bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 44
Genesis 44
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዮሴፍ፥ ንኣዛዚ ቤቱ “እዞም ሰባት ክወስድዎ ኽሳዕ ዝኽእሉ ጌርካ ኣብ ለቛቱኦም እኽሊ ምልአሎም። ናይ ነፍሲ ወከፍ ገንዘብ ድማ፥ ኣብ ኣፍ ለቘታኡ ኣንብር።
2
ነታ ብብሩር ዝተሰርሐት ፅዋዐይ፥ ምስቲ ዋጋ እኽሊ ገንዘብ ጌርካ፥ ናብ ኣፍ ለቘታ እቲ ንእሽተይ ግበራ” ኢሉ ኣዘዞ። ንሱ ኸዓ ኸምቲ ዮሴፍ ዝኣዘዞ ገበረ።
3
ምስ ወግሐ፥ ነቶም ሰባት ኣእዱጎም ሒዞም ከም ዝኸዱ ገበሩ።
4
ንሳቶም ካብ ከተማ ውፅእ ኢሎም ገና ኸይረሓቑ እንተለዉ፥ ዮሴፍ ንኣዛዚ ቤቱ “ተስእ ደድሕሪ እዞም ሰባት ጕየ፤ ምስ ኣርከብካዮም፥ ‘ስለ ምንታይ ክንዲ ፅቡቕ ክፉእ ትፈድዩ?
5
እታ ጐይታይ ዝሰትየላን ብኣኣ ድማ ምስጢር ዝፈልጠላን ፅዋዕ ንሳዶ ኣይኮነትን? እዙይ ምግባርኩም ክፉእ ጌርኩም’ በሎም” በሎ።
6
ንሱ ኸዓ ኣርኪቡ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ።
7
ንሳቶም ድማ፥ “ጐይታይ! ስለ ምንታይ ከምዙይ ኢልካ ትዛረብ? ከምዙይ ዝበለ ነገር ንሕና ኸቶ ኣይገበርናዮን።
8
እቲ ኣብ ኣፍ ለቛቱና ዝረኸብናዮ ገንዘብ እኳ፥ ካብ ምድሪ ከነዓን መሊስናልካ ኢና። ካብ ቤት ጐይታኻ ግዳ ኸመይ ጌርና ብሩር ኮነ ወይ ወርቂ ኽንሰርቕ?
9
ካብ ሓሻኽርኻ እታ ፅዋዕ ዝተረኽበቶ ይቀተል፤ ንሕና ዝተረፍና ድማ ባሮት ጐይታና ንኹን” በልዎ።
10
ንሱ ኸዓ፥ “ሕራይ፥ ከም ዝበልኩምዎ ይኹን። እቲ ዝተረኽበቶ ባርያይ ይኹን፤ ዝተረፍኩም ግና ኻብ በደል ንፁሃት ኢኹም” በለ።
11
ቀልጢፎም ከዓ ለለቘታኦም ናብ ምድሪ ኣውረዱ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ለቘታኡ ፈትሐ።
12
ንሱ ኸዓ ኻብ ዓብዪ ጀሚሩ ኽሳዕ ኣብቲ ንእሽተይ ዝበፅሕ ጐርጐሮም። እታ ፅዋዕ ድማ ኣብ ለቘታ ብንያም ተረኽበት።
13
ሽዑ ደንጊፆም ክዳውንቶም ቀደዱ፤ ኣእዱጎም ፅዒኖም ከዓ ናብ ከተማ ተመለሱ።
14
ይሁዳን ኣሕዋቱን ናብ እንዳ ዮሴፍ ኣተዉ፤ ዮሴፍ ድማ ኣብ ገዛኡ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ናብ ምድሪ ተደፊኦም ሰገዱሉ።
15
ዮሴፍ ከዓ “እንታይ ግብሩ እዩ ዝገበርኩምዎ? ኸማይ ዝበለ ሰብ፥ ፈላጢ ምስጢር ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” በሎም።
16
ይሁዳ ድማ፥ “ንጐይታይ እሞ እንታይ ክንብለካ ኢና? እንታይከ ኽንዛረበካ? ኸመይ ጌርናኸ ርእስና ኽነንፅህ? ኣምላኽ በደልና ኻብ ቀልዐ፥ እኒሀና፤ ንሕናን እቲ ኣብ ኢዱ ፅዋዕ ዝተረኽበቶን ባሮትካ ኢና” በሎ።
17
ዮሴፍ ግና “እዙይ ከቶ ኣይገብሮን እየ፤ እቲ ኣብ ኢዱ ፅዋዕ ዝተረኽበቶ ሰብኣይ ባርያይ ይኹን፥ ዝተረፍኩም ግና ናብ ኣቦኻትኩም ብሰላም ተመለሱ” በሎም።
18
ሽዑ ይሁዳ ናብ ዮሴፍ ቀሪቡ ኸምዙይ በሎ፦ “ጐይታይ፥ ኣነ ሓሽከርካ ሓንቲ ቓል ኣብ እዝኒ ጐይታይ ክዛረብ እልምነካ ኣለኹ። ንስኻ ኸም ፈርዖን ኢኻሞ፥ ቍጥዓኻ ኣባይ ኣብ ሓሽከርካ ኣይንደድ።
19
ጐይታይ! ነኣና ንሓሻኽርካ ‘ኣቦ ወይ ሓው ኣለኩምዶ?’ ኢልካ ጠየቕካና።
20
ንሕና ኸዓ ንጐይታይ፥ ‘ሽማግለ ኣቦ ኣለና፤ ኣብ እርጋኑ ዝወለዶ ንእሽተይ ቈልዓውን ኣለና፤ ሓዉ ወዲ እኖኡ ስለ ዝሞተ ድማ፥ በይኑ እዩ ተሪፉ ዘሎ፤ ኣቦኡ ኸዓ ይፈትዎ እዩ’ በልናካ።
21
ሽዑ ንስኻ ንኣና ንሓሻኽርካ ‘ክሪኦስ ናባይ ኣምፅእዎ’ በልካና።
22
ንሕና ድማ ንጐይታይ፥ ‘እቲ ቘልዓ ነቦኡ ኽሓድጎ ኣይኽእልን እዩ፤ ነቦኡ እንተ ሓዲጉዎ ግና፥ ኣቦኡ ኽመውት እዩ’ በልናካ።
23
ንኣና ንሓሻኽርካ ድማ ‘እቲ ንእሽተይ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየምፂእኹምዎ፥ ደጊም ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም’ በልካና።
24
“ንሕና ኸዓ ናብ ሓሽከርካ ኣቦና ምስ ተመለስና ዘረባኻ ነገርናዮ።
25
ኣቦና ድማ፥ ‘ተመሊስኩም ቁሩብ እኽሊ ሸምቱልና’ በለና።
26
ንሕና ኸዓ፥ ‘ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና። ነዝ ንእሽተይ ሓውና ምሳና እንተ ዘይተማሊእናዮ፥ ገፅ እቲ ሰብኣይ ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና። ነዝ ንእሽተይ ሓውና ምሳና ኽንማልኦ እንኽእል እንተ ዄንና ግና ኽንከይድ’ በልናዮ።
27
ኣቦና ሓሽከርካ ድማ፥ ‘ሰበይተይ ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደትለይ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
28
እቲ ሓደ ካባይ ወፀ፤ ኣነ ኸዓ ብርግፅ ኣራዊት በሊዕዎ እዩ በልኩምኒ። ክሳዕ ሕዚ ድማ ኣይረአኽዎን።
29
ነዙይ ከዓ ኻብ ቅድመይ እንተ ወሰድኩምዎ፥ እሞ ጕድኣት እንተ ረኸቦ፥ ንሲበተይ ብሓዘን ናብ መቓብር ከይተውርዱኒ’ በለና።
30
“ሕዚ ኸዓ ኣነ ናብ ሓሽከርካ ኣቦይ እንተ ተመለስኩ፥ ነዝ ወዲ ድማ ምሳና እንተ ዘይተማሊእናዮ፥ የመና ስለ ዝፈትዎ፥
31
እቲ ቘልዓ ምሳና ኸም ዘየሎ ምስ ረአየ ኽመውት እዩ። ንሕና ሓሻኽርካ ኸዓ፥ ንሲበት ኣቦና ሓሽከርካ፥ ብጓሂ ናብ መቓብር ከም ዘውረድናዮ ኢና እንኸውን።
32
ኣነ ሓሽከርካ ነዝ ቘልዓ እዙይ ካብ ኣቦይ ተውሒሰ እየ ኣምፂአዮ። ነቦይ ‘ናባኻ መሊሰ እንተ ዘየምፃእኽዎ ምሉእ ዕድመይ ሓጢኣተኛ እኸውን’ በልክዎ።
33
ሕዚ ድማ ኣነ ኽንዲ ዝቘልዓ እዙይ፥ ባርያኻ ኾይነ ኽቕመጥ እልምነካ ኣለኹ። እዝ ቘልዓ እዙይ ግና፥ ምስ ኣሕዋቱ ይደይብ።
34
ነዝ ወዲ እዙይ እንተይሓዝኩ ኸመይ ገይረ ናብ ኣቦይ ክድይብ እኽእል? እዝ ነቦይ ዝረኽቦ ኽፉእስ ክርኢ ኣይክእልን እየ” በሎ።
← Chapter 43
Chapter 45 →