bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Hebrews 9
Hebrews 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ነታ ቐዳመይቲ ኺዳንውን፥ ናይ ኣገልግሎት ስርዓትን ምድራዊ መቕደስን ነበራ።
2
ድንኳንውን ተተኺሉ ነበረ፤ እታ “ቅድስቲ” ተብሂላ እትፅዋዕ፥ ቅድም እትርከብ ክፍሊ ድማ፥ ቀዋሚ ቐንዲልን ጠረጴዛን ሕብስቲ ቝርባንን ነበራ።
3
ድሕሪ እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ንንየው ዘላ ኽፍሊ ድማ፥ ቅድስተ ቅዱሳን ትብሃል ነበረት።
4
ኣብ ውሽጣ ብወርቂ ዝተሰርሐ ማዕጠንትን፥ ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ ዝተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ። ኣብ ውሽጣ መና ዝሓዘት መሶበ ወርቅን፥ ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮንን፥ ፅላት ኪዳንን ዝሓዘት ነበረት።
5
ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ከዓ፥ ነቲ ስርየት ሓጢኣት ዘፅልሉ፥ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። እንተ ኾነ ሕዚ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ ኣስፊሕና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።
6
ከምዙይ ኮይኑ ምስተዳለወ፥ እቶም ካህናት ኵልሻዕ፥ ኣብቲ ናይቲ ድንኳን ቀዳማይ ክፍሊ፥ ኣገልግሎቶም ክፍፅሙ ይኣትዉ ነበሩ።
7
ኣብቲ ኻልኣይ ክፍሊ ግና፥ እቲ ሊቀ ካህናት ጥራሕ ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ ይኣቱ፤ ግና እቲ ምእንቲ ርእሱን፥ ምእንቲ እቶም ህዝቢ ዝገበርዎ ሓጢኣትን፥ ዘቕርቦ ደም እንተይሓዘ ኣይኣቱን።
8
እታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ ድንኳን ቆይማ ኽሳዕ ዘላ፥ እቲ ናብታ ቕድስተ ቅዱሳን ዘእቱ መንገዲ፥ ገና ኸም ዘይተገለፀ መንፈስ ቅዱስ የርኢ ኣሎ።
9
እዙይ፥ ናይዝ ዘመን እዙይ ምሳሌ እዩ፤ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ መባእን መስዋእትን ከዓ፥ ናይቲ ዘቕርብ ሰብ ሕሊና ኸንፅህ ከም ዘይኽእል የመልክት።
10
እዙይ እቲ ዘመን ምሕዳስ ክሳዕ ዝመፅእ ዝግበር፥ ናይ ብልዕን መስተን፥ ናይ በብዓይነቱ ዝኾነ፥ ናይ ምንፃህ ኣፍኣዊ ስርዓት ጥራሕ እዩ ነይሩ።
11
ክርስቶስ ግና፥ ናይቲ መፂኡ ዘሎ ሰናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኮይኑ መፀ። ናብታ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት፥ ብልፅትን ፍፅምትን፥ ካብዝ ፍጥረት እዙይ ዘይኮነትን ድንኳን ከዓ ኣተወ።
12
ደም ኣጣልን ዝራብዓትን ሒዙ ዘይኮነስ፥ ብናይ ባዕሉ ደም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ረኺቡ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ናብታ ቕድስተ ቅዱሳን ኣተወ።
13
ደም ኣጣልን ዝራብዓትን፥ ናይታ ዝሓረረት ዓርሒ ሓመዅሽትን፥ ኣብቶም ዝረኸሱ ተነፂጉ፥ ሰብነቶም ኣንፂሁ ዝቕድሶም ካብ ኮነ፥
14
ደም እቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ፥ ንባዕሉ ብዘይ ነቐፋ፥ ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፥ ነቲ ህያው እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽነገልግል፥ ንሕሊናና ኻብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ፥ ክንደይ ኣብሊፁ ዘየንፅሆ!
15
በዝ ምኽንያት እዙይ፥ ክርስቶስ ናይዛ ሓዳስ ኪዳን እዚኣ፥ ማእኸላይ መተዓረቒ ኾነ። እቶም ፅዉዓት፥ ነታ ዘተስፈዎም ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ካብቲ ኣብ ትሕቲ እታ ቐዳመይቲ ኺዳን እንተለዉ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምእንቲ ኸድሕኖም፥ ቤዛ ኾይኑ ሞተ።
16
ኑዛዜ እንተ ሃልዩ፥ ናይቲ ዝተናዘዘ ሰብ ሞት ምርግጋፅ የድሊ እዩ።
17
ኑዛዜ ድሕሪ ሞት እዩ ዝፀንዕሞ። እቲ ዝተናዘዘ፥ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ግና ዝጠቕሞ የብሉን።
18
ስለዙይውን እታ ቐዳመይቲ ኺዳን ክትስራዕ እንተላኳ፥ ብዘይ ደም ኣይፀንዐትን።
19
ሙሴ ድማ፥ ነቲ ትእዛዝ ብምሉኡ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ምስ ነገሮም፥ ደም ዝራብዓትን ኣጣልን ምስ ማይ ሓዊሱ፥ ብቐይሕ ፀጕሪ በጊዕን፥ ብቘፅሊ ስምዕዛን ገይሩ፥ “እግዚኣብሄር ክትሕልውዎ ዝኣዘዘኩም፥ ብደም ዝተሰርዐ ኺዳን እዙይ እዩ” እናበለ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቶም ህዝብን ነፀገሎም።
21
ከምኡ ድማ፥ ነቲ ድንኳንን ንዅሉ እቲ ናይ ኣገልግሎት ኣቕሑን ደም ነፀገሉ።
22
ከምቲ ሕጊ ዝሰርዖ፥ ዳርጋ ዅሉ ብደም እዩ ዝነፅህ፤ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን፥ ስርየት ሓጢኣት የለንሞ።
23
እምበኣር ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፥ ምስሊ ዝኾነ፥ ብመስዋእቲ ኽነፅህ ግድን ካብ ኮነ፥ እቲ ሰማያዊ ነገራት ንባዕሉ ብዝሐሸ መስዋእቲ ኽነፅህ ግድን እዩ።
24
ክርስቶስ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ክንዳና ምእንቲ ኽረአየልና፥ ናብ ሰማይ ኣተወ እምበር፥ ናብታ ብኢድ ዝተገብረት፥ ናይታ ምስሊ ናይ ብሓቂ መቕደስ ናብ ዝኾነት ኣይኣተወን።
25
ከምቲ ሊቀ ካህናት በብዓመት፥ ናይ ካልእ ደም ሒዙ ናብ መቕደስ ዝኣቱ፥ ክርስቶስ ንባዕሉ ብዙሕ ጊዜ ከቕርብ ኣይኣተወን።
26
ከምኡ እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ክርስቶስ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ብዙሕ ጊዜ መከራ ኽቕበል መድለዮ ነይሩ። ሕዚ ግና ንሓጢኣት ምእንቲ ኽድምስስ ኢሉ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ብምቕራብ፥ ኣብ መወዳእታ ዘመን ተገልፀ።
27
ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ምሟት፥ ብድሕሪኡ ኸዓ ፍርዲ ተሰሪዑሉ ዘሎ፥
28
ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ናይ ብዙሓት ሓጢኣት ምእንቲ ኸወግድ፥ ሓንሳእ ዝተሰውአ ክርስቶስ፥ ደጊም ንሓጢኣት ክፀውር ዘይኮነስ፥ ነቶም ዝፅበይዎ ኸድሕኖም፥ ካልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ክግለፅ እዩ።
← Chapter 8
Chapter 10 →