bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Hosea 10
Hosea 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እስራኤል ብዙሕ ዝሰፍሐን ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ ወይንን እዩ። ከም መጠን ምብዛሕ ፍረኡ፥ ብዙሕ መሰውኢታት ኣብዝሐ፤ ከም መጠን ምፅባቕ ምድሩውን፥ እናመልክዑ ሓወልትታት ሰርሑ።
2
ልባቶም ተመቐለ፤ ሕዚ እውን በደሎም ክስከሙ እዮም። ንሱ ንመሰውኢታቶም ከፈራርሶ ንሓወልትታቶምውን ክሰባብሮ እዩ።
3
ሽዑ ንሳቶም “ንእግዚኣብሄር ኣይፈራሕናን እሞ፥ ንጉስ የብልናን። ንጉስ እንተ ነበረናኸ እንታይ ክገብረልና እዩ?” ይብሉ።
4
ከንቱ ዘረባ ይዛረቡ፤ ዘይፍፀም ኪዳን ክኣትዉ ኸዓ፥ ብሓሰት ይምሕሉ። ስለዙይ መርዛም ሳዕሪ ኣብ ነግሒ ግራት ከም ዝበቍል መቕሰፍቲ ኽበቝሎም እዩ።
5
እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩ ሰባት፥ ስለ እቲ ኣብ ቤት ኣዌን ዘሎ ጣዖት ብተይ ክፈርሑ እዮም። ክብረቱ ኻብኡ ስለ ዝኸደ፥ እቶም ህዝቢ ኸልቅሱሉ፥ እቶም ንእኡ ዘገልግሉ ኻህናት ድማ፥ ምእንታኡ ኽበኽዩሉ እዮም።
6
እቲ ጣዖት፥ ነቲ ዓብዪ ንጉስ ኢያሪም ውህብቶ ክወሃብ፥ ናብ ኣሶር ክውሰድ እዩ። ኤፍሬም ሕፍረት ክሕዞ እዩ፤ እስራኤልውን ብምኽሩ ክሓፍር እዩ።
7
ሰማርያ ምስ ንጉሳ፥ ኣብ ልዕሊ ማይ ከም ዘሎ ዓፍራ ኽትጠፍእ እያ።
8
እቶም ናይ እስራኤላውያን ሓጢኣት ዝኾኑ በረኽቲ ኾረብታታት ቤት ኣዌን ክፈርሱ እዮም፤ ኣብ ልዕሊ መሰውኢታቶም እሾዅን ኣሜከላን ክበቍል እዩ። ንሳቶም ከዓ ንእምባታት “ክደኑና” ንዀረብታታት ከዓ “ውደቑና” ኽብልዎም እዮም።
9
ኦ እስራኤል ካብ ዘመን ጊብዓ ጀሚርካ ሓጢኣት ሰራሕኻ፤ ንሳቶም ኣብኡ ፀንዑ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ደቂ ገበርቲ ኽፉእ ዝኾነ ውግእ፥ ኣብ ጊብዓ ኣየርክቦምን ድዩ?
10
ብዝደለኽዎ ጊዜ ኽቐፅዖም እየ፤ ስለ ኽልቲኣቶም ሓጢኣታ ምስ ተኣሰሩ፥ ኣህዛብ ክኸብዎም እዮም።
11
ኤፍሬም መኼዳ ኸም ዝለመደት ዓርሒ እዩ፤ ኣነ ግና በቲ ፅቡቕ ክሳዱ ሓለፍኩ። ንኤፍሬም ክፀምዶ እየ፤ ይሁዳ ኽሓርስ፥ ያእቆብውን ነቲ መሬት ከለሳልስ እዩ።
12
እግዚኣብሄር መፂኡ፥ “ፅድቂ ኽሳዕ ዘዝንመልኩም፥ ንኡኡ እትደልዩሉ ጊዜ እዩ እሞ፥ ንኣኻትኩም ብፅድቂ ዝርኡ፤ ከም መጠን ምሕረቱ ድማ ዕፀዱ፤ ሓድሽ ፅግኢውን ሕረሱ” በልኩ።
13
ክፍኣት ሓረስኩም፤ ሓጢኣትውን ዓፀድኩም፤ ፍረ ሓሶት ድማ በላዕኹም፤ ብብዝሒ ሰራዊትካ ብመንገድኻውን ተኣማሚንካ ኢኻሞ።
14
ኣብ ማእኸል ህዝብኻ ሽብር ክለዓል እዩ፤ እኖ ምስ ደቃ ምስ ተጨፍለቐት ሰልማን ንቤት ኣርብኤል ብመዓልቲ ውግእ ዘፍረሰ፥ ኵሎም እምባታትካ ክፈርሱ እዮም።
15
ካብ ብዝሒ ሓጢኣትኩም ዝተልዓለ ቤቴል ከምኡ ኽገብረኩም እዩ፤ ምስ ወግሐ፥ ንጉስ እስራኤል ፈፂሙ ኽጠፍእ እዩ።
← Chapter 9
Chapter 11 →