bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 46
Genesis 46
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እስራኤል ኵሉ ዘለዎ ሒዙ ተልዓለ። ኣብ ቤርሳቤህ ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ንኣምላኽ ኣቦኡ ይስሓቅ፥ መስዋእቲ ሰውአ።
2
እግዚኣብሄር ድማ ንያእቆብ ብራእይ ለይቲ “ያእቆብ! ያእቆብ!” ኢሉ ፀውዖ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ” በለ።
3
“ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ እግዚኣብሄር እየ። ኣብኡ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ እሞ፥ ናብ ግብፂ ምኻድ ኣይትፍራሕ።
4
ኣነ ምሳኻ ናብ ግብፂ ኽወርድ እየ፤ ብርግፅ ድማ ኻብኡ ኣነ ኸውፅአካ እየ። ክትመውት እንተለኻ ኸዓ ዮሴፍ ኢዱ ኣብ ዓይንኻ ኸንብር እዩ” በሎ።
5
ያእቆብ ድማ ኻብ ቤርሳቤህ ተስአ። ደቂ እስራኤል ከዓ ነቦኦምን ህፃናቶምን ኣንስቶምን፥ ናብቶም ያእቆብ ክመፀሉ ኢሉ ፈርዖን ዝሰደዶም ሰረገላታት ኣደየብዎም።
6
ከፍቶምን ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘጥረይዎ ገንዘቦምን ሒዞም፥ ናብ ግብፂ ኣተዉ። ያእቆብውን ንዅሉ ዘርኡ፥
7
ንደቁን ንደቂ ደቁን፥ ነዋልድ ደቁን፥ ንዅሉ ዘርኡን ሒዙ ናብ ግብፂ ኣተወ።
8
ስም እቶም ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ደቂ እስራኤል፥ እዝ ዝስዕብ እዩ፦ በዅሪ ያእቆብ፥ ሮቤል።
9
ደቂ ሮቤል፦ ሄኖህ፥ ፈሉሶ፥ ኣስሮን፥ ከርሚ።
10
ደቂ ስምኦን፦ ይሙኤል፥ ያሚን፥ ኦሃድ፥ ያኪን፥ ፆሓር፥ ሳኡል ወዲ እታ ከነዓናዊት።
11
ደቂ ሌዊ፦ ጌድሶን፥ ቀዓት፥ ሜራሪ።
12
ደቂ ይሁዳ ድማ፦ ዔር፥ ኣውናን፥ ሴሎም፥ ፋሬስ፥ ዛራ። ዔርናን ኣውናንን ግና ኣብ ምድሪ ከነዓን ሞቱ። ደቂ ፋሬስ፦ ኤስሮም፥ ሓሙል።
13
ደቂ ይሳኮር፦ ቶላ፥ ፉዋ፥ ዮብ፥ ሺምሮን።
14
ደቂ ዛብሎን ድማ፦ ሴሬድ፥ ኤሎን፥ ያሕልኤል።
15
እዚኣቶምን፥ ዲና ጓሉን፥ ያእቆብ ካብ ልያ ኣብ መስጴጦምያ ሶርያ ዝወለዶም ደቁን ደቂ ደቁን እዮም። ኵሎም፥ ኣወዳትን ኣዋልድን፥ ሰላሳን ሰለስተን ነፍሲ ነበሩ።
16
ደቂ ጋድ ድማ፦ ፅፎን፥ ሓጊ፥ ሹኒ፥ ኤስቦን፥ ዔሪ፥ ኣሮዲ፥ ኣርኤሊ።
17
ደቂ ኣሴር፦ ዪምና፥ ዪስዋ፥ የስዊ፥ በሪዓ። ሴራሕ እትበሃል ሓፍቲ ኸዓ ነበረቶም። ደቂ በሪዓ፦ ሔቤር፥ መልኪኤል።
18
እዚኣቶም ዘለፋ፥ እታ ላባ ንጓሉ ልያ ዝሃባ፥ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዓሰርተ ሽዱሽተ እዮም።
19
ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ ድማ ንዮሴፍን ንብንያምን ወለደት።
20
ንዮሴፍ ከዓ ኣብ ምድሪ ግብፂ፥ ኣስናት ጓል ጶጥፌራ ኻህን ከተማ ሄልዮት ዝወለደትሉ፥ ምናሴን ኤፍሬምን እዮም።
21
ደቂ ብንያም ድማ፦ ቤላ፥ ቤከር፥ ኣስቤል፥ ደቂ ቤላ ድማ ጌራ፥ ናዕማን፥ ኣኪ፥ ሮስ፥ ማንፌን፥ ሑፊም፥ ጌራም ንኣርድ ወለደ።
22
ንያእቆብ ካብ ራሄል ዝተወለዱሉ ደቁን ደቂ ደቁን ዓሰርተ ኣርባዕተ እዚኣቶም እዮም።
23
ወዲ ዳን፥ ሑሺም።
24
ደቂ ንፍታሌም፦ ያሕፅኤል፥ ጉኒ፥ ዮፅር፥ ሺሌም።
25
እዚኣቶም ደቂ ባላ ደቂ እታ ላባ ንራሄል ጓሉ ዝሃባ እዮም። ባላ፥ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዅሎም ሸውዓተ እዮም።
26
እቶም ምስ ያእቆብ ናብ ግብፂ ዝኣተዉ፥ ብዘይ ኣንስቲ ደቁ፥ ካብ ሕቘኡ ዝወፁ ዅሎም ስሳን ሽዱሽተን ነበሩ።
27
ኣብ ምድሪ ግብፂ ንዮሴፍ ዝተወለዱሉ ኸዓ ኽልተ ደቂ እዮም። ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ዅሎም ቤተ ሰብ ያእቆብ እምበኣር ሰብዓ እዮም።
28
ዮሴፍ ኣብ ጌሴም ምእንቲ ኽቕበሎ ያእቆብ ንይሁዳ ቐቅድሚኡ ሰደዶ። ኣብ ምድሪ ጌሴምውን በፅሑ፥
29
ዮሴፍ ሰረገላኡ ፅዒኑ፥ ነቦኡ ያእቆብ ክራኸቦ ናብ ጌሴም መፀ። ምስ ተራኸቡ፥ ዮሴፍ ክሳድ ኣቦኡ ብኢዱ ሓቝፉ ነዊሕ ጊዜ በኸየ።
30
ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ “ሕዝስ ገና ብህይወት ከም ዘለኻ ኻብ ፈለጥኩ፥ ገፅካውን ካብ ረአኹስ፥ እንተ ሞትኩውን ግዲ የብለይን” በሎ።
31
ዮሴፍ ከዓ ነሕዋቱን ንቤተ ሰብ ኣቦኡን፦ “ናብ ፈርዖን ከይደ ‘ኣብ ምድሪ ከነዓን ዝነበሩ ኣሕዋተይን ቤተ ሰብ ኣቦይን፥ ናባይ መፂኦም ኣለዉ።
32
እዞም ሰባት እዚኣቶም መርባሕቲ እንስሳ እዮም። ኣባጊዖምን ኣጣሎምን ከፍታቶምን ኵሉ ዘለዎምን ሒዞም መፂኦም ኣለዉ’ ኽብሎ እየ።
33
ፈርዖን ፀዊዑ ‘ስራሕኹም እንታይ እዩ?’ ኢሉ እንተ ጠየቐኩም፥
34
ጓስነት ብግብፃውያን ፅዩፍ እዩ እሞ፥ ኣብ ምድሪ ጌሴም ምእንቲ ኽትቅመጡስ ‘ሓሻኽርካ፥ ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ኽሳዕ ሕዚ መርባሕቲ እንስሳት ኢና’ በሉ” በሎም።
← Chapter 45
Chapter 47 →