bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Hebrews 10
Hebrews 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሕጊ፥ ናይቲ ኽመፅእ ዘለዎ ሰናይ ነገር ፅላሎት እምበር፥ ንሱ ባዕሉ ኣይኮነን። በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ፥ እቲ በብዓመት ኵልሻዕ ዝቐርብ መስዋእትታት፥ ነቶም ዘቕርብዎ ኸቶ ፍፁማት ክገብሮም ኣይኽእልን።
2
እቶም መስዋእቲ ዘቕርቡ፥ ነፂሆም እንተ ዝኾኑ፥ በቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ሕሊናኦም ኣይምወቐሶምን ነይሩ፤ መስዋእቲ ኻብ ምቕራብውን መዕረፉ ነይሮም።
3
እንተ ኾነ፥ እቲ በብዓመት ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ሓጢኣት ከም ዘሎ ዘዘክር እዩ።
4
ደም ዝራብዓትን ኣጣልን፥ ሓጢኣት ከርሕቕ ኣይኽእልን እዩ እሞ።
5
ስለዙይ ክርስቶስ ናብ ዓለም ክመፅእ እንተሎ ኸምዙይ በለ፦ “መስዋእትን መባእን ኣይደለኻን፤ እንተ ኾነ ስጋ ኣዳሎኻለይ።
6
ብዝቃፀል መስዋእትን፥ በቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን፥ ደስ ኣይበለካን።
7
ሽዑ ኸዓ ኣነ፥ ‘ኦ ኣምላኸይ፥ ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ብዛዕባይ ተፅሒፉ ዘሎ፥ እንሆ ፍቓድካ ኽፍፅም መፂአ ኣለኹ’ በልኩ።”
8
ኣቐዲሙ ሕጊ ዝእዝዝ እንተ ኾነ እኳ፥ “መስዋእትን መባእን፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ኣይደለኻን፤ ብእኡውን ደስ ኣይበለካን” ይብል።
9
ኣስዒቡ ኸዓ “እንሆ ኣምላኸይ፥ ፍቓድካ ኽፍፅም መፂአ ኣለኹ” ይብል። ነታ ዳሕረወይቲ ምእንቲ ኸፅንዕ፥ ነታ ቐዳመይቲ ሰዓራ።
10
በዝ ፈቓድ እዙይ፥ በቲ ሓንሳዕ ንሓዋሩ ዝኣክል፥ እተሰውአ መስዋእቲ ስጋ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ተቐዲስና ኣለና።
11
ኵሉ ካህን ዝኾነ፥ በብመዓልቱ ኣገልግሎቱ ይፍፅም፤ ነቲ ፈፂሙ ሓጢኣት ከርሕቕ ዘይኽእል መስዋእቲ ድማ፥ መላሊሱ የቕርብ።
12
ክርስቶስ ግና፥ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝኸውን መስዋእቲ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐመጠ።
13
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ፥ እቶም ፀላእቱ፥ መርገፂ እግሩ ኽሳዕ ዝኾኑ ይፅበ ኣሎ።
14
እዙይ ከዓ ነቶም ዝቕደሱ፥ ብሓደ መስዋእቲ፥ ንዘለኣለም ፍፁማን ገይሩዎም እዩሞ።
15
መንፈስ ቅዱስውን ስለዙይ ይምስክረልና ኣሎ፦
16
“ብድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንሕግታተይ ኣብ ልቦም ከንብር እየ፤ ኣብ ኣእምሮኣቶምውን ክፅሕፎ እየ።”
17
ኣስዒቡ ኸዓ “ደጊም ሓጢኣቶምን ዓመፃኦምን፥ ከቶ ኣይዝክርን እየ” ይብል።
18
እምበኣር ብኸምዙይ ሓጢኣት ዝሕደግ ካብ ኮነ፥ ካብ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ኣየድልን እዩ።
19
ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ብደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ንምእታው፥ መተኣማመኒ ረኺብና ኢና።
20
እንኣትዎ ኸዓ በቲ መጋረጃ፥ ብሰብነቱ ዝተኸፍተ፥ ሓድሽን ህያውን ብዝኾነ መንገዲ ኣቢልና ኢና።
21
ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዓብዪ ካህን ስለዘለና፥
22
ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ።
23
እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፥ ስለዙይ ነታ እንፅበያ ተስፋ፥ ብዘይ ምጥርጣር ኣፅኒዕና ንሓዛ።
24
ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን፥ ንስንሳትና ኽንነቓቓሕ ንፅዓር።
25
ከምቲ ገሊኣቶም ልማድ ገይሮምዎ ዘለዉ፥ ብሓባር ምእካብ ኣይንሕደግ፤ እኳ ደኣ ኸምቲ እትሪእዎ ዘለኹም፥ እታ ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ትቐርብ ምህላዋ እናዘከርና፥ ንስንሳትና ብዝበለፀ ንመዓዓድ።
26
ነቲ ሓቂ ምስ ፈለጥናዮ፥ ኮነ ኢልና ሓጢኣት እንተ ገበርና፥ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ የለን፤
27
ክንድኡ ግና፥ ዘፍርሕ ፍርድን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፃረሩ ዘንድድ ብርቱዕ ሓዊን ኢና ብራዕዲ እንፅበ።
28
ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብኽልተ ወይ ብሰለስተ ምስክር፥ ብዘይ ምሕረት ይቕተል ነበረ።
29
ንወዲ እግዚኣብሄር ዝረገፀ፥ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ድማ ዘርከሰ፥ ነቲ ፀጋ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግዳ፥ ክንደይ ዝገደደ ቕፅዓት ዝግብኦ ይመስለኩም!
30
ንሕና ነቲ፥ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፤ ኣነ ሕነ ኽፈዲ እየ” ደጊሙ ኸዓ፥ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽፈርዶ እዩ” ዝበለ፥ ንፈልጦ ኢናሞ።
31
ኣብ ኢድ እቲ ህያው ዝኾነ ኣምላኽ ምውዳቕ፥ የመና ዘፍርሕ እዩ።
32
ብርሃን ምስ በርሀልኩም ተዓጊስኩም መከራ ንዝተቐበልኩምለን፥ ነተን ቀዳሞት መዓልቲታት ዘክርወን።
33
ብሓደ ወገን፥ ፀርፍን ውርደትን ተቐበልኩም፤ ብሓደ ወገን ከዓ፥ ምስቶም ከምዙይ ዝመሰለ ዝበፅሖም ሰባት ተኻፈልቲ ኾንኩም።
34
ዝሐሸን ንዘለኣለም ዝነብርን ሃብቲ፥ ኣብ ሰማይ ከም ዘለኩም ፈሊጥኩም፥ ነቶም እሱራት ራህራህኹምሎም፤ ንብረትኩም እንትውረርውን ብሓጐስ ተቐበልኩምዎ።
35
እምበኣር ነቲ ብዙሕ ዓስቢ እትረኽቡሉ እምነትኩም ኣይትሕደጉ።
36
ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትፍፅሙን፥ ነቲ ዘተስፈዎ ምእንቲ ኽትቅበሉን፥ ፅንዓት የድልየኩም እዩሞ።
37
“ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ እቲ ዝመፅእ ክመፅእ እዩ፤ ኣይድንጕን ከዓ እዩ፤
38
ፃድቕ ግና፥ ብእምነት እዩ ዝነብር፤ ንድሕሪት እንተ ተመለሰ ግና፥ ነፍሰይ ብእኡ ደስ ኣይብላን እዩ” ይብል እዩ እሞ።
39
ንሕና ግና ምስቶም ንድሕሪት ተመሊሶም ዝጠፍኡ ዘይኮንናስ፥ ምስቶም ብእምነት ዝድሕኑ ኢና።
← Chapter 9
Chapter 11 →