደኸሙ።
5
ሕጊ እግዚኣብሄር ስዒሮም፥ ስርዓቱውን ለዊጦም፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኪዳንውን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፥ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ረኸሰት፤
6
ስለዙይ መርገም ንምድሪ ውሒጥዋ ኣሎ፤ እቶም ህዝባ ብበደሎም ክቕፅዑ እዮም። እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸዓ ኽቃፀሉን እናወሓዱን ክኸዱ እዮም።
7
ተኽሊ ወይኒ በኸየት፤ ጕንዲ ወይኒ ኸዓ ደኸመት፤ እቶም ሕጉሳት ዝነበሩ ዅላቶም ከዓ ሕዚ ይትክዙ ኣለዉ።
8
ደስታ ወቓዕቲ ኸበሮ ተሪፉ፥ ወኻዕታ እቶም ሕጉሳት ተወዲኡ፥ ታሕጓስ መሰንቆ ተሪፉ እዩ።
9
ካብ ደጊም እናደረፉ ወይኒ ኣይሰትዩን፤ እቲ ዘስክር መስተ ንዝሰትይዎውን ክመሮም እዩ።
10
እታ ዝፈረሰት ከተማ ባደመት፤ ገዛውቲ፥ ሰብ ከይኣትዎ ተዓፀወ።
11
ወይኒ ስለ ዘየለ፥ ፈቐዶ ኣደባባዩ ዋዕዋዕ ይብሉ፤ ታሕጓስ ካብ ገፅ ምድሪ ጠፍአ።
12
እታ ኸተማ ዓንያ እያ፤ መዓፁኣ ተሰባቢሩ እዩ።
13
ኦም ኣውሊዕ እንትውቃዕ፥ ዘለላ ወይኒ እውን እንትቝረፅ ቀሪም ከም ዝቕረም፥ ኣብ ልዕሊ እታ ምድርን ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝብታትውን ከምኡ ክኸውን እዩ።
14
እዚኣቶም ድምፆም ኣልዒሎም፥ ዕልል ክብሉ እዮም፤ ብዛዕባ ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ባሕሪ የመስግኑ፤
15
ስለዙይ እቶም ኣብ ምብራቕ ዘለዉ፥ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሃቡ። እቶም ኣብ ደሴታት ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ኸዓ፥ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል የኽብርዎ።
16
ካብ ወሰን ምድሪ “ክብሪ ነቲ ፃድቕ ይኹን” ዝብል መዝሙር ሰሚዕና። ኣነ ግና ዓበርኩ፤ መንመንኩ፤ ወይለይ! ከሓድቲ ይዕምፁ ኣለዉ፤ ዓመፅቲ ኸዓ የመና ይዕምፁ ኣለዉ በልኩ።
17
ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብር ስምዐኒ፤ እንሆ፥ ራዕድን ጕድጓድን መፈንጠርን ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።
18
እቲ ራዕዲ ሒዝዎ ዝሃድም፥ ናብ ጕድጓድ ክወድቕ እዩ፤ እቲ ኻብ ጕድጓድ ዝወፅእ ከዓ ብመፈንጠር ክተሓዝ እዩ። መስኮት ሰማይ ተኸፊቱ እዩ እሞ፥ መሰረታት ምድሪ ተናወፀ።
19
ምድሪ ጥዋዕ ኢላ ተሰባበረት፤ ምድሪ ፈፂማ መኸኸት፤ ምድሪ ፈፂማ ተናወፀት።
20
እወ፥ ምድሪ ኸም ዝሰኸረ ሰካር ሰንደልደል ትብል፤ ምድሪ ኸም ዳስ ነነው ትብል። በደላ ኸቢድዋ እዩ እሞ፥ ክትወድቕ እያ። መሊሳውን ኣይትትስእን።
21
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ላዕሊ ንዘለዉ ሰራዊት ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ነገስታት ድማ ኣብ ምድሪ ኽቐፅዖም እዩ።
22
ብሓደ ኽእከቡ እዮም፤ እሱራት ኣብ ጕድጓድ ከም ዝእከቡ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኽዕፀዉ እዮም፤ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ክጥየቑ እዮም።
23
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን ክነግስ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ዓበይቱ ድማ ክኸብር እዩ እሞ፥ ሽዑ ወርሒ ኽትሽቝረር፥ ፀሓይውን ክትሓፍር እያ።
← Chapter 23
Chapter 25 →