bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Genesis 42
Genesis 42
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ያእቆብ ኣብ ግብፂ እኽሊ ኸም ዘሎ ሰምዐ፤ ንደቁ ድማ “ስለ ምንታይ ንስንሳትኩም ትጠማመቱ?
2
እንሆ፥ ኣብ ግብፂ እኽሊ ኸም ዘሎ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ስለዙይ ብጥሜት ከይንመውት ናብ ግብፂ ወሪድኩም እኽሊ ሸምቱልና” በሎም።
3
እቶም ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ ከዓ፥ እኽሊ ኽሽምቱ ናብ ግብፂ ወረዱ።
4
ያእቆብ ግና ንብንያም ሓው ዮሴፍ፥ ጕድኣት ከይበፅሖ ኢሉ ምስ ኣሕዋቱ ኣይሰደዶን።
5
ኣብ ምድሪ ከነዓን ጥሜት ስለ ዝነበረ፥ ደቂ ያእቆብ ምስ ካልኦት ኮይኖም እኽሊ ኽሽምቱ ናብ ግብፂ ኸዱ።
6
ነታ ምድሪ ዝእዝዛ ዮሴፍ ነበረ፤ ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድሪ እኽሊ ዝሸይጥ ድማ ንሱ ነበረ። ኣሕዋት ዮሴፍ ድማ መፂኦም፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ምድሪ ብገፆም ተደፊኦም ሰገዱሉ።
7
ዮሴፍ ነሕዋቱ ኣለለዮም፤ ንኣኣቶም ግና ጓና መሲሉ ቐረቦም፤ ኣትሪሩውን ተዛረቦም። “ካበይ ዝመፃእኹም ኢኹም?” ኢሉ ኸዓ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ “ካብ ምድሪ ከነዓን እኽሊ ኽንሽምት ዝመፃእና ኢና” ኢሎም መለሱ።
8
ዮሴፍ ነሕዋቱ ኣለለዮም፤ ንሳቶም ግና ኣየለለይዎን።
9
ዮሴፍ ድማ ነቲ ብዛዕባኣቶም ሓሊምዎ ዝነበረ ሕልምታት ዘከረ። ንሱ ድማ “ንስኻትኩም ኵነታት እዛ ምድሪ ኽትስልሉ ዝመፃእኹም ሰለልቲ ኢኹም” በሎም።
10
ንሳቶም ድማ “ኣታ ጐይታና፥ ንሕና ሓሻኽርካ ስርናይ ክንሽምት ዝመፃእና ኢና፤
11
ኵላትና ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና፤ ሓቀኛታት ኢና፤ ንሕና ሓሻኽርካስ ሰለልቲ ኣይኮንናን” ኢሎም መለሱሉ።
12
ንሱ ኸዓ “ኣይፋልኩምን፤ ኵነታት እዛ ምድሪ ኽትስልሉ ዝመፃእኹም ኢኹም” በሎም።
13
ንሳቶም ድማ “ንሕና ሓሻኽርካ ኣብ ምድሪ ከነዓን እንነብር ዓሰርተ ኽልተ ኣሕዋት፥ ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና። እቲ ሓደ እኳ ጠፊኡ እዩ፤ እቲ ንእሽተይ ግና ምስ ኣቦና ኣሎ” በልዎ።
14
ዮሴፍ ድማ “ከምቲ ቕድም ዝበልኩኹም፥ ንስኻትኩም ሰለልቲ ኢኹም።
15
ሕዚ ኸዓ ኽፍትነኩም እየ፤ እቲ ንእሽተይ ሓውኩም ናብዙይ እንተይመፀ ኻብዙይ ከም ዘይትወፁ፥ ብህይወት ፈርዖን እምሕል ኣለኹ።
16
ንሓውኩም ዘምፅእ ካባኻትኩም ሓደ ስደዱ፤ እቲ ዝበልኩምዎ ሓቂ እንተልይዎ ኽሳዕ ዝፃረ ግና፥ ንስኻትኩም ክትእሰሩ ኢኹም። እንተ ዘይኮነ ብህይወት ፈርዖን እምሕል ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ሰለልቲ ኢኹም” በሎም።
17
ብሓደ ገይሩ ንሰለስተ መዓልቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም።
18
ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዮሴፍ ከምዙይ በሎም፦ “እዝ ዝብለኩም ዘለኹ እንተ ጌርኩም ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፤ ኣነ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ እየ እሞ።
19
ቅኑዓት እንተ ዄንኩምስ፥ ሓደ ሓውኩም ኣብታ ተኣሲርኩምላ ዝነበርኩም ቤት ማእሰርቲ ይተኣሰር። ንስኻትኩም ድማ ኼድኩም፥ ነቶም ጠምዮም ዘለዉ ስድራኹም ዝኸውን እኽሊ ኣብፅሑሎም።
20
ነቲ ንእሽተይ ሓውኩም ድማ ናባይ ኣምፅእዎ፤ እቲ ቓልኩም ሓቂ እንተ ደኣ ኾይኑ ኣይትሞቱን ኢኹም” በሎም። ከምኡውን ገበሩ።
21
ንስንሳቶም ከዓ “ንሓውና ብሓቂ በዲልና ኢና፤ እቲ ኣይትጨክኑለይ እናበለ ኽልምነና እንተሎ፥ ነፍሱ ኽትጭነቕ እናረአና ኣይሰማዕናዮን። ብናቱ ግፍዒ እዩ እዝ መከራ እዙይ ዝበፅሐና” ተበሃሃሉ።
22
ሮቤል ከዓ “ኣብዝ ቘልዓዙይ፥ በደል ኣይተብፅሑ እንዶ ኣይበልኩኹምን? ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምንን። ስለዙይ ድማ እንሆ ደሙ ይደልየና ኣሎ” ኢሉ መለሰሎም።
23
ዮሴፍ ብኣስተርጓሚ ገይሩ ይዛረቦም ስለ ዝነበረ፥ ከም ዝሰምዖም ኣይፈልጡን ነበሩ።
24
ዮሴፍ ከዓ ኻብኣቶም ግልስ ኢሉ በኸየ፤ ናብኣቶም ተመሊሱ ድማ ተዛረቦም፤ ንስምኦንውን ካብኣቶም ወሲዱ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣሰሮ።
25
ዮሴፍ ድማ ኣብ ለለቘታኦም እኽሊ ኽመልኡሎም፥ ገንዘቦምውን ኣብ ለለቘታኦም ክመልሱሎም፥ ንመንገዲውን ስንቂ ኽህብዎም ኣዘዘ። ከምኡ ኸዓ ገበሩሎም።
26
እኽሎም ኣብ ኣእዱጎም ፅዒኖም ከዓ ኻብኡ ተልዒሎም ከዱ።
27
ኣብቲ ዝሓደሩሉ ቦታ ድማ ሓደ ኻብኣቶም ንኣድጉ እኽሊ ኽህብ፥ ለቘታኡ ፈትሐ፥ ነቲ ገንዘቡ ኸዓ ኣብ ኣፍ ለቘታኡ ረኸቦ።
28
ነሕዋቱ ኸዓ “ገንዘበይ ተመሊሱ፤ እንሆ ኣብ ለቘታይ ረኺበዮ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ልቦም ደንገፀ፤ ቀጥቀጥ እናበሉ ድማ ንስንሳቶም “እዝ እግዚኣብሄር ገይሩና ዘሎ እንታይ እዩ?” ተበሃሃሉ።
29
ናብ ኣቦኣቶም ያእቆብ ናብ ምድሪ ከነዓን ምስ ተመለሱ ኸዓ፥ እቲ ዅሉ ዝበፅሖም ከምዙይ ኢሎም ነገርዎ፦
30
“እቲ፥ ጐይታ እታ ሃገር፥ ኣትሪሩ ተዛረበና፤ ነታ ምድሪ ኽንስልል ከም ዝመፃእናውን ቈፀረና።
31
ንሕና ድማ ‘ሰለልቲ ኣይኮንናን፤ ቅኑዓት ሰባት ኢና።
32
ንሕና ዓሰርተ ኽልተ ኣሕዋት ደቂ ሓደ ኣቦ ኢና፤ እቲ ሓደ ጠፊኡ እዩ፤ እቲ ንእሽተይ ግና ምስ ኣቦና ኣብ ምድሪ ከነዓን ኣሎ’ በልናዮ።
33
እቲ ጐይታ እታ ሃገር ከዓ፥ ‘ንስኻትኩም ቅኑዓት እንተ ዄንኩም በዙይ ክፈልጥ እየ፦ ሓደ ሓውኩም ምሳይ ሕደጉ፤ ነቶም ጥሙያት ስድራኹም ዝኸውን እኽሊ ሒዝኩም ድማ ኺዱ።
34
ነቲ ንእሽተይ ሓውኩም ከዓ ናባይ ኣምፅእዎ። ንስኻትኩም ቅኑዓት እምበር፥ ሰለልቲ ኸም ዘይኮንኩም ሽዑ ኽፈልጥ እየ። ሓውኩም ድማ ኽህበኩም እየ፤ ኣብዛ ምድሪ እውን ከም ድልየትኩም ክትነግዱ ትኽእሉ ኢኹም’ በለና።”
35
ለቛታኦም ፈቲሖም ነቲ እኽሊ ኽግልብጡ እንተለዉ፥ እንሆ ነናይ ነፍሲ ወከፍ ቍፃር ገንዘቡ ኣብ ለለቘታኡ ነበረ። ንሳቶምን ኣቦኣቶምን ነቲ ቝፃር ገንዘብ ምስ ረአዩ ደንገፁ።
36
ኣቦኣቶም ያእቆብ ድማ “ደቀይ ውሉድ እኮ ኣስኣንኩምኒ። ዮሴፍ የለን፤ ስምኦንውን የለን፤ ሐዚ ድማ ንብንያም ክትወስድዎ ትደልዩ ኣለኹም፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ኣባይ በፅሐ” በሎም።
37
ሮቤል ከዓ ነቦኡ፥ “ንኣይ ሕድሪ ሃበኒ፥ ኣነ ድማ ናባኻ ኽመልሶ እየ፤ ናባኻ እንተ ዘየምፃእኽዎ፥ ንኽልቲኦም ደቀይ ቅተሎም” በሎ።
38
ንሱ ኸዓ “ሓዉ ሞይቱ፥ ንሱ ድማ በይኑ ተሪፉ እዩ እሞ፥ ወደይስ ምሳኻትኩም ኣይወርድን እዩ። ኣብቲ እትኸድዎ መንገዲ ጕድኣት እንተ ረኸቦ፥ ሽዑ ኣብ እርጋነይ ብመሪር ሓዘን ናብ መቓብር ከም ዝወርድ ክትገብሩኒ ኢኹም!” በሎም።
← Chapter 41
Chapter 43 →