bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Hosea 8
Hosea 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
መለኸት ናብ ኣፍካ ኣቕርብ፤ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፥ ሕገይ ከዓ ጥሒሶም እዮምሞ፥ ከም ንስሪ፥ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ።
2
ንሳቶም፥ ኦ ኣምላኽና፥ ንሕና እስራኤል ፈሊጥናካ ኢና፥ እናበሉ ናባይ ከእውዩ እዮም።
3
ግና ዅሎም እስራኤል ፅቡቕ ዝኾነ ነገር ኣወገዱ፤ ፀላኢ እውን ክሰጕጎም እዩ።
4
“ንባዕላቶም ነገስታት ኣንገሱ፤ ንኣይ እንተይጠየቑ ኣሕሉቕ መረፁ፤ ኣነ ኣይፈለጥኩን፤ መጥፍኢኦም ዝኸውን ብብሩሮምን ብወርቆምን፥ ንባዕላቶም ጣዖታት ሰርሑ።
5
“ኦ ሰማርያ ምራኽ ጣዖትኪ ደርብዪ፤ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ነዲዱ እዩ፤ ክሳዕ መኣዝ እዮም ዘይነፅሁ?
6
እዙይ ከዓ ኻብ እስራኤል እዩ፤ እዝ በዓል ኢድ ዝሰርሖ ምስሊ ምራኽ፥ ኣምላኽ ኣይኮነን፤ ተሰባቢሩ ኽደቅቕ እዩ።
7
ንፋስ ይዘርኡ፥ ኣውሎ ንፋስ ድማ ይዓፅዱ፤ እቲ ብቝሊ ቓንጫ የብሉን፤ ኣብ ፍረኡ ድማ ሕሩጭ ኣይርከብን፤ እንተ ተረኽበውን ጓኖት ይበልዕዎ።
8
እስራኤል ተውሓጠ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብውን ከም ዝረኸሰ ኣቕሓ ኾነ።
9
ከምቲ ንበይኑ ዝነብር ኣድጊ በረኻ፥ ናብ ኣሶር ከዱ፤ ኤፍሬም ብውህብቶ ፈተውቲ ገበረ።
10
ምንም እኳ ንኣህዛብ ውህብቶ እንተ ሃቡ፥ ኣነ ሐዚ ኽእክቦም እየ፤ ካብ ፆር እቲ ንጉስን መሳፍንትን ዝተልዓለ እናደኸሙ ክኸዱ እዮም።
11
“ኤፍሬም ሓጢኣት ንምስራሕ ኢሉ ብዙሕ መሰውኢታት እንተ ሰርሐ እኳ፥ እቲ መሰውኢታት ንሓጢኣት ኮኖ።
12
ነዝ ሕገይ ፀሓፍኩሎም፤ ንሳቶም ግና ኸም ባዕዲ ነገር ቈፀርዎ።
13
መስዋእተይ የቕርቡ፤ ስጋ ኸዓ ይሓርዱ፤ ይበልዑውን፤ እግዚኣብሄር ግና ኣይቕበሎምን፤ ንበደሎም ክዝክሮ፥ ንሓጢኣቶም ድማ ኽቐፅዕ እዩ፤ ንሳቶምውን ናብ ግብፂ ኽምለሱ እዮም።
14
“እስራኤል ንፈጣሪኡ ረስዐ፤ መስገዲታትውን ሰርሐ። ይሁዳ ኸዓ ዕሩዳት ከተማታት ኣብዝሐ፤ ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻቶም ድማ ኽበልዖ እዩ።”
← Chapter 7
Chapter 9 →