bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Hosea 9
Hosea 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ እስራኤል፥ ካብ ኣምላኽካ ተፈሊኻ ኣመንዚርካ፥ ኣብ ኵሉ ዓውዲ ስርናይ ዋጋ ምንዝርና ፈቲኻ ኢኻሞ፥ ከም ኣህዛብ ደስ ኣይበልካ፤ ኣይትተሓጐስውን።
2
ዓውድን መፅመቚ ወይንን ኣይቕልቦምን፤ ኰልዒ ወይኒ እውን ክጐድል እዩ።
3
ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ኣይነብሩን እዮም፤ ኤፍሬምውን ናብ ግብፂ ኽምለስ እዩ፤ ኣብ ኣሶር ከዓ ርኹስ ምግቢ ኽበልዑ እዮም።
4
ንእግዚኣብሄር ቍርባን ወይኒ ኣየፍሰሱን፤ መስዋእቶምውን ኣየሐጕሶን። ንኣኣቶም እንጀራ ሓዘን ክኾኖም እዩ። ካብኡ ዝበልዕውን ክረክስ እዩ። እንጀራኣቶምውን ንርእሶም ደኣ ይኾን እምበር ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይኣቱን።
5
ብመዓልቲ ዓብዪ በዓልን፥ ብመዓልቲ በዓል እግዚኣብሄርን፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?
6
እንሆ፥ ካብ ጥፍኣት ሃዲሞም ከዱ፤ ግብፂ ድማ ኽትእክቦም እያ፤ ሜምፎስውን ክትቀብሮም እያ። ነቲ ኽቡር ብሩሮም ኣምዐ ይወርሶ፤ ኣሜከላውን ኣብ ውሽጢ ድንኳናቶም ይበቍል።
7
ወርሓት ቅፅዓት መፂኡ እዩ፤ መዓልቲታት ፍዳ ኸዓ በፂሑ እዩ፤ እስራኤልውን ይፈልጦ እዩ። ካብ ብዝሒ ሓጢኣትካን፥ ካብ ፅልኣትካን ዝተልዓለ፥ እቲ ነቢይ ሰሲዑ፥ እቲ መንፈሳዊ ሰብ ድማ ኸም ዕቡድ ተቘፀረ።
8
ኤፍሬም ምስ ኣምላኸይ ኮይኑ ሓላዊ ነበረ፤ ሕዚ ግና ነቲ ነቢይ ኣብ ኵሉ መንገዱ መፈንጠር ኣዕዋፍ ኮነ፤ ኣብ ቤት ኣምላኹውን ፅልኢ ኣሎ።
9
ከምቲ ኣብ ዘመን ጊብዓ ዝነበረ የመና ረኸሱ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍኣቶም ክዝክር እዩ፤ ስለ ሓጢኣቶምውን ክብቀሎም እዩ።
10
ኣነ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዘሎ ፍረ ወይኒ ኾይኑ ረኸብክዎ። ነቦታትኩም ድማ፥ ከምቲ ቐዳማይ በኵራት ፍረ ኦም በለስ ረአኽዎም። ንሳቶም ግና ናብ ብዔልፌጎር ኣተዉ፤ ንነውሪ ድማ ተፈለዩ፤ ከምቲ ዝፈተውዎ ኸዓ ርኹሳት ኮኑ።
11
ክብሪ ኤፍሬም፥ ከም ዒፍ ነፊሩ ኽጠፍእ እዩ፤ ደጊም ምውላድ ምጥናስ ድቂ ምሓዝ ኣይኾነሎምን።
12
ውሉድ ወሊዶም እንተ ኣዕበዩኳ፥ ሓደ ሰብ ከይተርፈሎም ውሉድ ኣልቦ ኽገብሮም እየ። ካብኣቶም ምስ ረሓቕኩ ወይለኦም!
13
ኣነ ኸም ዝረአኽዎ፥ ደቂ ኤፍሬም ንምርኮ ተውሂቦም እዮም። ኤፍሬምውን ንደቁ ናብ ቀተልቲ ኸውፅእ እዩ።
14
ኦ እግዚኣብሄር፥ ሃቦም፤ እንታይ ክትህቦም ኢኻ? ዘይወልድ ማህፀንን ንፁፍ ጡብን ሃቦም።
15
ኣብ ጌልገላ ኻብ ዝገበርዎ ኽፍኣት ዝተልዓለ፥ ኣነ ኣብኡ ፀላእኹዎም። ስለ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣትውን፥ ካብ ቤተይ ከሳጕጎም እየ። ድሕሪ ደጊም ኣየፍቅሮምን እየ፤ ኵሎም ኣሕሉቖም ዓመፀኛታት እዮም።
16
ኤፍሬም ተወቕዐ፤ ሱሩውን ነቐፀ፤ ፍረ ድማ ኣየፍርን። እንተ ወለዱውን፥ ነቶም ፍረ ኸርሶም ክቐትሎም እየ።
17
ስለ ዘይሰምዕዎ ኣምላኸይ ክድርብዮም እዩ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብውን ኰብለልቲ ክኾኑ እዮም።
← Chapter 8
Chapter 10 →