bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Hosea 11
Hosea 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ንእስራኤል ገና ህፃን እንተሎ ኣፍቀርክዎ፤ ንወደይውን ካብ ግብፂ ፀዋዕኽዎ።
2
ብመጠን ኣብዚሐ ዝፀዋዕኽዎም ከዓ ኻባይ ረሓቑ፤ ንሳቶም ንበዓሊም ሰውኡ፤ ንዝተቐረፁ ምስልታት ከዓ ዓጠኑ።
3
ኣነውን ንኤፍሬም ኢዱ ሒዘ ታተ ኣበልክዎ፤ ግና ዝፈወስክዎም ኣነ ኸም ዝኾንኩ ንሳቶም ኣየስተውዓሉን።
4
ኣነ ብናይ ሰብ ገመድ፥ ብናይ ፍቕሪ መእሰሪ ናባይ ሰሓብክዎም፤ ነቲ ኣርዑትውን ካብ ክሳዶም ኣልዓልኩሎም፤ ዝብላዕውን ኣቕረብኩሎም።”
5
“ናባይ ክምለሱ ግና ኣይፈተዉን እሞ፥ ናብ ምድሪ ግብፂ ኽምለሱ እዮም፤ ኣሶርውን ንጉሶም ክኸውን እዩ፤
6
ስለ እቲ ዝተማኸርዎ ምኽሪ ኸዓ፥ ኣብ ከተማታቶም ሰይፊ ኽምዘዝ፥ ንዓበይቶምውን ከጥፍእ እዩ።
7
ህዝበይ ብምዕማፅ፥ ልቡ ኻባይ ረሓቐ። ናብቲ ልዑል እንተ ፀውዕዎም እኳ፥ ልዕል ልዕል ከብሎም ኣይኽእልን።”
8
ኦ ኤፍሬም ከመይ ገይረ ኽሓድገካ? ኦ እስራኤል፥ ከመይ ገይረ ኣሕሊፈ ኽህበካ? ከመይ ገይረኸ ኸም ኣዳማ ኽድርብየካ? ከመይከ ኸም ሲባዮ ኽገብረካ? ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወፀ፤ ኵሉ ምሕረተይውን ተለዓዒሉ እዩ።
9
ኣነ ኣምላኽ እየ እምበር ሰብ ኣይኮንኩንሞ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን ቅዱስ እየ እሞ፥ ብናህሪ፥ ቍጥዓይ ኣየምፅእን እየ፤ መቕሰፍቲ ቝጥዓይ ኣየውፅእን እየ፤ ንኤፍሬም ከጥፍእ ድማ ኣይምለስን፤ ብመዓትውን ኣይመፅእን።
10
ንሱ ይጓዝም፥ እቶም ደቂ ኸዓ እናንቀጥቀጡ፥ ካብ ምዕራብ ይመፁ እሞ፥ ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዝጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ።
11
ካብ ግብፂ ኸም ዒፍ፥ ካብ ምድሪ ኣሶር ድማ፥ ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ኽመፁ እዮም፤ ኣነውን ኣብ ኣባይቶም ከንብሮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
12
ኤፍሬም ብሓሰት፥ ቤት እስራኤል ድማ ብተንኰል ከበበኒ፤ ይሁዳ ኸዓ ምስቲ እሙን ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣይፀንዕን።
← Chapter 10
Chapter 12 →