bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 43
Genesis 43
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቲ ጥሜት ኣብ ከነዓን በርትዐ።
2
እቲ ኻብ ግብፂ ዘምፅእዎ እኽሊ በሊዖም ምስ ወድኡ ድማ፥ ኣቦኣቶም ያእቆብ፥ “ተመሊስኩም ቁሩብ እኽሊ ሸምቱልና” በሎም።
3
ይሁዳ ኸዓ “እቲ ሰብኣይ፥ ‘ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይመፂኡ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም’ ኢሉ ኣጠንቂቑና እዩ።
4
ንሓውና ምሳና ትሰዶ እንተ ዄንካ፥ ወሪድና እኽሊ ኽንሽምተልካ ኢና።
5
ዘይትሰዶ እንተ ዄንካ ግና፥ እቲ ሰብኣይ፥ ‘ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይመፂኡ፥ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም’ ኢሉና እዩ እሞ፥ ኣይንወርድን ኢና” በሎ።
6
እስራኤል ከዓ፥ “ነቲ ሰብኣይ ሓደ ሓው ኣለና ኢልኩም፥ ብምንጋር ስለ ምንታይ ኣኽፋእኹምለይ?” በለ።
7
ንሳቶም ድማ “እቲ ሰብኣይ ብዛዕባናን ብዛዕባ ወለዶናን፥ ‘ኣቦኻትኩም ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ? ካልእ ሓውከ ኣለኩምዶ?’ ኢሉ ኣጥቢቑ ጠየቐና። ንሕና ኸዓ ኸምቲ ጥያቐኡ መለስናሉ። ንሓውኩም ኣምፅእዎ ኸም ዝብለናዶ ፈሊጥና ኔርና?” በልዎ።
8
ይሁዳ ድማ ነቦኡ እስራኤል “ተሲእና ኽንከይድስ፥ ንብንያም ምሳይ ስደዶ። ሽዑ ኸዓ ንሕናን ንስኻን ህፃናትናን ካብ ጥሜት ክንድሕን ኢና።
9
ኣነ እወሓሶ፥ ካባይ ድለዮ። ናባኻ ኣምፂአ ኣብ ቅድሜኻ ደው እንተ ዘየቢለዮ ምሉእ ህይወተይ ኣብ ቅድሜኻ ሓጢኣተኛ እኹን።
10
ክሳዕ ሕዚ ደንጕና እንተ ዘይንኸውንስ ድሮኳ ኻልኣይ ጊዜ ተመሊስና ምሃለና ኔርና” በሎ።
11
ሽዑ ኣቦኣቶም እስራኤል “ከምዙይ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ከምኡ ግበሩ፦ ካብ ፍረ እዛ ምድሪ ፀፅቡቑ ኣብ ለቛቱኹም ውሰዱ፥ ነቲ ሰብኣይ ዝኸውን ገፀ በረከት፥ በለሳን፥ ቁሩብ ቀመም፥ ቁሩብ መዓር፥ ሽቱን ከርበን ካዕካዕን ለውዝን ተማልኡሉ።
12
ገንዘብ ድማ ዕፅፊ ጌርኩም ተማልኡ፤ እቲ ኣብ ኣፍ ለቛቱኹም ዝተመለሰ ገንዘብውን፥ ምናልባሽ ብጌጋ ኸይኸውን ተማልእዎ።
13
ንሓውኩምውን ውሰድዎ፤ ቀልጢፍኩም ከዓ ናብቲ ሰብኣይ ተመለሱ።
14
ነቲ ሓደ ሓውኩምን ንብንያምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽሰዶም፥ እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ሞገስ ይሃብኩም። ኣነ ውሉድ እንተ ሰኣንኩ፥ እስኣን” በሎም።
15
ንሳቶም ድማ ገፀ በረከት ሒዞም፥ ዕፅፊ ገንዘብ ተማሊኦም፥ ንብንያምውን ሒዞም፥ ናብ ግብፂ ወሪዶም፥ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ደው በሉ።
16
ዮሴፍ ከዓ ንብንያም ምስኣቶም ምስ ረአዮ፥ ንኣዛዚ ገዛኡ፥ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ቀትሪ ምሳይ ክመስሑ እዮም እሞ፥ ናብ ገዛይ ኣእትዎም፤ ሕሩድ ሓሪድካውን ኣሰናዱ” በሎ።
17
እቲ ኣዛዚ ቤት ድማ ኸምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ፤ ነቶም ሰባትውን ናብ ገዛ ዮሴፍ ኣእተዎም።
18
ንሳቶም ድማ ናብ ገዛ ዮሴፍ ስለ ዘእተዎም ፈርሑ። “ናብዙይ ኣእትዩና ዘሎ፥ ብምኽንያት እቲ ብቐዳማይ ኣብ ለቛቱና ዝተመለሰ ገንዘብ እዩ፤ ሕዚ ምኽንያት ገይሩ ጕድኣት ከብፅሐልና፥ ነእዱግና ኽወስድ፥ ንኣና ኸዓ ባሮቱ ኽገብረና እዩ” ኢሎም ሓሰቡ።
19
ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ እቲ ገዛ፥ ናብቲ ኣዛዚ ቤት ዮሴፍ ቀሪቦም፦
20
“ኦ ጐይታና! ብቐዳማይ እኽሊ ኽንሽምት መፂእና ኔርና።
21
ኣብቲ ዝሓደርናሉ ምስ በፃሕና ለቛቱና ፈቲሕና እንተ ረአና፥ ገንዘብ ነፍሲ ወከፍና ኸከም ሚዛኑ ኣብ ኣፍ ለቘታኡ ነበረ፤
22
እቲ ገንዘብ ናብ ለቛቱና መን ከም ዘእተዎ ኣይፈለጥናን፥ እንሆ መሊስናዮ ኣለና። ካልእ ገንዘብውን መሸመቲ እኽሊ ዝኸውን ኣምፂእና ኣለና” በልዎ።
23
ንሱ ድማ “ኣይዞኹም ኣይትፍርሑ። ኣብ ለቛቱኹም ገንዘብ ዝሃበኩም ኣምላኽኩምን ኣምላኽ ኣቦታትኩምን እዩ፤ ገንዘብኩምስ በፂሑኒ እዩ” በሎም። ንስምኦንውን ናብኣቶም ኣምፅኦ።
24
እቲ ሰብኣይ ነቶም ሰባት ናብ እንዳ ዮሴፍ ኣእትዩ፥ ኣእጋሮም ክሕፀቡ ማይ ሃቦም፤ ነእዱጎም ድማ ድርቋ ሃበን።
25
ኣብኡ ኸም ዝመስሑ ሰሚዖም ነበሩ እሞ፥ ዮሴፍ ቀትሪ ምስ መፀ ምእንቲ ኸቕርቡሉ ነቲ ገፀ በረከት ኣዳለውዎ።
26
ዮሴፍ ናብ ገዛ ምስ መፀ፥ ነቲ ዘምፅእዎ ገፀ በረከት ኣቕረቡሉ። ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ከዓ ሰገዱሉ።
27
ንሱ ድማ ብዛዕባ ጥዕናኦም ጠየቖም፤ “እቲ ብዛዕባኡ ዝተዛረብኩምኒ ሽማግለ ኣቦኻትኩምከ ደሓንዶ ኣሎ? ገናዶ ብህይወት ኣሎ?” በሎም።
28
ንሳቶም ድማ “ሓሽከርካ ኣቦና ደሓን እዩ፤ ብህይወት ኣሎ” በልዎ። ድንን ኢሎም ድማ ሰገዱሉ።
29
ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ ድማ ንወዲ እኖኡ ንብንያም ረአዮ፥ “እዙይ እቲ ብዛዕባኡ ዝተዛረብኩምኒ ንእሽተይ ሓውኩም ድዩ?” በሎም። ንእኡ ኸዓ “ወደይ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽካ” በሎ።
30
ዮሴፍ ድማ ንሓዉ ሪኡ ኸብዱ ምኽኣል ኣብዩዎ ዝበኽየሉ ስፍራ ደለየ፤ ናብ ሕልፍኝኡ ኣትዩ ኸዓ በኸየ።
31
ገፁ ተሓፂቡውን ወፀ። ንባዕሉ ኣረጋጊኡ ድማ “እንጀራ ኣቕርቡ” በለ።
32
ሽዑ ንእኡ ንበይኑ፥ ነሕዋቱ ንበይኖም፥ ነቶም ምስኡ ዝበልዑ ግብፃውያን ከዓ ንበይኖም ኣቕረቡሎም። ንግብፃውያን ምስ ዕብራውያን እንጀራ ምብላዕ ነውሪ እዩ እሞ፥ ምስኣቶም ክበልዑ ኣይከኣሉን።
33
እቶም ኣሕዋት ካብ በዅሪ ኽሳዕ እቲ ምንኣስ ኵሎም፥ ከከም ዕድመኣቶም ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ኣብ ማእዲ ተቐመጡ፥ ኣቀማምጣኣቶም ሪኦም ከዓ ንስንሳቶም ብምድናቕ ተጠማመቱ።
34
ካብቲ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ዝነበረ ምግቢ ኸዓ ገግደኦም ኣቕረቡሎም፤ ንብንያም ድማ ሕልፊ ዅሎም ኣሕዋቱ ሓሙሽተ ኢድ ኣቕረቡሉ። ስለዙይውን ሰትዮም ምስኡ ተሓጐሱ።
← Chapter 42
Chapter 44 →