bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Hebrews 7
Hebrews 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
መልከ ፄዴቅ፥ ናይ ሳሌም ንጉስን፥ ናይ ልዑል እግዚኣብሄር ካህንን ነበረ። ኣብርሃም ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኽምለስ እንተሎ፥ መልከ ፄዴቅ ተቐቢሉ ባረኾ።
2
ኣብርሃም ድማ፥ ካብቲ ዅሉ ዝማረኾ ኣስራት ሃቦ። ቅድም ትርጕም ስሙ “ንጉስ ፅድቂ” ማለት እዩ፤ ደሓርውን “ንጉስ ሳሌም” እዙይ ድማ “ንጉስ ሰላም” ማለት እዩ።
3
መልከ ፄዴቅ፥ ኣቦ ኾነ እኖ ወይ ሃረግ ትውልዲ የብሉን። ዝተወለደሉ መዓልቲ ወይ ናይ ህይወቱ መወዳእታ የብሉን፤ ንሱ ብምሳሌ ወዲ እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ካህን ኮይኑ ይነብር።
4
እዝ ሰብዙይ፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኸም ዝኾነ እስኪ ረአዩ! እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝኾነ ኣብርሃም እኳ፥ ኣስራት ናይቲ ዝማረኾ ሃቦ።
5
እቶም ክህነት ዝቕበሉ ደቂ ሌዊ ግና፥ ካብ ህዝቢ፥ ካብቶም ኣሕዋቶም ዝኾኑ ደቂ ኣብርሃም፥ ኣስራት ክወስዱ ሕጊ ሙሴ ይእዝዝ።
6
መልከ ፄዴቅ ግና፥ ካብ ሌዊ እኳ እንተ ዘይተወለደ፥ ካብ ኣብርሃም ኣስራት ተቐበለ፤ ንሱውን ነቲ ተስፋ ዝተውሃቦ ኣብርሃም ባረኾ።
7
እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶይ ከም ዝባርኾ ፍሉጥ እዩ።
8
በዝ ሓደ ወገን ነቲ ኣስራት፥ እቶም መወትቲ ዝኾኑ ሌዋውያን ይወስድዎ፤ በቲ ሓደ ወገን ከዓ፥ እቲ ህያው ኮይኑ ኸም ዝነብር ዝተመስከረሉ ይወስዶ።
9
ወይ ድማ ኸምዙይ ክንብሎ ንኽእል፦ እቲ ኣስራት ዝቕበል ሌዊ እኳ፥ ብኣብርሃም ገይሩ ኣስራት ሃበ፤
10
መልከ ፄዴቅ ንኣብርሃም ክራኸቦ እንተሎ፥ ሌዊ ገና ኣብ ሕቘ ኣብርሃም ኣቦኡ እዩ ነይሩ እሞ።
11
እቲ ንህዝቢ እስራኤል ዝተውሃበ ሕጊ፥ ከም ስርዓት ክህነት ሌዋውያን እዩ ዝነበረ። እምበኣር እዝ ኽህነት እዙይ፥ ፍፁም ነይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ከም መዓርግ ኣሮን ዘይኮነስ፥ ከም መዓርግ መልከ ፄዴቅ ዝኾነ፥ ካልእ ካህን ክትስእ ንምንታይ መድለየ ነይሩ?
12
ክህነት ክልወጥ እንተሎ፥ ሕጊ እውን ናይ ግድን ክልወጥ ኣለዎ።
13
እዝ ብዛዕባኡ ተዘሪቡሉ ዘሎ ጐይታና፥ ካብ ካልእ ዓሌት እዩ፤ ካብዝ ዓሌት እዙይ ሓደኳ ኣብ መሰውኢ ዘገልገለ የለን።
14
ጐይታና ኢየሱስ፥ ካብቲ ሙሴ ብዛዕባ ክህነት ክዛረብ እንተሎ ዘይተዛረበሉ፥ ካብ ዓሌት ይሁዳ ኸም ዝተወለደ ፍሉጥ እዩ።
15
ሕዚ ኸዓ ኸም መልከ ፄዴቅ ዝበለ፥ ካልእ ካህን ክትስእ እንተሎ፥ እቲ ነገር ኣፀቢቑ ይገሃድ።
16
“ንስኻ ኸም መልከ ፄዴቅ፥ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ” ኢሉ ስለ ዝመስከረሉ ኸዓ፥ እቲ ኽህነቱ ምድራዊ ስርዓት ኣብ ዝሓገጎ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ዘይሓልፍ ሓይሊ ህይወት ዝተመስረተ እዩ።
18
እቲ ዝሓለፈ ትእዛዝ፥ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝኾነ እዩ ዝተስዓረ።
19
ሕጊ ሙሴ፥ ንሓደኳ ኣብ ፍፃሜ ዘብፅሖ የለን እሞ። ሕዚ ግና ናብ እግዚኣብሄር እንቐርበሉ፥ ዝበለፀ ተስፋ መፂኡልና ኣሎ።
20
እዝ ኽህነት እዙይ ብዘይ ማሕላ ኣይኮነን። እቲኣቶም ብዘይ ማሕላ እዮም ካህናት ዝኾኑ ዝነበሩ።
21
ንሱ ግና፥ “እግዚኣብሄር፥ ‘ንስኻ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ’ ኢሉ መሓለ፥ ኣይናሳሕን ከዓ እዩ” ኸም ዝብል፥ ብማሕላ እዩ ካህን ዝኾነ።
22
ከምኡውን ኢየሱስ፥ ናይታ ዝበለፀት ኪዳን ዋሕስ ኮነ።
23
ብኽህነት ኵልሻዕ ከየገልግሉ ሞት ስለ ዝኸልከሎም፥ እቶም ቀዳሞት ካህናት ብዙሓት ነበሩ።
24
ኢየሱስ ግና ንዘለኣለም ዝነብር ስለ ዝኾነ፥ ዘይሓልፍ ክህነት ኣለዎ።
25
ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።
26
ንኣናውን ቅዱስ፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ንፁህ፥ ካብ ሓጥኣን ዝተፈለየ፥ ካብ ሰማያት ከዓ ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና።
27
ንሱ ንሓዋሩ፥ ሓደ ጊዜ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ኣቕሪቡ እዩ እሞ፥ ከምቶም ካልኦት ሊቃነ ካህናት፥ ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፥ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ፥ በብመዓልቱ መስዋእቲ ኸቕርብ ኣየድልዮን እዩ።
28
ሕጊ ሙሴ፥ ነቶም ድኽመት ዘለዎም ሰባት፥ ሊቃነ ካህናት ገይሩ ሸሞም፤ እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመፀ ቓል ማሕላ ግና፥ ነቲ ንዘለኣለም ፍፁም ዝኾነ ወልድ ሸመ።
← Chapter 6
Chapter 8 →