bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 47
Genesis 47
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዮሴፍ ናብ ፈርዖን ኣትዩ “ኣቦይን ኣሕዋተይን ጤለ በጊዖምን ከፍቶምን ኵሉ ዘለዎምን ሒዞም፥ ካብ ምድሪ ከነዓን መፂኦም፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ጌሴም ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ።
2
ካብቶም ኣሕዋቱ ድማ ሓሙሽተ ሰብኣይ መሪፁ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣቕረቦም።
3
ፈርዖን ከዓ ነሕዋት ዮሴፍ “ስራሕኹም እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ ንፈርዖን “ንሕና ሓሻኽርካ ስራሕና ኸምቲ ናይ ኣቦታትና መርባሕቲ እንስሳት ኢና” ኢሎም መለሱሉ።
4
ኣስዒቦም ከዓ ንፈርዖን “ኣብ ምድሪ ከነዓን ጥሜት የመና ስለ ዝበርትዐ፥ እንስሳት ሓሻኽርካ ዝዋፈራሉ የለን። ስለዙይ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ብስደት መፂእና ኣለና፤ ሕዚ ኸዓ ሓሻኽርካ ኣብ ምድሪ ጌሴም ክንቅመጥ ንልምነካ ኣለና” በልዎ።
5
ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ “ኣቦኻን ኣሕዋትካን እንሆ መፂኦምልካ ኣለዉ፤
6
ምድሪ ግብፂ ኸዓ ኣብ ኢድካ እያ። ነቦኻን ነሕዋትካን ኣብታ ዝበለፀት ምድሪ ኣቐምጦም። ኣብ ምድሪ ጌሴም ይቀመጡ። ካብኣቶም እትፈልጦም ክኢላታት ሰባት እንተ ሃልዮምኻ፥ ኣብ ከፍተይ ዋናታት ግበሮም” በሎ።
7
ሽዑ ዮሴፍ ነቦኡ ያእቆብ ኣምፂኡ ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣቕረቦ። ያእቆብ ድማ ንፈርዖን መረቖ።
8
ፈርዖን ከዓ ንያእቆብ “ዕድሜኻ ኽንደይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
9
ያእቆብ ድማ “እተን ብስደት ዘሕለፍክወን ሚእትን ሰላሳን ዓመት እየን። ንሳተን ውሑዳትን መረርትን ነበራ። ክንዲ እተን ኣቦታተይ ብስደት ዘሕለፍወን ዘመናት ኣይኾናን እየን” በሎ።
10
ያእቆብ ድማ ንፈርዖን መሪቑ ኻብኡ ወፀ።
11
ዮሴፍ ከዓ ነቦኡን ነሕዋቱን መሬት ኣካፈሎም፤ ከምቲ ፈርዖን ዝኣዘዞውን፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኣብታ ዝበለፀት ምድሪ፥ ኣብ ምድሪ ራምሴ ርስቲ ሃቦም።
12
ዮሴፍ ነቦኡን ነሕዋቱን ንዅሉ ቤተ ሰብ ኣቦኡን ይሓልየሎም ነበረ። ከከም ብዝሒ ቤተ ሰቦምውን እኽሊ እናሰፈረ ይህቦም ነበረ።
13
ኣብ ኵላ ምድሪ እኽሊ ስለ ዘይነበረ እቲ ጥሜት የመና በርትዐ። ካብ ጥሜት ዝተልዓለውን ኣብ ምድሪ ግብፅን ኣብ ምድሪ ከነዓንን ዝነብሩ ህዝቢ ብጥሜት ሰንሰኑ።
14
ዮሴፍ ድማ ኻብ ምድሪ ግብፅን ካብ ምድሪ ከነዓንን፥ እቲ ብሸመታ እኽሊ ዝተረኽበ ገንዘብ ኣከቦ፤ ናብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖን ድማ ኣእተዎ።
15
እቲ ኣብ ምድሪ ግብፅን ኣብ ምድሪ ከነዓንን ዝነበረ ገንዘብ ምስ ተወድአ ድማ፥ ኵሎም ግብፃውያን ናብ ዮሴፍ መፂኦም፥ “ስለ ምንታይ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ እንመውት? ገንዘብና ተወዲኡ እዩ እሞ እኽሊ ሃበና” በልዎ።
16
ዮሴፍ ከዓ “ገንዘብኩም እንተ ደኣ ተወዲኡ ኾይኑ፥ ጥሪትኩም ኣምፅኡ፤ ክንዲ ጥሪትኩም ድማ እኽሊ ኽህበኩም እየ” በሎም።
17
ንሳቶም ከዓ ጥሪቶም ናብ ዮሴፍ ኣምፅኡ። ዮሴፍ ድማ ኽንዲ ኣፍራስን ኣባጊዕን ኣጣልን ከፍትን ኣእዱግን እኽሊ ሃቦም። ስለዙይ ክንዲ ዅለን ጥሪቶም እኽሊ እናሃበ እታ ዓመት እቲኣ ኣሕለፎም።
18
እታ ዓመት እቲኣ ምስ ሓለፈት ከዓ፥ በታ ኻልአይቲ ዓመት ናብ ዮሴፍ መፂኦም፥ “ገንዘብ ከም ዝተወድአ፥ ንኣኻ ንጐይታና ኣይንሓብአካን ኢና፤ እተን መጓሰታት ጥሪት ድማ ምሳኻ ኣለዋ። በይዛኻ እንትርፊ ነፍስናን ምድርናን ካልእ ኣይተረፈናን።
19
ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ስለ ምንታይ ንመውት? ምድርናኸ ስለ ምንታይ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ እትጠፍእ? ንኣናን ንምድርናን ብእኽሊ ዓድገና። ንሕናን ምድርናን ድማ ባሮት ፈርዖን ንኹን። ንሕና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ እታ መሬት ከዓ ኸይትባድምስ ዘርኢ ሃበና” በልዎ።
20
ግብፃውያን ጥሜት ስለ ዝበርትዖም፥ ነፍሲ ወከፎም ገግራቶም ሸጡ፤ ዮሴፍ ከዓ ዅላ ምድሪ ግብፂ፥ ንፈርዖን ክትከውን ዓደጋ፤ እታ ምድሪ ድማ ናይ ፈርዖን ኮነት።
21
ንህዝቢ ግብፂ ኸዓ፥ ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ፥ ናይ ፈርዖን ባሮት ገበሮም።
22
እቶም ካህናት ግና ኻብ ፈርዖን ውሱን ድርጎ ስለ ዝነበሮም፥ መሬቶም ኣይሸጡን። ስለዙይ ዮሴፍ ንመሬት ካህናት ጥራሕ እዩ ዘይዓደገ።
23
ዮሴፍ ከዓ ነቶም ህዝቢ “እንሆ፥ ሎሚ ንኣኻትኩምን ንምድሪኹምን ንፈርዖን ዓዲገኩም እየ። ዘርኢ እኒሀልኩም፤ ነታ ምድሪ እውን ዝርእዋ።
24
ጊዜ ቐውዒ ምስ ኮነ ሓምሻይ ኣፍ ንፈርዖን ትህብዎ፤ እቲ ኣርባዕተ ኣፍ ድማ ንግራትኩም ዘርኢ፥ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ንቤተ ሰብኩምን ቀለብ ይኹን” በሎም።
25
ንሳቶም ድማ “ንስኻ ኣድሓንካና፤ ኣብ ቅድሜኻ ደኣ እንኳዕ ሞገስ ረኸብና እምበር፥ ባሮት ፈርዖን ንኸውን” በልዎ።
26
ዮሴፍ ከዓ “ኣብ ምድሪ ግብፂ ሓምሻይ ኣፍ ንፈርዖን ይኹን” ኢሉ ሓገገ። እዝ ሕጊ እዙይ ክሳዕ ሎሚ ቖይሙ ኣሎ። ምድሪ ካህናት ጥራሕ እያ ናይ ፈርዖን ዘይኮነት።
27
እስራኤል ድማ ኣብ ምድሪ ግብፂ ኣብ ምድሪ ጌሴም ተቐመጠ። ርስቶምውን ኮነት፤ ፈረዩ፤ የመናውን በዝሑ።
28
ያእቆብ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ተቐመጠ። ዕድሚኡ ድማ ሚእትን ኣርብዓን ሸውዓተን ዓመት ኮነ።
29
ክመውት ምስ ቀረበ ንወዱ ዮሴፍ ፀዊዑ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር፤ ሕያዋይነትካን ተኣማንነትካን ክፈልጥ ቃል እተወለይ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ኣይትቕበረኒ።
30
ምስ ሞትኩ ኻብ ግብፂ ኣውፂእኻ፥ ኣብ መቓብር ኣቦታተይ ቅበረኒ” በሎ። ዮሴፍ ከዓ “ከም ዝበልካኒ ኽገብር እየ” በሎ።
31
ያእቆብ ድማ “መሓለለይ” በሎ። ዮሴፍውን መሓለሉ። ያእቆብ ኣብ መተርኣሱ ሰጊዱ ኣመስገነ።
← Chapter 46
Chapter 48 →