bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 45
Genesis 45
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ክዕገስ ኣይከኣለን። ዓው ኢሉ ኸዓ “ንዅሎም ሰባት ካብዙይ ኣውፅኡለይ” በለ። ስለዙይ ነሕዋቱ ኽላለዮም እንተሎ፥ ሓደ ሰብ እኳ ምስኡ ኣይነበረን።
2
ቃሉ ዓው ኣቢሉ ስለ ዝበኸየ ግብፃውያን ሰምዑ፤ ኣብ ቤት ፈርዖንውን ተሰምዐ።
3
ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ “ኣነ ዮሴፍ እየ፤ ኣቦይከ ኽሳዕ ሕዚ ብህይወቱዶ ኣሎ?” በሎም። ኣሕዋቱ ድማ እዙይ ሰሚዖም ደንገፁ፤ ክምልሱሉውን ኣይከኣሉን።
4
ዮሴፍ ከዓ ነሕዋቱ፥ “እስኪ ናባይ ቅረቡ” በሎም። ንሳቶም ድማ ቐረቡ። ዮሴፍ ከዓ፦ “ኣነ እቲ ናብ ግብፂ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ።
5
እግዚኣብሄር እዩ ህይወት ሰብ ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፥ ናብዙይ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሃዩ፤ ኣይትጨነቑውን።
6
ኣብዛ ምድሪ ጥሜት ካብ ዝኸውን እንሆ ኽልተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ማሕረስ ኮነ ዓፂድ ዘይብለን ድማ ገና ሓሙሽተ ዓመታት ኣለዋ።
7
እግዚኣብሄር ግና ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብዘደንቕ መንገዲ ንህይወትኩም ምእንቲ ኸድሕን፥ ቀቅድሜኹም ለኣኸኒ።
8
ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን ናብዙይ ዝለኣኽኩምኒ። እግዚኣብሄር ንፈርዖን ዘማኽሮ ኣቦኡ፥ ንዅላ ቤተ መንግስቱ ጐይታኣ፥ ንምድሪ ግብፂ ገዛኢኣ ገበረኒ።
9
“ሕዚ ቐልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ተመለሱ እሞ፦ ‘ዮሴፍ ወድኻ ኸምዙይ ይብለካ ኣሎ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብፂ ጐይታ ገበረኒ፤ ስለዙይ ናባይ ምፃእ፤ ኣይትደንጒ።
10
ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ኣባጊዕኻን ከፍትኻን ዘለካ ዅሉን ኣብ ቀረባይ ምእንቲ ኽትከውን፥ ኣብ ምድሪ ጌሴም ክትቅመጥ ኢኻ።
11
ገና ሓሙሽተ ናይ ጥሜት ዓመታት ተሪፈን ኣለዋሞ፥ ንስኻን ቤተ ሰብካን ኵሉ ዘለካን ምእንቲ ኸይትሽገሩ፥ ኣብኡ ኽምግበኩም እየ’ ” በልዎ።
12
“ኣፈይ ትዛረበኩም ከም ዘላ ኸዓ ኣዒንትኹምን ኣዒንቲ ሓወይ ብንያምን ሪአን ኣለዋ።
13
እቲ ኣብ ግብፂ ዝተውሃበኒ ዅሉ ኽብረይን እቲ ዅሉ ዝረአኹምዎን ነቦይ ንገርዎ፤ ነቦይውን ቀልጢፍኩም ናብዙይ ኣምፅእዎ” በሎም።
14
ሽዑ ንኽሳድ ሓዉ ብንያም በእዳዉ ሓቚፉ ኽበኪ ጀመረ፤ ብንያምውን ኣብ ክሳዱ በኸየ።
15
ንዅሎም ኣሕዋቱ ኸዓ እናበኸየ ሰዓሞም። ድሕሪዙይ ድማ ኣሕዋቱ ምስኡ ኽዛረቡ ጀመሩ።
16
ኣብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖን ከዓ “ኣሕዋት ዮሴፍ መፂኦም” ዝብል ወረ ተሰምዐ። ፈርዖንን መኳንንቱን ድማ ተሓጐሱ።
17
ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፦ “ነሕዋትካ ኸምዙይ ግበሩ በሎም፦ ‘እንስሳኹም ፅዒንኩም ኪዱ፤ ናብ ምድሪ ከነዓን ከዓ ተመለሱ።
18
ኣቦኻትኩምን ስድራኹምን ሒዝኩም ድማ ናባይ ምፁ። ካብ ምድሪ ግብፂ ድማ እቲ ዝበለፀ ኽህበኩም እየ። ስብሒ እዛ ምድሪ እዚኣውን ክትበልዑ ኢኹም።’
19
ከምኡውን፦ ‘ንህፃናትኩምን ነንስትኹምን ዝኾና ሰረገላታት ካብ ምድሪ ግብፂ ውሰዱ፤ ነቦኹም ድማ ሒዝኩምዎ ምፁ።
20
እቲ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዘሎ ዘዝበለፀ ዅሉ ንኣኻትኩም እዩ እሞ፥ በቲ እትሓድግዎ ንብረትኩም ኣይትሕሰቡ’ ኢልካ ንገሮም” በሎ።
21
ደቂ ያእቆብ ከዓ ኸምቲ ዝተኣዘዝዎ ገበሩ። ዮሴፍ ድማ ኸምቲ ትእዛዝ ፈርዖን ሰረገላታት ሃቦም፤ ንመንገዲውን ስንቂ ሃቦም።
22
ንነፍሲ ወከፎም ሓድሓደ ምሉእ ኽዳን ሃቦም። ንብንያም ግና ሰለስተ ሚእቲ ቕርሺ ብሩርን፥ ሓሙሽተ ምሉእ ክዳውንትን ሃቦ።
23
ነቦኡ ድማ ኣብ ግብፂ ዝርከብ ኵሉ ዘዝበለፀ ዝተፅዓና ዓሰርተ ኣእዱግ፥ ንመንገዲ ስንቂ ዝኾኖ እኽልን ሕብስትን ዝተፈላለየ ምግብን፥ ዓሰርተ ፅዕነት ኣንስትዮ ኣእዱግን ሰደደሉ።
24
ሽዑ ነሕዋቱ ኣፋነዎም፤ ምስ ተልዓሉ ድማ “ኣብ መንገዲ ንስንሳትኩም ኣይትበኣሱ” በሎም። ንሳቶምውን ከዱ።
25
ካብ ሃገር ግብፂ ወፂኦም ከዓ ናብ ኣቦኣቶም ያእቆብ ናብ ምድሪ ከነዓን በፅሑ።
26
“ወድኻ ዮሴፍ ገና ብህይወቱ ኣሎ፤ ንዅላ ምድሪ ግብፂ ዝገዝእ ዘሎውን ንሱ እዩ” ኢሎም ነገርዎ። ያእቆብ ድማ ብልቡ ደንገፀ፤ ክኣምኖምውን ኣይከኣለን።
27
እቲ ዮሴፍ ዝበሎም ኵሉ ዘረባ ምስ ነገርዎን እቲ መምፅኢኡ ክኾኖ ኢሉ ዮሴፍ ዝሰደደሉ ሰረገላታትን ምስ ረአየ ግና፥ ህይወት ኣቦኣቶም ያእቆብ ተሓደሰ።
28
እስራኤል ድማ “ወደይ ዮሴፍ ብርግፅ ብህይወቱ እንተ ሃልዩ ይኣኽለኒ? እንተይሞትኩ ኽሪኦ ክኸይድ እየ” በለ።
← Chapter 44
Chapter 46 →