bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 48
Genesis 48
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪ ቑሩብ እዋን ንዮሴፍ “እንሆ፥ ኣቦኻ ሓሚሙ” በልዎ። ዮሴፍ ከዓ ንኽልቲኦም ደቁ፥ ንምናሴን ኤፍሬምን፥ ሒዝዎም ከደ።
2
ንያእቆብ ድማ “እንሆ፥ ወድኻ ዮሴፍ መፂኡ” ኢሎም ነገርዎ። ያእቆብ ከዓ ተፀናኒዑ ኣብ ዓራቱ ኾፍ በለ።
3
ያእቆብ ከዓ ንዮሴፍ ከምዙይ በሎ፦ “እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ኣብ ሎዛ ኣብ ምድሪ ከነዓን ተርኣየኒ፤ ባረኸኒ፤ ከምዙይ ድማ በለኒ፦
4
‘እንሆ፥ ኣነ ኸፍርየካን ከብዝሐካን፥ ብዙሕ ህዝቢ ኸዓ ኽገብረካን እየ፤ ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ርስቲ ዘለኣለም ገይረ ኽህቦ እየ።’
5
“ሕዚ ኸዓ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብፂ እንተይመፃእኹ፥ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝተወለዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም። ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ እዮም።
6
ብድሕሪኦም እትወልዶም ውሉድ ግና ንኣኻ ይኹኑ። ኣብ ርስቶም ከዓ ብስም ኣሕዋቶም ኤፍሬምን ምናሴን ይሰመዩ።
7
ኣነ ኻብ መስጴጦምያ ኽምለስ እንተለኹ፥ ኣብ ምድሪ ከነዓን ንኤፍራታ ኽበፅሕ ቑሩብ ምስ ተረፈኒ፥ ኣብ መንገዲ እንተለኹ ራሄል ሞተትኒ። ኣብ መንገዲ ኤፍራታ፥ ኣብ ቤተ ልሔም ከዓ ቐበርኩዋ።”
8
ያእቆብ ድማ ንደቂ ዮሴፍ ምስ ረአዮም “እዚኣቶም እንታዎት እዮም?” ኢሉ ጠየቖ።
9
ዮሴፍ ከዓ ነቦኡ “እዚኣቶም እግዚኣብሄር ኣብዙይ ዝሃበኒ ደቀይ እዮም” በሎ። ያእቆብ ድማ “ክምርቖምስ እስኪ ናባይ ኣቕርቦም” በሎ።
10
ኣዒንቲ ያእቆብ ከዓ ኻብ እርጋን ዝተልዓለ ፈዚዘን ነበራ እሞ፥ ኣፅርዩ ኽርኢ ኣይኽእልን ነበረ። ዮሴፍ ድማ ናብ ኣቦኡ ኣቕረቦም። ያእቆብ ከዓ ሓሓቝፉ ሰዓሞም።
11
ያእቆብ ንዮሴፍ፥ “ገፅካ ኽርኢ እየ ኢለ ኣይሓሰብኩን ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና፥ እንሆ፥ ንደቅኻውን ኣርኣየኒ” በሎ።
12
ዮሴፍ ከዓ ንደቁ ኻብ ሕቝፊ ኣቦኡ ኣግልስ ኣቢሉ ብገፁ ናብ ምድሪ ሰገደ።
13
ዮሴፍ ድማ ንኽልቲኦም ደቁ ወሲዱ፥ ንኤፍሬም ብየማኑ ገይሩ፥ ናብ ፀጋም ያእቆብ፥ ንምናሴ ኸዓ ብፀጋሙ ገይሩ፥ ናብ የማን ያእቆብ ኣቕረቦም።
14
ምናሴ በዅሪ፥ ኤፍሬም ከዓ ምንኣሱ ነበረ። ያእቆብ ግና ኣእዳዉ ኣመሳቒሉ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም፥ ፀጋመይቲ ኢዱ ድማ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ።
15
ንዮሴፍ ከዓ ኸምዙይ እናበለ መረቖ፦ “እቲ ኣቦታተይ፥ ኣብርሃምን ይስሓቅን፥ ዘገልገልዎ እግዚኣብሄር፥ እቲ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝመገበኒ ኣምላኽ ይባርኮም።
16
እቲ መልአኹ ልኢኹ ኻብ ኵሉ ኽፉእ ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር ነዞም ቈልዑ ይባርኮም። ስመይን ስም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሓቅን ኣብኣቶም ይፀዋዕ፥ ኣብ ማእኸል ምድሪ ድማ ይብዝሑ።”
17
ዮሴፍ ከዓ ኣቦኡ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ከም ዘንበረ ሪኡ ኣይተሓጐሰን፤ ካብ ርእሲ ኤፍሬም ኣልዒሉ ናብ ርእሲ ምናሴ ኸሕልፋ ኸዓ ንኢድ ኣቦኡ ሓዛ።
18
ዮሴፍ ድማ ነቦኡ፥ “ኣቦይ፥ ከምኡ ኣይኮነን፤ እቲ በዅሪ እዙይ እዩ እሞ፥ የማነይትኻ ኣብ ርእሱ ኣንብር” በሎ።
19
ኣቦኡ ግና ኣበዮ፥ “ፈሊጠ ኣለኹ፤ ወደይ ፈሊጠ ኣለኹ። ዘርኢ ምናሴ ዓብዪ ህዝቢ ክኸውን እዩ፤ እቲ ንእሽተይ ሓዉ ግና ኻብኡ ኽዓቢ እዩ፤ ዘርኡውን ብዙሕ ኣህዛብ ክኸውን እዩ” በሎ።
20
ስለዙይ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ኢሉ መረቖም፦ “ ‘እግዚኣብሄር፥ ከም ኤፍሬምን ምናሴን ይግበርካ’ እናበሉ እስራኤል ክምርቑ እዮም።” ያእቆብ ንኤፍሬም ቅድሚ ምናሴ ገበሮ።
21
ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ፥ “እንሆ፥ ኣነ ኽመውት ቀሪበ ኣለኹ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ። ናብ ምድሪ ኣቦታትኩም ድማ ኽመልሰኩም እዩ።
22
እንሆ እታ ኣነ ኻብ ኢድ ኣሞራውያን ብሰይፈይን ብቐስተይን ዝወሰድክዋ ምድሪ ሴኬም ድማ፥ ሕልፊ ኣሕዋትካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ።
← Chapter 47
Chapter 49 →