bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Hebrews 8
Hebrews 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እምበኣር እቲ ኽንብሎ ዝደለና ቑም ነገር እዙይ እዩ፦ ንሕናስ ኣብ ሰማያት፥ ኣብ የማን ዙፋን ልዑል እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ ሊቀ ካህናት ኣለና።
2
ንሱ ኣብታ ሰብ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ዝተኸላ መቕደስን፥ ናይ ብሓቂ ድንኳንን እዩ ዘገልግል።
3
ኵሉ ሊቀ ካህናት ዝኾነ፥ መባእን መስዋእትን ከቕርብ እዩ ዝሽየም፤ ስለዙይ እዝ ካህን እዙይውን ዘቕርቦ ኽህልዎ ግድን እዩ።
4
እምበኣርከስ ኣብ ምድሪ እንተ ዝኸውንስ፥ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ገይሮም፥ መባእ ዘቕርቡ ካህናት ስለ ዘለዉ፥ ንሱ ኸቶ ካህን ኣይምኾነን ነይሩ።
5
እዚኣቶም ንምስልን ፅላሎትን፥ ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ መቕደስ ዘገልግሉ እዮም። ስለዙይ ከዓ እዩ ንሙሴ ድንኳን ክገብር እንተሎ፥ “ኵሉ ኸምታ ኣብ እምባ ዝረአኻያ ምስሊ ጌርካ ተጠንቂቕካ ስራሕ” ዝበሎ።
6
ሕዚ ግና እታ ኢየሱስ ማእኸላይ ኮይኑ ዘገልግለላ ኺዳን፥ ካብታ ኣረጊት ዝበለፀትን፥ ኣብ ዝበለፀ ተስፋ ዝተመስረተትን ስለ ዝኾነት፥ እቲ ንእኡ ዝተውሃቦ ኣገልግሎት፥ ካብቲ ናታቶም ዝበለፀ እዩ።
7
እታ ቐዳመይቲ ኺዳን ነቐፋ እንተ ዘይርከባስ፥ እታ ኻልአይቲ ኣይመድለየትን ነይራ።
8
ንሱ ንኣኣቶም እናነቐፈ፥ ከምዙይ ይብሎም እዩሞ፦ “እንሆ ምስ ቤት እስራኤልን፥ ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን፥ ዝኣትወለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
9
ከምታ ብኢዶም ሒዘ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ኺዳን ኣይኮነን፤ ንሳቶም ብኺዳነይ ኣይፀንዑን እሞ፥ ኣነውን ሸለል በልክዎም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
10
እንሆ ድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምስ እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ፦ ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፥ ኣብ ልቦምውን ክፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኾኖም እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
11
ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም ስለ ዝፈልጡኒ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ፍለጦ’ ኢሉ ብፃይ ንብፃዩ፥ ሓው ንሓዉ ኣይምህሮን፤
12
ንበደሎም ክምሕር እየ፤ ንሓጢኣቶምውን ድሕሪዙይ ኣይዝክሮን እየሞ።”
13
ነዝ ኺዳን እዙይ “ሓድሽ” ኢሉ ብምፅዋዑ፥ ነቲ ቐዳማይ ብሉይ ገበሮ። እቲ ዝበለየን ዝኣረገን ከዓ፥ ክጠፍእ ቀሪቡ እዩ።
← Chapter 7
Chapter 9 →