bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Hosea 7
Hosea 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሓሰት ኣዘውቲሮም እዮም እሞ፥ ሰራቒ ይኣቱ፤ ኣብ ወፃኢ ድማ ሸፋቱ ይኸትሩ ኣለዉ እሞ፥ ንእስራኤል ክፍውሶ ምስ ደለኹ፥ ሓጢኣት ኤፍሬምን፥ ክፍኣት ሰማርያን ተቐልዐ።
2
ኣነ ንዅሉ ኽፍኣቶም ከም ዝዝክሮ ንሳቶም፥ ብልቦም ኣይሓስቡን እዮም። ግና ሓጢኣቶም ከቢብዎም፥ ኵልሻዕ ድማ ኣብ ቅድመይ እዩ።
3
“ንንጉስ ብኽፍኣቶም፥ ንመሳፍንቱውን ብሓሰቶም የሐጕስዎም ኣለዉ።
4
ኵላቶም ኣመንዝራታት እዮም፤ ከምቲ ሰንካቲ ዘርስኖ እቶንውን እዮም። ሰንካቲ፥ እቲ ዅሉ ዝለወሶ ብሑቝ ክሳዕ ዝበኵዕ፥ ነቲ ሓዊ እቶን ኣይቝስቍሶን እዩ።
5
ብመዓልቲ በዓል ንጉስና፥ እቶም መሳፍንቲ ብወይኒ ረሲኖም ሓመሙ፤ ንሱውን ምስቶም መላገፅቲ ኢዱ ዘርግሐ።
6
ብተንኰሎም ንልቦም ከም እቶን ኣርሰንዎ፤ ሰንካቲኦም ምሉእ ለይቲ ይድቅስ፤ ቍጥዓኦም ምሉእ ለይቲ ይትኪ። ከም ዝነድድ ሓዊውን ንግሆ ሃልሃል ይብል።”
7
“ኵላቶም ከም እቶን ዝረሰኑ እዮም፤ ንፈረድቶምውን ይውሕጥዎም፤ ኵሎም ነገስታቶም ድማ ወደቑ፤ ካብኣቶም ሓደ እኳ ናባይ ዘእዊ የለን።”
8
ኤፍሬም ምስ ኣህዛብ ተፀመረ፤ ኤፍሬምውን ከም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ።
9
ኣጋይሽ ጕልበቱ በዝበዝዎ፥ ንሱውን ኣይፈለጠን፤ ፀጕሩ ሲበት ኣውፅአ፥ ንሱ ግና ኣየስተውዓለን።
10
ትዕቢት እስራኤል ኣብ ልዕሊኡ መስከረሉ። እዝ ዅሉ ኾይኑ ድማ፥ ከምልኹ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይተመለሱን፤ በዝ ዅሉውን ኣይደለይዎን።
11
ኤፍሬም ልቢ ኸም ዘይብላ የዋህ ርግቢ እዩ፤ ንግብፂ ይፅውዑ፤ ናብ ኣሶር ድማ ይኸዱ።
12
ክኸዱ እንተለዉ መርበበይ ክዝርግሐሎም፥ ከም ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ ኸውርዶም እየ፤ መከራኦም እናሰምዑ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ።
13
“ካባይ ሃዲሞም እዮም እሞ፥ ወይለኦም! ካባይ ዓሚፆም እዮም እሞ፥ ጥፍኣት ይምፅኣዮም። ከናግፎም ደለኹ፤ ንሳቶም ግና ኣብ ልዕለይ ብሓሰት ይናገሩ።
14
ኣብ ምድቃሶም ኮይኖም ይበኽዩ ነበሩ እምበር፥ ብልቦም ናባይ ኣየእወዩን፤ ናብ ስርናይን ናብ ወይንን ይእከቡ፤ ኣብ ልዕለይ ግና ዓመፁ።
15
ኣነ ኣሰልጠንክዎምን ኣበርታዕኽዎምን፤ ንሳቶም ግና ኣባይ ክፉእ መኸሩ።
16
ናብ ከንቱ ነገር ተመለሱ፤ ግና ናብ ልዑል እግዚኣብሄር ኣይኮነን። ዕላማኡ ኸም ዝስሕት ጠዋይ ቀስቲ ኾኑ። መሳፍንቶም ካብ ቍጥዓ መልሓሶም ዝተልዓለ፥ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። እዙይ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ግብፂ መሳለቒ ክኾኖም እዩ።”
← Chapter 6
Chapter 8 →